MAP

2025.08.15 Angelus 2025.08.15 Angelus   (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ንገዛእ ርእስና ኣብ ግጭትን ኣጽዋር ከነውድቕ የብልናን

ደድሕሪ’ቲ ኣብ በዓለ ፍለሰታ ለማርያም ዘዕረግዎ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዛዕባ እቲ ማርያም ኣዴና ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ንደቂ ሰባት ተስፋ ኣብ ምሃብ ዝነበራ ግደ ኣስተንቲኖም፣ ኵሉ ሰብ ኣብ እዋን ዓመጻን ግጭታትን ተስፋ ከይቆርጽ ውን ተማሕጸኑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ዓርቢ ዕለት 15 ነሓሰ ኣብ በዓለ ፍለሰታ ለማርያም፣ ደድሕሪ’ት ዘዕረግዎ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር፣ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዘካፈልዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ ሰላም ምእንቲ ክሰፍን ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ጸልዮም። ማርያም "በቲ ንደቃ ዜሳቕዮም ዘሎ እከይ ምናዳ ኸኣ ንሕጻናትን ንድኹማትን ትሳቐ ኢያ ዘላ" ክብሉ ውን ኣመልከቱ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት፣ ብመልእኽትታትን ተገዳስነታን ኣቢላ ምስቶም እተሸገሩ ቀረባ ከም ዝነበረት እውን ገሊጻ ኢያ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒየስ መበል 12 ድሕቲ ደብዳብ ከተማ ሮማ ኣብ1943 ኣብ መንጐ ሕዝቢ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒየስ መበል 12 ድሕቲ ደብዳብ ከተማ ሮማ ኣብ1943 ኣብ መንጐ ሕዝቢ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒየስ መበል 12 ካብቲ ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣዝዩ ብዙሕ ደም ዘፍሰሰ ውግእ ማለት ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ብ1950 ዓንቀጽ እምነት ፍልሰታ ማርያም ኣወጁ።

ከምዚ ክብሉ ድማ ጸሓፉ - "ኵሎም እቶም ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ኣብነት ማርያም ዜስተንትኑ ሰባት፣ ህይወት ሰብ ክሳዕ ክንደይ ዋጋ ኸም ዘለዎ ብዝያዳ ምእንቲ ክኣምኑ ተስፋ ዝግብረሉ ዓቢይ ምኽንያት ኣሎ።" ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒየስ ኣስዕብ ኣቢሎም ዓለም ድሕሪ ደጊም ነቲ "ብውግእ ዘብቅዕ ህይወት ወድሰብ" ፈጺማ ኸም ዘይትርእዮ ድማ ተስፋኦም ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቃላት ናይቶም ቅድሚኦም ዝንበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ብኸመይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጕልሑ። እቲ ዜሕዝን ግን ኣብ ዓለም

 ዓመጽ እናኣስፋሕፍሐ ይኸይድ እኳ እንተ ኣሎ፣ ሓይሊ ኸም ዘይብልና ዀይኑ እዩ ዚስምዓና ፣ እዚ ዓመጻ እዚ ኸኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ጸማምን ስምዒት ዘይብሉን እናዀነ ይኸይድ ኣሎ" ክብሉ ውን ኣጠንቀቑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ግን ከአ ተስፋ ክንቆርጽ ኸም ዘይብልና ተላበዉ። ኣምላኽ ካብ ሰብኣዊ ሓጢኣትን ካብ ዝዀነ ይኹን ዓመጻን ከም ዚዓቢ እውን ኣስፊሖም ገለጹ ። ምስ ማርያም ኴንና ኣምላኽ ይሕግዘና ኸም ዘሎ ስለ እንፈልጥ "ኣብ ቍጽጽር ውግእን ኣጽዋርን ክንወድቕ የብልናን።" ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ "መገዲ ሰላም እንደገና ኽንረክብ እንኽእል" ብምሕረት ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ ብምግላጽ ቃል ምሕጽንታኦም ዛዘሙ።

16 Aug 2025, 14:45