MAP

2025.08.23 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንቻጎሳውያን ስደተይናታት፡ ኩሎም ህዝብታት ክኽበሩ ኣለዎም! 2025.08.23 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንቻጎሳውያን ስደተይናታት፡ ኩሎም ህዝብታት ክኽበሩ ኣለዎም!  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንቻጎሳውያን ስደተይናታት፡ ኩሎም ህዝብታት ክኽበሩ ኣለዎም!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንልኡኽ ጉጅለ ስደተይናታት ቻጎስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ምእንቲ ሃገሮም ዘለዎም ጽንዓትን ተወፋይነትን ብምንኣድ፣ “ንመጻኢ ብጽንዓት ክጥምቱ” የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ኣባላት ጉጅለ ስደተይናታት ቻጎስ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ እቲ ጉጅለ ስደተይናታት ዝወሰዶ ተግባር፣ ኣሰርን ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ተኸቲሎም “ብምሉእ ልቦም” ከም ዝድግፍዎ ኣረጋጊጾም፣ ድሕሪ ክልተ ዓመት እቲ ጉጅለ ምስ ኣርጀንቲናዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘካየዶ ርክብ ስዒቡ ኣብዚ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ከም እተራኸበን ቅዱስነቶም ነቲ ናይቲ ጉጅለ ዕዉት ዕዮ ንኢዶም፣ “ምምላስ ደሴታት ቻጎስ ናብ ሪፓብሊክ ሞሪሸስ ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተኸተመ ውዕል ውሑስ ምዃኑን ኣብ ጉዕዞ ናብ ዓዶም ኣገዳሲ ስጉምቲ ዘመልክት ምዃኑ ኣሚኖም፡ ንኹሉ ነዚ ወሳኒ ስምምዕ ክኡል ንዝገበሩ ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምእንቲ ዓዶም ዝተቓለሱ

ብምቕጻል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናይ ዘተን ምኽባር ኣህጉራዊ ሕግን ዘለዎም ድሌት “ኣብ መወዳእታ ነዚ ስቓይ ህዝቢ ቻጎስ ዝኾነ ከቢድ በደል ንምእራም ሓጊዙ እዩ - እዚ ድማ ሓጎስ ከም ዝፈጥረሎም ገሊጾም፣ “ህዝቢ ቻጎስ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሰላማዊ ቃልሲ ምእንቲ መሰላተን ዝገብርኦ ቆራጽነት” ንኢዶም፣ ናብታ ደሴታት ናይ ምምላስ እወታዊ ምልክት ዝኾነ ተኽእሎታት፣ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ድማ ሓያል ምልክት እዩ: ኩሎም ህዝብታት ዋላ እቶም ዝነኣሱን ዝደኸሙን ብመንነቶምን መሰሎምን ብፍላይ ድማ ኣብ መሬቶም ናይ ምንባር መሰል ብሓያላት ክኽበር ኣለዎም፤ ዝኾነ ሰብ ንስደት ክግደድ የብሉ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓሸ መጻኢ ተስፋ ንገብር

ቻጎስያውያን ካብ ዓዶም ካብ ዝተሰደዱ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ሰበስልጣን ሞሪሸስ – ከምኡ’ውን መላእ ማሕበረሰብ ዓለም – ኣብ ትሕቲ “ዝበለጸ ኩነታት” ናብ ዓዶም ተመሊሶም ናይ ምንባር መሰሎም ኣብ ምርግጋጽ ቃል ክኣትዉ ዘለዎም ድሌት ዝገለጹ ቅዱስነቶም፣  “እታ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ብመንፈሳዊ ኣበርክቶ ከም እትገብር ዘጠራጥር ኣይኮነን፣ ከምቲ ወትሩ ኣብ እዋን ጸበባ እትገብሮ ዝነበረት” ብምባል ኣረጋጊጾም። ህዝቢ ቻጎስ ኣብ ስደት ዘሕለፍዎ ብዙሕ ስቓይ ድኽነትን ንዕቀትን ምግላልን ከም እተጻወሩ ቅዱስነቶም ኣፍልጦ ብምሃብ ኣብዚ ስቓይን መከራን ዝነበርዎ ተጻዋርነት ከም ዝነኣዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቻጎስ እንታይ ኣጋጢምዎ ?

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ፍርቂ ዘመን ይገብር ማሕበረሰብ ቻጎስ ብሓይሊ ካብ ዓዶም ኣብተን እኩባት ደሴታት ከም እተሰጒን፣ መብዛሕትኦም ድማ ናብ ሲሸልስን ማውሪሽስን ከም እተላእኩን ኣብኡ ድማ ድኽነትን ብዙሕ ብድሆታትን ከም ዝገጠሙን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ጕጅለ ስደተይናታት ቻጎስ መሰላትን ጥቕምን ኵሎም ተቐማጦ ቻጎስ ንምጥባቕ ኣብ 1983 ኣብ ማውሪሸስን ሲሸልንስ ከምኡ እውን ኣብ ሕቡራት ንግስነታት ብዝነብሩ ቻጎሳውያን ወለንተይናታት ዝተመስረተ ኮይኑ፣ ቻጎሳውያን ናብ ዓዶም ናይ ምምላስ መሰሎም ክረጋገጽ ዝቃለስ ማሕበር እውን ምዃኑ የመላኽት።   

Photogallery

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንቻጎሳውያን ስደተይናታት፡ ኩሎም ህዝብታት ክኽበሩ ኣለዎም!
25 Aug 2025, 09:36