MAP

ር.ሊ.ጳ. ንግብረ ገባዊ ቲዮሎጊያ ተመራመርቲ ንቅዱስ ኣልፎንሶስ ከም ኣብነት ክወስድዎ ይላበዉ ር.ሊ.ጳ. ንግብረ ገባዊ ቲዮሎጊያ ተመራመርቲ ንቅዱስ ኣልፎንሶስ ከም ኣብነት ክወስድዎ ይላበዉ 

ር.ሊ.ጳ. ንግብረ ገባዊ ቲዮሎጊያ ተመራመርቲ ንቅዱስ ኣልፎንሶስ ከም ኣብነት ክወስድዎ ይላበዉ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንግብረ ገባዊ ቲዮሎጊያ ተመራመርቲ ኣብነት ቅዱስ ኣልፎንሶ ሊጉዎሪን ካልኦት ቅዱሳንን ብምስዓብ ነቲ ኣብ ዘመናዊ ዓለም ዘሎ “ብድሆታትን ለውጥታትን ግርጭታትን” ብመንጽር መለኮታዊ ግልጸት ከስተንትንዎ ይዕድሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ መበል 17 ኣህጉራዊ ጉባኤ ግብረ ገባዊ ቲዮሎጊያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ተሳተፍቲ እዋናዊ ግብረ ገባዊ ጉዳያት “ንጥበባውን ኩሉ ግዜ እዋናውን ዝኾነ ኣብነት ቅዱሳን ከም በዓል ቅዱስ ኣልፎንሶስ ማርያ ደ ሊጉዎሪ ዝኣመሰሉ ተኸቲሎም” ክገጥምዎ የተባብዑ።

ሊቅ ግብረ ገባዊ ቲዮሎጊያ ተባሂሉ ዝግለጽ ቅዱስ ኣልፎንሶ፣ “ኣብ መንጎ ሕጊ እግዚኣብሔርን ንጡፍ ሕልናን ሓርነትን ሰብን ሚዛናዊ ጽማሬ ክረክብ ከም ዝኸኣለን፣ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱ ግብረ ሰናይን ምርድዳእን ትዕግስትን ኣተሓሳስባ ሒዙ፣ በዚ ድማ ርኡይ ምልክት ናይቲ ደረት ኣልቦ ምሕረት ኣምላኽ ኮነ” ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትር ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ መልእኽቶም ዝበሉ ቅዱስነቶም፣ ብብርሃን እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ምልኣት ዝረክብ መለኮታዊ ግልጸት ነቲ ብድሆታትን ለውጥታትን እዋናዊ ግርጭታትን ንምስትንታንን ንምንባብን ምቹእ ዕድል ክፈጥር ይኽእል እዩ” ዝብል ተስፋኦም ገሊጾም፣ ነቶም ተጋባእያንን ፈተውቶምን "ናይታ እተባረኸት ድንግል ማርያም መንበረ ጥበብ" ሓለዋ ተማሕጺኖም ሓዋርያዊ ቡራኬ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

21 Aug 2025, 17:15