ር. ሊ. ጳ. ንኣጐስጢኖሳውያን፦ 'ሰላም ካብቲ እንብሎን እንገብሮን እዩ ዚጅምር'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ክብረ በዓል ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ንምክባር፣ ናብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከብ ዞባዊ ማሕበር ኣጐስጢኖሳውያን ዘቅዱስ ቶማስ ብዓል ቪላኖቫ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ለኣኹ፣ ንኣባላት ማሕበር መዳልያ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ዘለዎም ምስጋና ውን ገለጹ ።
እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም፣ እታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ነቲ "ኣቦ ድኻታት" ተባሂሉ ዝዝከር ቅዱስ ቶማስ ብዓል ቪላኖቫ እተወፈየ ምዃኑ ድማ ብፍቕሪ ዘከሩ።
"ከም ኣጐስጢኖሳዊ መጠን ተፈላጥነት ምርካቡ ዓቢይ ኽብሪ እዩ ። ንመብዛሕትኡ መንነተይ ብመንፈስን ብትምህርትታትን ቅዱስ ኣጐስጢኖስ እየ ተጓዒዘዮ። ህይወትኩም ኣብ ክብርታት ሓቅን፡ ሓድነትን ፍቕርን ብምስራት ዓሚቝ ቈራጽነት ስለ ዘርኣኹም ንዅላትኩም አመስግነኩም" ክብሉ ውን ዘለዎም ምስጋና ገለጹሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዛዕባ ህይወት ናይቶም ቅዱሳን ኣጐስጢኖስን ቶማስን ብምስትንታንን፣ ነቲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ዝፈጸሞ ጕዕዞ "ከም ህይወትና ብፈተናን ብጌጋታትን ዝመልአ" ምዃኑ ውን ኣመልከቱ። እንተዀነ ግን ብጸጋን ብጸሎትን ኣዲኡ ቅድስቲ ሞኒካ ከምኡውን በቲ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ ማሕበረሰብ ዝሃቦ ምስክርነት ኣቢሉ "ንልቡ ሰላም ዝረኽበሉ መገዲ" ረኸበ።
እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምቕጻል፣ ምስክርነት ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን፣ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ውህበታት ኣፍልጦ ኺህበሉን "ንኣምላኽን ንጐረባብትናን ብፍቕሪ ከነገልግሎም" ከም ዝጽውዕ ውን ኣጕልሑ።
ነዊሕ ውርሻ ናይ ፍቕራዊ ኣገልግሎት
ኣስዒቦም ድማ ነቲ ማቲው ካርን ጆን ሮሲተርን ኣብ መወዳእታ መበል 18 ክፍለ ዘመን፣ ንስደተኛታት ኬገልግሉ ዝገበሮም ሚስዮናዊ ቕንኣት ብምዝካር፣ ናብቲ ኣብ ፊላደልፍያ ዚርከብ ሓደ ኻብቶም ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ቦታ ዚወሃቦም ካቶሊካዊ ማሕበር ኣጐስጢኖሳውያን ተመልሰ ። እዚ መንፈስ እዚ "ሎሚ ፍቕራዊ ኣገልግሎት ንኽንቅጽል ይጽውዓና ኣሎ " ድማ በሉ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም "ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ንብጻይና ኸነፍቅር እዩ ተላብዩና" ብምባል ውን ኣጕልሑ፣ ኵላትና ብዓይኒ ክርስቶስ ንሓድሕድና ኽንጠማመትን፣ መንነትና "ከም ኣሕዋትን ኣሓትን" እንደገና ክንሓንጽ ድማ ተማሕጸኑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መልእኽቶም ብምቕጻል፣ ካብቲ ሽዑ ቅዱስ ኣጐስቲኖስ "ኣእዛንካ ኣብ ልብኻ ደኣ እምበር፣ ልብኻ ኣብ እዝንኻ ኣይትግበር" ብምባል እተዛረቦ ቓላት ብምጥቃስ፣ ንኣባላት ማሕብር ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ጽን ኢሎም ክሰምዑ ጻውዒት ኣቕረቡሎም። "ቅድሚ ምዝራብና ኽንሰምዕ ኣሎና" ድማ በሉ፣ ኣብ ሓንቲ ሲኖዶስዊት ቤተ-ክርስትያን እቲ ጻውዒት መንፈስ ቅዱስ ንሓድሕድና ብፍላይ ከኣ ድምጺ ድኻታት ምስማዕ ምዃኑ ውን ኣመልከቱ።
ነቲ በይኑ ሰላም ኬምጽእ ዚኽእል ፍቕራዊ ድምጺ ኣምላኽ ምእንቲ ክሰምዑ፣ ዅሎም ደቂ ሰባት ካብ ጫውጫውን ምክፍፋልን እዛ ዓለም እዚኣ ክቍተቡ ውን ኣተባብዕዎም። "ነዚ ዜጸናንዕ ድምጺ እዚ ምስ እንሰምዕ፣ ሓደ ኻብኡ ኽንከውን ክንጽዕር ከለና፣ ንዓለም ሰላም ከነካፍላ ንኽእል ኢና" ውን በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ንኣባላት ማህበር ቅዱስ ኣጐስቲኖስ፣ ናብታ ኣደ ጽቡቕ ምኽሪ ዝዀነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብሕድሪ ብምውፋይ፣ ከምዚ ብምባል መልእክቶም ደምደሙ - "ኣምላኽ ንዅላትኩም ይባርኸኩም፣ ንልባኹም ድማ ሰላም ይምላእኩም፣ ኣብ ኣእምሮኹምን ልባትኩምን ዕላማ ዘለዎ ማሕበር ፍቕሪ ብምኳን ብቐጻሊ ንኽትሕነጹ ድማ ይሓግዝኩም።"