ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምእንቲ ሰላም ክጽለ ይላበዉ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 13 ነሓሰ ንኻልኣይ ግዜ ንዕረፍቲ ካብ ዝኸዱላ ከተማ ካስተል ጋንዶልፎ ተሰናቢቶም ዕለት 19 ነሓሰ ናብ ቫቲካን ቅድሚ ምምላሶም ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ “ብሓቂ ንቕድሚት ዝኸይድ መንገዲ ክንደሊ፣ ሰላም ክንረክብ” ይግባእ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ተስፋ ኣሎ፡ እንተኾነ ግን ሰላም ክንረክብ ሕጂ’ውን ኣበርቲዕና ክንሰርሕ፡ ኣበርቲዕና ክንጽሊ፡ ብሓቂ ድማ ንቕድሚት ዝኸይድ መንገዲ ክንደሊ ኣሎና፡” ነዚ ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 19 ነሓሰ ኣብ ዩክሬን ኲናት ንምቁራጽ ዝግበር ዘተ ብዝምልከት ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ክኸውን እንከሎ፣ ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ህንጻ ዘሕለፍዎ ግዜ በረኸት እዩ - ቢሎም - ህዝቢ እታ ከተማን እቲ ዞባን ንዝገበረለይ ኣቀባብላ ብልቢ አመስግን ምስ በሉ ኣስዒቦም፣ ኣብ መካነ ንግደት ምልእተ ጸጋ ዘካየድዎ ምብጻሕ ዘኪሮም፣ ኣብ መወዳእታ፡ ከም ር.ሊ.ጳ. እተን ዘሕለፍወን ናይ መጀመርታ ሚእቲ መዓልትታት ብኸመይ ይገልጽዎ ንዝብል ዝቐረበሎም ሕቶ ድማ፡ “ግዜ በረኸት ኣምላኽ” ምዃኑ ኣጒሊሖም ናብታ ዝጓዕዙላ ማኪና ቅድሚ ምድያቦም፣ “ብዙሕ እየ ተቐቢለ፡ ኣብ ጸጋ ጐይታ ዓሚቝ እምነት እዩ ዘሎኒ፡ በቲ ዝተገብረለይ ኣቀባብላ ድማ ኣዝየ እየ ዘመስግን። ንኹልኹም አመስግን፣ የቐንየለይ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
20 Aug 2025, 17:08