ር. ሊ. ጳ. ናብ ስድራቤት ግዳያት ሓደጋ ሄሊኮፕተር ጋና ናይ ሓዘን መልእኽቲ ልኢኾም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓልፈ ረቡዕ ዕለት 6 ነሓሰ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ እትርከብ ሃገረ ጋና ብሓደጋ ወተሃደራዊ ሄሊኮፕተር፣ ሚንስተራትን ሰበ-ስልጣን መንግስትን ሰራሕተኛታትን ብሙማቶም ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም። እዚ ናይ ሓዘን መልእኽቲ እዚ ኣብታ ብዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መነብር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን እተፈመትን ናብ ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ጋና ዝተላእከትን መልእኽቲ እተላእከ ኢዩ ዝነበረ።
ናይ ቅድስቲ መነብር ቤት ሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ትማሊ ሓሙስ ምሸት ዕለት 7 ነሓሰ ከምዚ ዝስዕድብ ትሕዝቶ ዘለዎ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ ኣሕተመ - "ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብሞት ሚኒስተራትን ሰበ - ስልጣንመንግስትን ከምኡ ውን ኵሎም እቶም ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ዝሞቱ ሰባትን ሓዘኖም ገለጹ። ቅዱስ ኣቦና ንነፍሲ ናይቲ ዝሞቱ ሰባት ናብ ምሕረት ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ሕድሪ ምውፋይ ከምኡውን ምእንቲ እቶም ኣብ ሓዘን ዝርከቡ ዘለዉ ብፍላይ ከኣ ምእንቲ ስድራቤቶምን ፈተውቶምን ብምጽላይ ኣብዚ ከቢድ እዋን ሓዘን እዚ መንፈሳዊ ቅርበቶም የረጋግጸሎም ኣለዉ።"
እታ ሰለስተ ሰራሕተኛታትን ሓሙሽተ ተጓዓዝትን ዝሓዘት ሄሊኮፕተር ኣብቲ ኣብ ማእከላይ ዞባ ኣሻንቲ ዚርከብ ዱር ወዲቓ ተሓምሸሸት። እታ ነፋሪት ድማ ንሚኒስተር ጸጥታ ሃገረ ጋና ኤድዋርድ ኦማኒ ቦማን፣ ሚኒስተር ኣከባቢ ኢብራሂም ሙርታላ መሓመድን ከምኡውን ካልኦት ሽዱሽተ ሰራሕተኛታትን ተጓዓዝትን ሒዛ ነበረት። ንሓደ ዘይሕጋዊ መዐደኒ ደው ንምባል ድማ ናብ ከተማ ኦቡኣሲ ይጐዓዙ ነበሩ። ዋላ ሓደ ኻብቶም ድማ ብህይወት ዝተረፉ የልቦን።
ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ከም ዝገለጾ ብፁዕ ኣቡነ ጋያምፊ ነቲ ዘሕዝን ፍጻመ እንታይ ምላሽ ከም ዝሃቡሉ ውን ኣመልከተ። እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝናፈስ ዘሎ ወረ ድማ ንብዙሓት ሰባት ኣሰምቢድዎም ይርከብ ኣሎ። ጉባኤ ብፁዓን ጳጳት ጋና ንርእሰ ብሔር እታ ሃገርን ንስድራቤታት እቶም ግዳያትን ንፓርላማን ከምኡውን ንሕዝቢ እታ ሃገር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ "ኵሎም ጋናውያን ምእንታኦም ክጽልዩ ንምሕጸን ኣሎና" ብምባል ሓዘኖም ብምግላጽ፣ ንሳቶም እውን "ከምዚ ዝኣመሰሉ ሰብ በሊሕ ኣእምሮ ብሓንሳእ ምስኣና ኣሰምቢዱና ኢዩ" ክብሉ ውን ሕዘኖም ገለጹ። ጳጳሳት ሃገረ ጋና ኣብ መልእኽቶም እቶም ግዳያት "ብሉጻት ሰብኡት ምኒስተራትን ሰበ ስልጣን መንግስትን ፖለቲከኛይናታትን ከምኡውን ትጉሃት ሓይሊ ጋና ምንባሮም ኣጕልሑ። ብሃንደበትን ኣብ ዘይግዜኡን ብምሕላፎም ድማ ንስድራቤቶምን ንፈተውቶምን ጥራይ ዘይኰነስ ነታ ሃገር እውን ከቢድ ጕድኣት ኣስዒቡላ ኢዩ" ክብሉውን መስከሩ።
ርእሰ ብሔር ሃገረ ጋና ጆን ድራማኒ ማሃማ ድማ ብወገኑ ንሰለስተ መዓልቲ ዝቕጽል ሃገራዊ መዓልቲ ሓዘን ኣዊጁ ርከብ ኣሎ።