MAP

2025.08.23 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፦ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት መሰኻኽርን ትንቢት ተስፋን ክኾኑ ይላበዉ 2025.08.23 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፦ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት መሰኻኽርን ትንቢት ተስፋን ክኾኑ ይላበዉ  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፦ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት መሰኻኽርን ትንቢት ተስፋን ክኾኑ ይላበዉ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ምልክት ተስፋን ትንቢትን ክኾና፣ ንኣባይቲ ስድራ ኣገልግሎተን ከሐድሳን ናይ ቅድስቲ ስድራ ቤት ጽቡቕ ባህርያት ከመሓላልፋን ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 23 ነሓሰ ኣብ ናይ ዝተፈላለያ ናይ ኣርባዕተ ማሕበራት ደናግል ኣብ ዘካይዶኦ  ሓፈሻው ምሉእ ጉባኤ ንዝሳተፋ ኣሓት፡ ማለት ደናግል ልኡካነ ወንጌል ደቂ ቅድስቲ ናዝራዊት ስድራ ቤት ፡ ማሕበር ደናግል ደቂ ናዝራዊ፣ ሓዋርያት ደናግል ቅድስቲ ስድራ ቤት፡ ከምኡ’ውን “ናይ ሰናይ ምኽሪ” ተባሂለን ዝፍለጣ ደናግል ደቂ ፍቕሪ ቅድስቲ ማርያም ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ናይ ተስፋ መሰኻኽር

ቅዱስ ኣቦና ነተን ናይተን ኣርባዕተ ማሕበር ደናግል ኣባላት ኣብ ሓደ ጉባኤ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፣ እተን ኣርባዕተ ማሕበራት ኣብ ሮማ ኢዮቤል ተስፋ ኣብ ዝንበረሉ ዘሎ እዋን፣ ዘካይድኦ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ፡ ናይ ጸጋ ህሞት ምዃኑ ኣስሚሮም፣ “ንቤተ ክርስቲያን ከምኡ’ውን ንማሕበራትክን ህያብ እዩ . . . ነፍሲ ወከፍ ማሕበር ሰብ ውፉይ ህይወት ናብ ቤተ ክርስቲያን ዘምጽእዎ ሃብቲ ዓብይ ምዃኑ ድማ ገሊጾም፣ "ጰራቅሊጦስ ኣብ ሓደ እዋን ንናይ ማሕበረን መስረትቲ ዝዓደሎ መንፈሳዊ ህያብ ብኣኽትክን ይቕጽል ኣሎ፣ ነፍሲ ወከፍ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ኣብ ታሪኽ እሙንን ሓልዮትን ዝኾነ ህላወ ጎይታ ዝምጽእ እዩ። ከምቲ እቶም ቅድመኽን ዝነበራ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ከቢድ ፈተናታት ዝተጻወራ ንውህበት ኣምላኽ ምላሽ ዝሃባሉ ክቡር ዋጋ ተምጽአ። እዚ ኩሉ ብፍሉይ መንገዲ ናይ ተስፋ መሰኻኽር ይገብረክን፣ ብፍላይ ንዝመጽእ ሰናይ ነገራት ብቐጻሊ ድራኸን ገዳማውያት ስለ ዝኾንክን ድማ፣ ምልክታትን ትንቢትን ክትኮና ዝተጸዋዕክን ኢኽን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናይ ቅድስቲ ስድራ ቤት መንፈሳዊ ህያብ

ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተፈላለየ መበቆል ናይተን ኣርባዕተ ማሕበራት ደናግል ብምዝካር፣ ትብዓት መስረትተንን - ጆሴፍ ማንያኔት፣ ማሪያ ኤንካርናስዮን ኮሎሚና፣ ማርያ ሉዊጃ ኣንጀሊካ ክላራክ ፣ ጁሰፐ ጓሪኖ፣ ካርሜላ ኣውተሪ፣ ተረዛ ፈራራን ኣጎስቲኖ ዲ ሞንተፈልትሮን ኣጉሊሖም። ኣብቶም መስረትቲ ዘሎ ናይ ፍራንቸስካውያንን ሳሌዝያናውያንን ኣስተንፍሶ ኣስተብሂሎም፣ “ናይ ቅድስቲ ስድራ ቤት ኣፍቅሮተ ጸሎት፣ መፈልፈሊ ፍቕርን ኣብነት ቅድስናን ዝብሉ ክቡራት ዋጋታት ምንባርን ንኻልኦት ናይ ምትሕልላፍን ድሌት” ናይተን ኣርባዕተ ማሕበራት ደናግል ናይ ሓባር ረቛሒ ምዃኑ ብምምልካት፣ ብዛዕባ ማእከልነት እንከስተንትኑ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1964 ዓ.ም ናብ ቅድስቲ መሬት ኣብ ዝገበሮ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ዝበሎ ብምዝካር፣ “ናብ ኢየሱስ፡ ማርያምን ዮሴፍን ብምጥማት፡ ኣገዳስነት ስድራቤት፡ ማለት ናይ ፍቕሪ ሕብረት፡ ተራን ጽኑዕን ጽባቐኣ፡ ቅዱስን ዘይግሃስን ባህርያታን፡ ልኡም ስነ - ምምሃርን ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዋ ተፈጥሮኣውን ዘይትካእን ተራ ብዝያዳ ክንርዳእ ንኽእል ኢና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንኣባይቲ ስድራ ዝተሓደሰ ተወፋይነት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 “ክሳብ ሎሚ እዚ ኩሉ ዓቢ ኣድላይነት ኣለዎ” ክብሉ ኣረጋጊጾም፣ "ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ፡ ስድራቤት ብጸሎት፡ ኣብነትን ትኩር ማሕበራዊ ስጉምትን ክትድገፍ፡ ክትድረኽን ክትተባባዕን የድልያ። በዚ መንገዲ እዚ ድማ ንዘድልያ ምላሽ ክንህብ ድሉዋት ክንከውን ኢና። ኣብዚ መዳይ እዚ ናይ መንፈሳዊ ህያባት ምስክርነትክንን ከም ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን እተካይድኦ ዕዮ ብዙሕ ክዓምም ይኽእል እዩ።"

ነተን ኣሓት ብዛዕባ እቲ ድሮ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ማሕበራተን ንማእለያ ዘይብለን ኣባይቲ ስድራ ዘቕርበኦ ነገራት ከስተንትናን፡ ከምኡ’ውን ኣገልግሎተን ከሐድሳን፡ “ከምቲ ሊጡርጊያ ዝገልጾ፡ ናይ ቅድስቲ ስድራ ቤት  መግለጺ ዝኾነ ክቡር ዋጋን ግብረ ሰናይን ኣብ ቤትና መታን ክዕምብብ . . . ስድራቤት ብምዃንን ምስቶም እተገልግልኦምን ሰባት - ብጸሎት፡ ምስማዕ፡ ብምኽርን ሓገዝን - ቀረባ ብምዃን ኣብ እተዋህበክን ዕዮ ቀጽላ፡ ምእንቲ ኣብቲ እትሰርሓሉ እተፈላለየ ኵነታት፡ መንፈስ ቤት ናዝሬት ከተማዕብላን ክትዝርግሓን - ቢሎም - መደረኦም፡ ነተን ኣሓት “ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም” ንዝዘርአኦ ምስክርነት ኣመስጊኖም፡ ንነፍሲ ወከፈን ንኣማላድነት ኣደ ኣምላኽን ቅዱስ ዮሴፍን ሕድሪ ቢሎም  ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 Aug 2025, 16:34