MAP

Aftermath of an overnight Israeli strike on an UNRWA school that was sheltering displaced people in Khan Younis Aftermath of an overnight Israeli strike on an UNRWA school that was sheltering displaced people in Khan Younis  (q)

ር. ሊ. ጳ. ፦ ምስ መንእሰያት ቃዛን ዩክረይንን ከምኡውን ምስተን ብውግእ ዝዓነዋ ሃገራት ኢና ዘለና

ኣብ መደምደምታ ናይቲ ብምኽንያት ኢዮቤል መንሰያት ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ መወዳእታ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብፍላይ ነተን ብውግእ ዝዓነዋ ቃዛ ዩክረይን ከምኡውን እተን ካልኦት ብውግእ ዝሳቐያ ዘለዋ ሃገራት ብምጥቃስ፣ ነቶም በቲ ካልኦት ሰባት ዝፍጽምዎ ዘለዉ "ኻብ ኵሉ ዝኸበደ እከይ" ዝሳቐዩ ዘለዉ መንእሰያት ዘኪሮም።

ኣባ ተወልደ መባራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መደምደምታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ምስቶም ኣብ ቃዛ ዩክረይን ከምኡውን ምስ ኵሎም እቶም ብውግእ ኣብ ዝዓነወ ኽፍልታት ዓለም ዝነብሩ መንእሰያት ዘለዎ ቅርበትን ሓድነትን ገለጹ።

"ምስ ክርስቶስ ማለት ምስቲ ሰላምናን ተስፋ ዓለምናን ዝኾነ ብምትሕብባር ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ናብቶም ብሰንኪ ኻልኦት ሰባት ዝወርድ ከቢድ እከይ ዝሳቐዩ መንእሰያት ንቀራረብ ኣሎና። ምስ መንእሰያት ቃዛ ኢና ደው ኢልና ዘለና። ምስቶም ኣብ ኵለን ሃገራት ብውግእ ደሞም ዝፈስስ ዘሎ መንእሰያት ዩክረይን ውን ኢና ዘለና። ኣቱም መንእሰያት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ንኻትኩም ካልእ ዓለም ክትህሉ ኸም እትኽእል ማለት ግጭታት ብኣጽዋር ዘይኰነስ ብምዝርራብን ዘተን ከም ዚፍታሕ ዚሕብር ምልክት ኢኹም።"

ምእንቲ ማሪያን ፓስኬልን ዝተስምዖም ድንጋጸ

እተን ስጳኛዊትን ግብጻዊትን ዝዀና ማሪያን ፓስኬልን ዚበሃላ ኽልተ መንእሰያት ነጋድያን ብሃንደበት ብዘጋጠመን ጥዕናዊ ጸገማት ኣብ ሮሜ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ስለ ስለ ዝዓረፋ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተሰምዖም ድንጋጸን ሓዘንን ውን ገለጹ።

ንኣምላኽ ነመስግኖ ኣሎና

እዚ ነቶም  ሰንበት ንግሆ ኣብ ቶር ቨርጋታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንምዕራግ እተኣከቡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ነጋድያን ናይ መወዳእታ ሰላምታ ከቕርቡሎም እንከለዉ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ቀቅድሚ ምምራሕ ዝበልዎ ቃል ምሕጽንታ ኢዩ ዝንበረ።

ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒሞም ድማ ቅዱስ ኣቦና ነፍሲ ወከፍ ሰብ ስለቲ ኣብዘን መዓልትታት ኢዮቤል ተስፋ ዝረኸብዎ ውህበት ንኣምላኽ ዘለዎ ዓብዪ ምስጋና ኺገልጹ ዓደምዎም።

እቲ ኣምላኽ ንቤተ-ክርስትያንን ንመላእ ዓለምን ዝገበሮ ጸጋ ኣብ ተሳትፎ ዅሎም መንእሰያት ከም ዝንጸባረቕ ውን ገለጹ፣ ብምሉእ ልቦም ድማ ንኣምላኽ ኣመስገኑ፣ ነቶም መንእሰያት ውን ኣመስገንዎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ምስቶም መንእሰያት ዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ጳጳሳትን ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ሰላምታ ብምቕራብ ድማ፣ ስለቲ ዝገበርዎ ጉስነት ኣመስገንዎም፣ ንዅሎም እቶም ምእንቲ እቲ መደባት ዝጸለዩን ብመንፈሳዊ መዳይ እተሳተፉን ድማ ኣመስገንዎም።

ዓለም ለኻዊ ቅነ መንእሰያት 2027 ኣብ ሴውል ኮርያ

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ደድሕሪ እዚ ኣብ ከተማ ሮማ እተኻየደ "ነጋድያን ተስፋ" እተሰምየ ዓመት ኢዮቤል፣ ቅዱስነቶም ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምሳታቶም ሓቢሮም  ኣብ ካብ ዕለት 3 ክሳዕ 8 ነሓሰ 2027 መዓልቲ መንእሰያት ክጽንብሉ ናብ ክፍለ ዓለም እስያ ኸም ዝኸዱ ውን ዘከሩ። ፍረ ነገር ናይቲ ቐጺሉ ዝካየድ ዓለም ለኻዊ ቅነ መንእሰያት፣ በቲ ካብ ወንጌል ዮሓንስ እተወስደ ቃል ክኸውን ኢዩ፣ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ናይ መወዳእታ ድራር ንደቀ መዛሙርቱ "ኣጆኹም! ንዓለም ስዒረያ እየ" ዝበሎ ቃል ድማ ዘምልክት ክኸውን ኢዩ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እቲ ኣብ ልብና ዚቕጽል ተስፋ ነቲ ትንሳኤ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ እከይን ሞትን ከም እተዓወተ ንኽንእውጅ ብርታዐ ኺህበና ኸም ዚኽእል ውን ገለጹ። እዚ ኸኣ እዩ ነቶም መንእሰያት ነጋድያን ክሳዕ ጽንፊ ምድሪ መሰኻኽር ንኪዀኑ ተስፋን ትብዓትን ዝህቦም ክብሉ ውን ኣመልከቱ። ነቲ ኣብ ሴውል ዝካየድ ዝቕጽል ቅነ መንእሰያት ኣብ ግምት ብምእታው ንዕቝባ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴና ብሕድሪ ብምውፋይ ብሓባር ክንሓልምን ተስፋ ኽንገብርን ከም ዘሎና ተላበው።

 

04 Aug 2025, 16:54