MAP

ር. ሊ. ጳ. ጕጅለ ካቶሊካውያን ፓን-ኣፍሪቃ፦ “ተስፋ ኣብ ምድራዊ ጕዕዞና ኣገዳሲ እዩ!”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ናብቲ ብዛዕባ “ሥነ-መለኮትን ጉስነታዊ መርበብን” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ንሳልሳይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ጉጅለ ካቶሊካውያን ፓን-ኣካሪቃ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ንኣባላት እዚ ጉባኤ ብዛዕባ መጻኢ ናይዛ ክፍሊ ዓለም ብተስፋ ክጥምቱ ተማሕጸንዎም።

ኣባ ተወልደ መብራትሁ - ሃገረ ቫቲካን

ናብ ሳልሳይ ጉባኤ ናይ ጉጅለ ካቶሊካውያን ፓን-ኣፍሪቃ ብዛዕባ “ሥነ መለኮትን ጉስነታዊ መርበብን”  (PACTPAN) ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ነዚ መርበብ ጕጅለ ካቶሊካውይን ዝገበሮ ዘሎ ጻዕሪ ዘለዎ ሞሳ ብምግላጽን፣ ንዅሎም እቶም "ብዛዕባ መጻኢ ናይታ ኣብ ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃ ዘላ ቤተ-ክርስትያን ንኽሓስቡ እተሓሳሰብዎም" ንቶም ተሳተፍቲ ኣብ ጸሎቶም ብምዝካር ድማ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ኣመሓላለፉሎም።

ተስፋ ኣብ ጕዕዞና ኣገዳሲት ኢዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ናይዚ ማሕበር ብዛዕባ ኣገዳስነት እምነት ንዝበልዎ ቓላት ብምዝካር፣ ንዓመተ ኢዮቤል ኣብ ግምት ብምእታው ኣቓልቦኦም ናብቲ ካልኣይ ሥነ መለኮታዊ ሓይሊ ማለት ተስፋ ብምግባር መልኽቶም ኣመሓላለፉሎም። "ምናልባት ሓድሓደ ግዜ ብእምነትን ብፍቕርን ደግነትን ዝያዳ ተፈላጥነት ይወሃበና ይኸውን፣ እንተዀነ ግን ተስፋ ኣብ ምድራዊ ጕዕዞና ኣገዳሲ ግደ ኸም ዘለዎ ውን ኣይንረስዕ” ክብሉ ኣጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ተስፋ ነቲ ኻልእ ክልተ ባህርያት ማለት ንእምነትን ንፍቕርን እተተሓሕዞ ተስፋ እያ። ተስፋ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ከም እንረክብ ዝገብረና መንፈሳዊ ሓይሊ ኢዩ፣ እዚውን ብግዲኡ "ኣብ ህይወት ጸገማት ከጋጥመና ኸሎ እውን ከይተረፈ ናብ ኣምላኽ ንኽንቀርብ የነቓቕሓናን የበርትዓናን ኢዩ።"

እተፈልየ ዘይኰነስ ሓደ ኢዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልእ ቦታታት ዓለም ዘሎ፣ ንኣህጉር ኣፍሪቃ እውን ናይ ገዛእ ርእሳ ፍሉይ ብድሆታት ከም ዜጋጥማ ዘሎ ገለጹ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ተስፋ ኣብ ክንዲ ዝቘርጹ ቤተ-ክርስትያን ንዓለም ብርሃን ተስፋ ናይ ምዃን ግደ ኸም ዘለዋ ውን ኣጕልሑ።

ፍረ ነገር ናይቲ ጉባኤ "ኣብ ኣፍሪቃ ከም ቤተሰብ ቤተ-ክርስትያን ኣምላኽ መጠን፣ ብተስፋ ብሓባር ምጕዓዝ" ዝብል ኢዩ ዝንበረ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም ብዛዕባ እቲ ነፍሲ ወከፍና ምስ ኣምላኽ ብሕታዊ ርክብ ንኽንምስርት ዝቐርበልና ጻውዒት እንከስተንትኑ፣ ኵላትና ከም ኣወዳትን ኣዋልድን ኣምላኽ መጠን ሓድነት ከም ዘሎና ኣጕልሑ።

ስለዚ "ንሓድሕድና ክንደጋገፍ እተወሰነ ሓላፍነት ኣሎና።" ብፍላይ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፣ ንቕድሚት ንኽንስጕም ናይ መጀመርታ ምንጪ ደገፍን ፍቕርን ምትብባዕን ክንረክብ ኢና እተፈጠርና።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኣባላት ፓን ኣፍሪቃ፣ ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ስድራቤት ኣብያተ-ክርስትያን ምህናጽ ክቕጽሉ ኣተባብዕዎም፣ ከምዚ ድማ በሉ - "ኵሎም እቶም ኣብ ክርስቶስ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ፣ ደገፍ ዝረኽቡሉ መራኸቢታት ምእንቲ ክሃንጹ ኢዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ ናይ ቪድዮ መልእኽቶም፣ ኣብ ስነ-መለኮታውን ጕስነትን መርበብ ምስትንታን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኸርዎም። "ከምቲ እንኣምኖ ጌርና ኽንነብር ኣሎና" ክብሉ ውን ተማሕጸንዎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም "ትምህርትታት ቤተ-ክርስትያን ንልብን ኣእምሮን ደቂ ሰባት ናብ ሓቅን ፍቕርን ኣምላኽ ንምኽፋት ብኸመይ ከም ዝሕግዝ ዘርኢ ናይ ሓዋርያዊ ጉስነታት መደባት" ከውጽኡ ውን ሓላፍነት ኣሰከምዎም።

ሥነ መለኮታውን ጉስነታዊ መርበር ካቶሊካውያን ፓን ኣፍሪቃ

እቲ ብ2019 ብወግዒ ዝተጀመረ ናይ ፓን-ኣፍሪቃ ካቶሊካዊ ሥነ መለኮታውን ጉስነታውን መርበብ ንዅሎም መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣፍሪቃን መራሕቲ ሓዋርያዊ ጉስነትን ክፉት ዝዀነ ማሕበር ኢዩ። "ኣብ መንጎ እተፈላለየ ኣርእስትታትን ከምኡውን ኣብ መንጎ እተፈላለየ ክፍልታት ኣስተምህሮትን ቀጻልነት ዘለዎ ምርምር ንምግባር፣ ንኣፍሪቃውያን ካቶሊካውያን ሊቃውንትን ንመራሕቲ ሓዋርያዊ ጉስነትን፣ ንቤተ-ክርስትያን ከም ግንባር ቀደም ኰይኖም ኣብ ሰበኻታትን ቍምስናታትን ኣፍሪቃ ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት ከም ቀዋሚ ትካል ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ ኢዩ።"

ንኣባላት እዚ ማሕበር ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ሰባት ንምግልጋል ውፉያት ክዀኑ ብምትብባዕ ኣገዳሲ ተልእኾ ዝፍጽም ማሕበር ኢዩ።

06 Aug 2025, 15:44