ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መበል 400 ዓመት ዝኽሪ ፈላማይ ሊትዋንያዊ ካህን ኣብ ህንዲ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቀዳማይ ሊትዋንያዊ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ኣንድሪዮስ ሩዳሚና ናብ ህንዲ ዝተላእከ ዝኽሪ መበል 400 ዓመት ምኽንያት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 25 ነሓሰ ናብ ርእሰ ሰበኻታት ጎኣን ዳማን ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ሰባስቲያው ሮ ሮሳሪዮ ፈራው ናይ ተለግራም መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ኣብ ዝተነብሮ መልእኽቶም፣ ነቲ ፍጻመ ንምዝካር ኣብ ጥንታዊ ጎዋ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ንዝተኣከቡ ኩሎም ሰናይ ትምኒቶም ገሊጾም፣ ኣብቲ ኣብ ዝኽሪ መበል 400 ዓመት ምስክርነት ኣባ ሩዳሚና ምኽንያት ንእግዚኣብሔር ዘቕርብዎ ምስጋና ኣባ ሩዳሚና ከም ልኡካነ ወንጌል ምስክርነቶም “ጽኑዕ ካቶሊካዊ እምነታ ክሳብ ሕጂ ኣብዛ ናይ ሕጂ ሊትዋንያ ክርአ ዝኽል እዩ፣ ወንጌል ናብ ኩሉ ኣብ ምብጻሕ ዓቢ ልግስን ትብዓትን ኣባ ሩዳሚና “ኣብ ዘመንና ንብዙሓት ብተመሳሳሊ ትዕግስትን ብልሓትን ንዕማም ስብከተ ወንጌል ምላሽ ክህቡ ዘተባብዕ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ መሰረት ናይ ኣባ ሩዳሚና “ወንጌላዊ ቅንኣትን ዝድነቕ ውርሻ ዘተን ባህላዊ ውህደትን፣ ኣብ ርእሰ ሰበኻታት ዝርከባ ከባብያዊ ኣብያተ ክርስቲያናት ንኹሉ ሰብ ከም ኣብነት ሕውነታዊ ስኒትን ዕርቅን ስምምዕን ከገልግል ዝኽእል ኵላውን ኣብ መንጎ ሃይማኖታውን ዘተ ከማዕብላ ትብዓት ከም ዝስምዐን ዘለዎም እምነት ገሊጾም፣ ነቶም ነዚ ዝኽሪ ዘብዕሉ ኩሎም “ከም መብጽዓ ሓጐስን ሰላምን ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ” ሓዋርያዊ በራኬኦም ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።