ር.ሊ.ጳ. ንክርስትያን ፖለቲከይናታት፡ ብዘይ ክርስቶስ 'ክብርታት በይኑ ንዓለም ክቕይራ ኣይክእል እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 “እቲ ኢየሱስ ብሞቱን ትንሳኤኡን ዝረኸቦ ድሕነት፡ ንኹሉ ሸነኻት ሕይወት ደቂ ሰባት ከም ባህሊ፡ ቁጠባን ስራሕን፡ ስድራቤትን ሓዳርን፡ ምኽባር ክብርን ህይወትን ሰብ፡ ጥዕና፡ ከምኡ’ውን ርክብ፡ ትምህርትን ፖለቲካን ዘጠቓልል እዩ።” ነዚ ዝበሉ ነቲ ካብ ፈረንሳ ዝመጸ ክርስቲያን ፖለቲከይናታት ዝውክል ጉጅለ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ናይ ፖለቲካ ኣካላት ብምኽንያት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ናብ ሮማ ዝገበርዎ “ጉዕዞ እምነት” “ብተስፋ ደልዲሎም” ከምኡ’ውን “ዝያዳ ፍትሓዊት፡ ዝያዳ ሰብኣዊትን ዝያዳ ሕውነታዊትን ዓለም ንምህናጽ ኣብ ምስራሕ ብዝበለጸ ክትተግሁ ዝድርኽ እዩ – እዚ ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝያዳ ብወንጌል ዝተዓብለለት ዓለም ካብ ምህናጽ ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእል እዩ” እንክብሉ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናብ ኢየሱስ ተመሊስካ ሓገዙ ድለ
ኣብ ቅድሚ “ልዕሊ ዓቐን - መኽሰብ ዝብል” ሃዋሁ ሕብረተሰብ ምዕራባውያን፡ ክርስትያን “ናብ ክርስቶስ ተመሊስና ሓላፍነትና ክንፍጽም ክሕግዘና ካብ ምልማን ካልእ ዝሓሸ ክገብሩ ከም ዘይክእሉ” ኣስሚሮም፣ ንኽርስቶስ ብምሕቋፍ በርገሳውያን መራሕቲ “ንርእሶም ከሀብትሙ” ጥራይ ዘይኮኑስ ነቶም ዘገልግልዎም ብዝበለጸ ከገልግሉ ከምዝኽእሉ ኣተሓሳሲቦም፣ ልክዕ ብሰንኪ እቲ ናብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ሓልዮትን ኣገልግሎትን ዝመርሕ ኣብ ጥምቀት ዝተቐበልናዮ መንፈሳዊ ሃይሊ ፍቕሪ፡ መራሕቲ ክርስትያን ብሓቂ ነዚ ብህይወት ምስ ዝነብርዎ፣ “ናይ ሕጂ ዓለም ብድሆታት ክገጥሙ” ድሉዋት ከም ዝገብሮም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገሊጾም፣ “ምድንፋዕ ‘ክብርታት’ ወንጌላዊ ይኹን ብዘይገድስ፣ ክርስቶስ ዘይብሉ እንተድኣ ኮይኑ” ንዓለም ናይ ምልዋጥ ሓይሊ ኣይክህልዎን እዩ” እንክብሉ ከም ዘጠንቀቑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
'ገዛእ ርእስኻ ብእምነት ምጽናዕ'
ማዕረ ማዕሪኡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቶም ዝምረጹ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ብእምነቶም መሰረት ግቡኦም ክፍጽሙ ቀሊል ከምዘይኮነ ኣሚኖም፣ ብፍላይ ኣብ ምዕራባዊ ሕብረተሰብ፣ “ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያኑን ዝተገለሉ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ሸለል ዝበሃለሉ፣ ገለ ገለ እዋን መላገጺ ገይርካ ምጥቃም እውን ይረአይ . . . እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ “ብዝያዳ ኣብ ክርስቶስ ክጥርነፉ፣ ኣብኡ ክነብሩን ንዓኡ ክምስክሩን” ኣተባቢዑዎም፣ ንክርስትያን ፖለቲከይናታት ኣብ መንጎ ክርስትናኦምን ህዝባዊ ተራኦምን ኣብ ስብእነቶምን ምፍልላይ ክህሉ ከምዘይክእል ኣዘኻኺሮም፣ “ስለዚ ብእምነት ገዛእ ርእስኹም ከተደልድሉ ተጸዊዕኩም ኣለኹም - ቢሎም - ብዛዕባ እቲ ትምህርቲ - ብፍላይ ነቲ ማሕበራዊ ትምህርቲ - ኢየሱስ ንዓለም ዝመሃሮ ርድኢትኩም ከተዕምቑ፡ ኣብ ምፍጻም ግቡእኩምን ኣብ ምሕንጻጽ ሕግታትን ድማ ኣብ ግብሪ ከተውዕልዎ ዝተጸዋዕኩም ኢኹም፣ እቲ ትምህርቲ እቲ ኣብ ባህርይ ወዲ ሰብን “ኩሎም ከለልይዎ ዝኽእሉ” ተፈጥሮኣዊ ሕግን ዝተሰረተ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ንክርስትያን ፖለቲከይናታት “ብእምነት ንምቕራብን ንምክልኻልን ከይፈርሑ” ኣተባቢዖም፣ ጠመቓዊ ትምህርቲ ድሕነት ንጽቡቕ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብን ንህንጸት ሰላማውን ስኒትን ምዕባለን ዝተዓረቐን ሕብረተሰባት ዝዓለመ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።