ቅዱስ ጆን ሄንሪ ኒውማን ሓድሽ ሊቅ ቤተ ክርስቲያን ክኸውን እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ዘመናውያን ፈላስፋታት ስነ ክርስትና (ኣማርያን ክርስትና) ኣብ መንፈሳውን ሰብኣውን ጕዕዞን ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ኣብ መበል ዓሰርተ ትሽዓተ ዘመን ኣብ ኤቑመናዊ ኪደት ዓብዪ ጽልዋ ዝገበረ ደራሲ ስነ ጽሑፍ፣ እምነት ምንባር መዓልታዊ ‘ልቢ ንብሊ’ ምስ ክርስቶስ ምዝታይ ማለት ምዃኑ ብኣጽንዖት ዝመሃረ፣ እንግሊዛዊ ካርዲናል ጆን ሄንሪ ኒውማን ቅዱስ ኣቦና ሊቅ ቤተ ክርስቲያን ተቢሉ ክወጅ ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ማርቸሎ ሰመራሮ ዘቕረብዎ ናይ ሕቶ ሰነድ ይኹንታ ከም ዝሃብሉ ዕለት 31 ሓምለ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
“ካብ ጽላሎትን ምስልን ናብ ሓቂ”
“ብሕያውነት ብርሃን፣ ኣብ ማእከል እቲ ዝኸበበ ጸልማት፣ መርሓኒ።
ለይቲ ጸልማት እያ፣ ኣነ ድማ ካብ ገዛይ ርሒቐ ኣለኹ - ምርሕኒ...
ክሳብ ሕጂ ሓይልኻ ከም ዝባረኸኒ ሕጂ እውን ክመርሓኒ ከም ዝኾነ ርግጸይና እየ።
ኣብ ሓጽብታትን ዓዘቕቲታትን ኣብ ኣጻድፍን ወሓይዝን ክሳዕ
ዘይሓልፍ ኣብ ዝመስል ለይቲ . . . ምርሓኒ
ጆን ሄንሪ ኒውማን ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ ብጣልያን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ እዋን እዚ ልቢ ዝትንክፍ ጸሎት ካብ ልቡ ከንቅል እንከሎ ወዲ 32 ዓመት ከም ዝነበርን ኣብ 1801 ዝተወልደ፣ ድሮ ንሸሞንተ ዓመት ካህን ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ ዘገልገለ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያኑ ዝነበሩ በላሓት ኣእምሮታት ምዃኑ ብሰፊሕ ዝንገረሉ ዝነበረ - ብቓላቱን ብጽሑፋቱን ሰብ ዝማርኽ! ኣብ 1832 ናብ ጣልያን ኣብ ዝገበሮ ጉዕዞ ንውሽጣዊ ሓቀይና ምድላይ ዘዕሞቐን፣ ንዕምቈት ናይቲ ንዕኡ ብርሃን ሓቂ ዝነበረ "ሕያዋይ ብርሃን" ኣምላኽ፣ ማለት ብዛዕባ ክርስቶስ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ባህርይ ቤተ-ክርስትያን ከምኡውን ብዛዕባ ልምዲ ናይ ቀዳማይ ዘመን ኣቦታት፣ ብዛዕባ እታ ገና ዘይተገማመዐት ሓንቲ ቤተ - ክርስትያን ዝዛረብዎ ዝነበረ ድምጺ ሓቂ ኣብ ውሽጡ ተሰኪሙ። እቲ ቐንዲ ማእከል እምነቱን እቲ ኣብ መጻኢ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዝበለቶ ዚነበረሉን ዚዓየሉን ዝነበረ ኦክስፎርድ፣ እምነቱ በብቝሩብ ናብ ካቶሊክ እምነት ዘእትዎ መገዲ ኮኖ።
ኣብ 1845 ነቲ ኣብታ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ - ክርስትያን - ካብ ልቢ ክርስቶስ እተወልደት ቤተ - ክርስትያን ሰማእታት፣ ከምኡውን ከም ኦም ኣብ ታሪኽ ዝዓበየትን ዝማዕበለትን ጥንታውያን ኣቦው - ዝረኣየላ ካቶሊካዊት ቤተ - ክርስትያን - ነቲ ሓቀይና ብርሃን ንምርካብ ነዊሕ ጻዕሪ ዝገበረላ ብዛዕባ ምዕባለ ክርስትያናዊ ሰረተ - እምነት ዘርእስቱ (Essay on the Development of Christian Doctrine) ኣብ ዘቕረቦ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ መንፈሳዊ ጕዕዞኡ ኣጽኒዕዎ ኢዩ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ናብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ክኣቱ ሓተተ እዚ ድማ ዕለት 8 ጥቅምቲ 1845 ተፈጸመ። ጸኒሑ ብዛዕባ እታ ህሞት እቲኣ "ድሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ባሕሪ ናብ ወደብ ከም ዝኣተኹ ዀይኑ ተሰመዓኒ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ሓጐሰይ ድማ ክሳዕ ሎሚ ብዘይ ምቍራጽ ይቅጽል" እንክብሉ ይገልጻ።
ንቅዱስ ፊሊጶ ነሪ ዝተወፈየ
ኣብ 1846 ናብ ኢጣልያ ተመሊሱ፡ ከም ትሑት ተማሃራይ ዘርኣ ክህነት - ዋላ እኳ ኣህጉራዊ ዝና ዘለዎ ናይ ስነ - መለኮትን ኣማራይን እንተነበረ - ናብ ፕሮፓጋንዳ ፊደ ብዝብል መጸውዕ ናብ ዝፍለጥ ተቕዋም ኣተወ። “ኣብዚ ምህላወይ ኣዝዩ ዘደንቕ እዩ” እንክብል ድማ ነቲ ናብኡ ምእታዉ ይገልጾ። ዕለት 30 ግንቦት 1847 ድማ ማዕርገ ክህነት ተቐበለ።
ኣብዘን ኣዋርሕ እዚኣተን፡ ኒውማን ብኣምሳል ቅዱስ ፊሊፖ ነሪ ኣዝዩ ተማሪኹ ከም ዝነበረን፣ ር.ሊ.ጳ. ብጽዕ ፒዮስ ታሽዓይ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክምለስ ምስ ኣተባብዕዎ፣ ኒውማን ቀጺሉ ኣብኡ ነቲ ሓጎስ ዝመልኦ ባህሪ ዝነበሮ ቅዱስ ዝተወፈየ መጸለይን መአከብን ዝኸውን ቤት ኣቝይሙ . . . ምስቲ ኩሉ ዘጋጥሞ ዝነበረ ዝተፈላለየ ብድሆታት ንካቶሊክነት ዝከላኸልን ዝድግፍን ብሉጽ ጽሑፋት ምፍራይ ቀጸለ - ዋላ እውን ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ከይተረፈ።
ኣብ 1879 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 13 ካርዲናል እንክብሉ ሰመይዎም። ክሳዕ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈለየላ ዕለት 11 ነሓሰ 1890 ነቲ ናይ ሓዋርያ ዕዮኡ ብጽንዓት ከም ዝፈጸመን። ኣብ መቓብሩ ነቲ ዘደንቕ ዕምሪ ናይ 89 ዓመታት ህይወቱ ኣሕጽር ኣቢሉ ብምግላጽ። ስሙን "ካብ ጽላሎትን ምስልታትን ናብ ሓቂ - Ex umbris et imaginibus in Veritatem " ዝብል ጽሑፍ ክንበር ድማ ሓተተ።
በንዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2010 ብጽዕና ከም ዝኣወጅሉን እዚ ወዲ ቤተ ክርስቲያን እዚ ብመሰረት ቃላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ንሕሙማትን ንድኻታትን ምብጻሕ ፈተውቶም ንዝተፈልይዎም ምብጽንናዕ ንእሱራት ብምብጻሕን ምክንኻንን ብዝብል ሰብኣዊ ኣረኣእያ ኣገልግሎት ክህነት ዝነበረ” እንክብሉ ድማ ከም ዝገለጽዎ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
'ልቢ ንልቢ ይዛረ’
ኒውማን ኣብ 2019 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቅድስና ከም እተኣወጀሉን ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብዛዕባ ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ኣብ ዝትንትን፣ Dilexit nos - ኣፍቶረነ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝለገስዎ ዓዋዲት መልእኽቲ ድማ፣ “ልቢ ንልቢ ይዛረብ” ዝብል ኒውማን ካርዲናል ምስተሾመ ዝመረጹ መንፈሳዊ ጭርሖኡ ምኽንት የብርሁ። እቲ ምኽንያት ድማ ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ኪኖ ዝኾነ ይኹን ስነ መጎት ጐይታ ካብ ልቡ ንልብና ብምዝራብ የድሕነና። "እዚ ተመሳሳሊ ስነ- መጎት" ይብሊ ር.ሊ.ጳ. ፍራንሲስ፡ "ንዕኡ፡ ነዚ ዓቢይ ፈላስፋ፡ እቲ ምስ ገዛእ ርእሱን ምስ ጎይታን ዝገጠመሉ ኣዝዩ ዓሚቕ ናይ ዘተ ቦታ ንባብ ወይ ኣስተንትኖ ዘይኮነስ፡ ጸሎት፣ ዘተ ልቢ ንልቢ፡ ምስ ክርስቶስ ህያውን ህልውን እዩ። ስለዚ ኒውማን ኣብ ቅዱስ ቁርባን ህያው ልቢ ኦየሱስ ረኸበ፡ ሓራ ከውጽእ ዝኽእል፡ ንነፍሲ ወከፍ ህሞት ትርጉም ክህብ፡ ኣብ ሰብ ድማ ሓቀይና ሰላም ከስርጽ ዝኽእል" እንክብሉ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።