MAP

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፦ ኣብ ዩክሬይን ኣጽዋር ስቕ ክብልን መንገዲ ዘተ ክኽፈትን እጽሊ! ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፦ ኣብ ዩክሬይን ኣጽዋር ስቕ ክብልን መንገዲ ዘተ ክኽፈትን እጽሊ!  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፦ ኣብ ዩክሬይን ኣጽዋር ስቕ ክብልን መንገዲ ዘተ ክኽፈትን እጽሊ!

ኣብ ሃገራዊ በዓል ናጽነት ዩክረይን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንርእሰ ብሔር እታ ብኲናት ዝተሃስየት ሃገር መልእኽቲ ኣመሓላልፎም ንሃገርን ህዝባን ይክሬይን ጸሎቶም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 24 ነሓሰ ሃገራዊ በዓል ናጽነት ዩክሬይን ምዃኑ ብምዝካር፣ ንርእሰ ብሔር ቮሎዲሚር ዘለንስኪ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉን፣ ነታ በቲ ገና ብዝቕጽል ዘሎ ዓመጽ ውግእ እትሳቐ ዘላ ሃገር ዘለዎም መንፈሳዊ ቅርበት ኣረጋጊጾም፣ “በቲ ንመሬትካ ዘዕኑ ዓመጽ ዝቖሰለ ልቢ ሒዘ ኣብዛ ዕለት ሃገራዊ በዓልኩም መልእኽተይ አመሓላልፈልካ . . . ብፍላይ ነቶም ውጉኣት፡ ብሞት ፍቑራቶም ኣብ ሓዘን ዝነበራ ኣባይቲ ስድራ፡ ከምኡ’ውን ንዅሎም ቤቶምን ንብረቶምን ዝሰኣኑን ከም ዝዘከሩን፣ “እግዚኣብሔር ባዕሉ የጸናንዕ፣ ንዝተጐድኡ ከበርትዕ፡ ንዝሞቱ ድማ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ክህቦም እጽልይ፣” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ሓተሓሒዙ፣ ቅዱስነቶም ብተወሳኺ ልቢ ክቕየርን ኣጽዋር ስቕ ክብልን ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ እግዚኣብሔር ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባት ንዘተ ሓለፋ ክብሉን ንሰናይ ኩሉ ዝኸውን መንገዲ ሰላም ክስዕቡን” የኽእሎም ቢሎም፣ ንሃገረ ዩክሬይን ንቅድስት ድንግል ማርያም ንግስቲ ሰላም ኣወኪፎም፣ ኣብታ መሬት ፈውስን ዕርቅን ክህሉ ድማ ኣደኣዊ ኣማላድነታ ከም እተማሕጸኑ ኣፍሊጡ።

ምስጋና ካብ ዩክሬይን

እዚ ቅዱስ ኣቦና ናብ ህዝብን ርእሰ ብሔርን ዩክረይን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ኣብቲ ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኡ ኣቢሊ ወግዓዊ ዝገበሮ ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ፣ "ንቅዱስነቶም ኣብ ሞንጎ ኣዕናዊ ኲናት ንዘሎ ህዝቢ ዩክሬን ስለ ዝሓስቡን ዝጽልዩን ስለ ኣቓልቦኹምን ካብ ልቢ አመስግን፣ ሰናይን ሓቅን ፍትሕን ክሰፍን፣ "ተስፋታትን ጻዕርታትን፣ እታ ሃገር " ነቲ ካብ ነዊሕ እዋን እንጽበዮ ዘሎና ሰላም ንምብጻሕ እዩ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

25 Aug 2025, 16:38