MAP

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ፍንጀራ ወደብ ምስ ህዝቢ ቤሩት ዘለዎም ቅርበት የረጋግጹ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ፍንጀራ ወደብ ምስ ህዝቢ ቤሩት ዘለዎም ቅርበት የረጋግጹ 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ፍንጀራ ወደብ ምስ ህዝቢ ቤሩት ዘለዎም ቅርበት የረጋግጹ

ዕለት 4 ነሓሰ 2020 ኣብ በይሩት ኣብ ዝርከብ ወደብ ዘጋጠመ ፍንጀራ ዘስዓቦ ዘሕዝን ፍጻመ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ምኽንያት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ብይብጻሕ ኣብ በይሩት ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ቦርጃ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለግራም ንህዝቢ በይሩት ቅርበቶም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለግራም፣ “ሞት ናይ መወዳእታ ቃል የብሉን ፈጺሙ እውን ኣይክህልዎን እዩ ቢሎም - ናቶምን ናይ መላእ ቤተ ክርስቲያንን ፍቕሪ ንህዝቢ ሊባኖስ ከም ዘረጋገጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ “ብሰንኪ እዚ መዓት ልቦም ዝቖሰለ ወይ ኩሉ ዝሰኣኑ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓልዮት ኣሐዲሶም፣ ሊባኖስ ኣብ ጸሎቶም ማእከል ምዃና ዘረጋግጽ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ ሊባኖስ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ፓውሎ ቦርጃ ንዝኽሪ መበል 5 ዓመት ፍንጀራ ወደብ ደማስቆ ዕለት 3 ነሓሰ ኣብ ዝተፈጸመ ጸሎት ዋዜማ ከም እተነበ ኣፍሊጡ።

ሊቀ ጳጳሳት ፓውሎ ቦርጃ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እቲ ንዝኽሪ መበል ሓምሻይ ዓመት ፍንጀራ ወደብ በይሩት ምስቲ ሓደጋ ዘጋጠሞ ወደብ ዝዳቦው ቤተ ክርስቲያን ኖትረ ዳም ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ከም እተፈጸመ ሓቢሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ መልእኽቶም ቅርበቶምን ቅርበት ቤተ ክርስቲያንን ኣረጋጊጾም ናይ መተባብዒ ቃል ከም ዘመሓላለፉ እውን ይሕብሩ።

ኣብ ሊባኖስ ዋላ’ኳ ቶኽሲ ደው ምባል እንተሃለወ፡ ገና ናይ ወጥሪ ሃዋህው ከምዘሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡ እዚ ኩሉ ሓያሎ ውሽጣውን ግዳማውን ፖለቲካዊ ጸገማት ክፍታሕ ዘለዎ ከቢድ ጾር እዩ፣ ብርግጽ ሰላም ክሰፍን ማለት ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ዶባታ ሰላም ክረጋገጽ ኣለዎ፣ ወትሩ ተስፋ እውን ኣሎና። እቲ መንገዲ ቀሊል ኣይኮነን፤ ዝተሓላለኸ ጉዕዞ እዩ። ፖለቲካዊ ዕንክሊል ተፈቲሑ ሃገራውን ኣህጉራውን ፍታሕ ክረክብ ተስፋ ንገብር ኢሎም።

ኣብዘን መዓልታት ኢዮቤል መንእሰያት ሮማ፡ ኣብ ጎኒ ቪያ ደላ ኮንቺሊያዚዮነ ዞባ ቫቲካንን፡ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስን ቶር ቨርጋታን ሓያሎ ሰደቕ ዕላማ ሊባኖስ ተራእዩ እዩ ። እዞም ሓደስቲ ወለዶታት ንሊባኖስ እንታይ ይውክሉ? ንዝብል ሕቶ እንክምልሱ፡ እቶም መንእሰያት ንኽልተ ነገራት ይውክሉ። ቀዳማይ፡ እቲ ኣብ ሊባኖስ ኣዝዩ ህያው ዝኾነን ብብዙሕ መልክዕ ዝግለጽን እምነት። ካልኣይ፡ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ምስ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ጽኑዕ ምትእስሳር እዩ። ምልክት ናይ ሓደ ሓራ ክወጽእ፡ ዳግማይ ክውለድ፡ ዝተፈለየት ሃገር ክሃንጽ ዝደሊ መንእሰይ'ዩ። ብዙሓት መንእሰያት ካብ ሊባኖስ ናብ ኤውሮጳ፡ ኣመሪካ፡ ካናዳ ወይ ኣውስትራልያ ተሰዲዶም እዮም እዚ እውን ዝሓሸ ኩነታት መነባብሮ ክደልዩ ስለዝግደዱ እዩ፣ ኣብ ሃገሮም ክተርፉን ክሰርሑን ናብራኦም ክምርሑን ዝደልዩ መንእሰያት እውን ብዙሓት እያቶም፣ እቲ ዘሕዝን ግን ብዙሓት እቶም ዝተሰዱ ሰባት ተመሊሶም ኣብዛ ጽብቕቲ ሃገር ብሰላም ንኽነብሩ ዘኽእሎም እቲ ዝጎደለ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቍጠባውን ኵነታት እንደገና ክመሓየሽ ናይ ኩሉ ባህጊ ምዃኑ ገሊጾም ዝሃብዎ መግለጺ ይዛዝሙ።

05 Aug 2025, 16:43