ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ካብ ሮማ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ምልእተ ጸጋ ከም ዝበጽሑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 19 ነሓሰ ኣብ ሞንተረላ ኣካል ሃገረ ስብከት ካፕራኒካ ፕረነስቲና ዝኾነት ቁሸት ጓዳኞሎ ኣብ ዝርከብ መካነ ንግደት ምልእተ ጸጋ ብውልቂ መንፈሳዊ ንግደ ኣካይዶም ምስ ኣብቅዑ ናብ ካስተል ጋንዶልፎ ቅድሚ ምምላሶት ምስቶም ኣብቲ መካነ ንግደት ዘገልግሉ ፖላንዳውያን ካህናት ኣባላት ማሕበር ትንሳኤ ሓጺር ርክብ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቤተ መቕደስ ምልእተ ጸጋ
ከተማ መንቶረላ ካብ ሮማ ንደቡባዊ ምብራቕ ኣስታት 65 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ኣብ ርእሲ እምባ ዝተሃንጸት ከተማ፣ ምስ ሓያሎ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ፍሉይ ምትእስሳር ዘለዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኮይኖም ምስ ተሓረዩ ድሕሪ ትሽዓተ መዓልቲ ናብቲ ቤተ መቕደስ ንግደት ከም ዘካየዱን፣ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2005 ዓ.ም. እውን ተመሳሳሊ ምብጻሕ ከም ዝፈጸሙን፣ ር.ሊ.ጳ. ኢኖቸንቲዩስ መበል 13 (1721 - 1724) ብፍቓዶም ኣብኡ ክቕበሩ ከም ዝመረጹን፣ ትውፊት ከም ዝሕብሮ ቅዱስ ኤዎስጣክዮስ ኣብ 2ይ ክፍለ ዘመን እምነት ክርስትና ዝተቐበለሉ ስፍራ እውን ምዃኑ እዩ ዝንገር። ድሕሪ ክልተ ሚእቲ ዓመት ሃጸይ ቆስጠንጢኖስ ኣብቲ ቅዱስ ኤዎስጣክዮስ ዝተለወጠሉ ቦታ ባዚሊካ ክህነጽ ከም ዝገበረን፣ ቅድሚ 335 ዓ.ም. ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ድማ እቲ ባዚሊካ ብር.ሊ.ጳ ሲልቨስተር ቀዳማዊ ከም እተባረኸ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር የመላኽት።
ድሕሪ ክልተ ዘመን ኣብ 500 ዓመታት እቲ መሬት ንመነኮሳት ሱብያኮ ተዋሂቡን ኣብ መፋርቕ መበል 13 ክፍለ ዘመን ብዕንጨይቲ ዝተሰርሐ ምስሊ ቅድስት ድንግል ማርያም - ክሳብ ሎሚ ኣብ ቤተክርስትያን ዝርከብ - ከም እተነበረሉን በነዲክታውያን ኣብ መበል 14 ክፍለ ዘመን ካብቲ ከባቢ ምስ ወጹ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ ታሽዓይ ኣብ 1857 ዓ.ም. ንማሕበር ካህናት ትንሳኤ ዘእግዚኣነ ነቲ መካነ ንግደት ብሕድሪ ከም ዝሃብዎም ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን የዘንትዎ።