MAP

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ሕነ ምፍዳይ ዝብል ስነ-መጐት ክንጸግን ልቢ ካብ ጽልዒ ናጻ ይኹን! ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ሕነ ምፍዳይ ዝብል ስነ-መጐት ክንጸግን ልቢ ካብ ጽልዒ ናጻ ይኹን!  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ሕነ ምፍዳይ ዝብል ስነ-መጎት ክንጸግን ልቢ ካብ ጽልዒ ናጻ ይኹን!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 22 ነሓሰ በቲ ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ @pontefix ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም ኣብታ መዓልቲ ንኽካየድ ዝጸውዕዎ መደብ ጸሎትን ጾምን ንሰላም ምኽንያት ብምግባር፡ “ብናይ ሓባር ጥቕሚ ዝተደፋፍአ ሓፈሻዊ ራእይ ይስዕር!” ከም ዝበሉን ኣብቲ መደብ ጾምን ጸሎትን መላእ መንበረ ጵጵስናን ማሕበረ ክርስቲያንን ብሰፊሑ ከም ዝሓበሩን፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኤውሮጳን ዝካየድ ዘሎ ውግኣት፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ሓዘንን ስቓይን ዘመንጩ ልዕሊ 56 ብውሑድ ብብዙሕ “ዝተረሰዑ” ግጭታት ከም ዘለዉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃግረ ቫቲካን

ዓለም "ብቐጻሊ ውግኣት ቈሲላ" ኣላ! ACLED - ውጥን ኣቀማምጣን መረዳእታ ፍጻመታትን ዕጥቃዊ ግጭት እተሰምየ ናጻን ዘይመንግስታዊ ትካል መርበብ ሓበሬታ፣ እንተ ወሓደ ኣብ ዓለም 56 ዝተረስዑ ውግእት ከም ዘለዉን ካብቲ ክም ቓዛ ዩክረይን ሱዳን ዝኣመሰለ ብርቱዕ ውግኣት ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንመንግስቲ ዘይውክሉ ተዋሳእቲ ውግእ ዘጠቓልል ዝነኣሰ ውግኣት ክሳዕ እቲ ገና ዘይተፈትሐ ግን ከኣ ወትሩ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ውግኣት፣ ከምቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ መንጎ ታይላንድን ካምቦድያን ኣብ መንጎ ፓኪስታንን ህንድን ኣብ ካሽሚር እተላዕለ ግጭት ዶብ፣ ዓለም ኣብ ውጥረትን ስእነት ሰላምን ትርከብ።

ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ መወዳእታ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኢከት 22 ነሓሰ - ቤተ ክርስቲያን ንግስነት ቅድስት ድንግል ማርያም እተብዕለሉ መዓልቲ - ንጸሎትን ጾምን ምእንቲ ሰላም ክውፍያ ወሲኖምን እነሆ ድማ እዚ መደብ ጸሎትን ጾምን ምክያዱ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ብፍላይ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብታ ዕለት እቲኣ በቲ ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ @pontefix ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም፣ “ብናይ ሓባር ጥቕሚ ዝተደፋፍአ ኩለመዳያዊ ራእይ ክስዕር፣ ልብታት ካብ ጽልኢ ሓራ ይኹን፣ ስነመጐት ምፍልላይን ሕነ ምፍዳይን ኣይፋል ንበል!” ዝብል መልእኽቲ ከም ዝፈነዉን በዚ እውን ቅዱስነቶም ዘለዎም ተስፋ የካፍሉ።

ህጹጽነት ሰላም

ብደረጃ ዓለም ዳርጋ ኩለን ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታትን ውልቀ ሃገረ ስብከታትን ንዕድመ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምላሽ ሂበን እየን። ናይ ኢጣሊያ ኤጲስቆጶሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ካርዲናል ማቴዮ ጹፒ ኣብ ናይ ቅዱስ ኣቦና ዕድመ “ዘይተዓጥቀን ዕጥቂ ዝፈተሐን ሰላም” ክህሉ ጽዑቕ ጸሎት ክግበር ብዘቕረብዎ ጻውዒት ዝረጋገጽዎ ኮይኑ፣ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ገዳማትን ማሕበራት ልኡካነ ወንጌልን ምእንቲ ሰላም መደብ ጾምን ጸሎትን ተኻይዱ እዩ።

ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ስጳይና እውን ንዕድመ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተቐቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ነቲ ዕለት 8 ነሓሰ ሊቀ ጳጳሳት ልዊስ ኣርጉዌሎ፣ ንጳጳሳት “ንሰላም ዝድግፍ ጸሎትን ኣተሓሳስባን ከሐይሉ” ዘተባብዕ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብምዝኽኻር መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስጳይና ኣብቲ መደብ ከም ዝሓበረትን፣ ናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ኤጲስቆጶሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ካርዲናል ኻይም ስፐንግለር እውን ብወገኖም፣ “እዚ ዕድመ እዚ ኣብ ማሕበረሰባት ሰበኻታት፡ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ልኡካነ ወንጌልን፡ ቤተ ክርስቲያናዊ ምንቅስቓሳትናን ጉስነታዊ ጉጅለታትናን ክንበር ሓቲቶም ኣብታ ዕለት እቲኣ እውን ከም እተነብረ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ካብቶም ፍሉያት ጐሊሑ ዝረኣዩ፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት “ዝተረሰዐ” ኲናት ሓድሕድ ዝዓነወት የመን ዘጠቓልል ግዝኣት ሓዋርያዊ ዓቃቤ መንበር ደቡባዊ ዓረብ ጳጳስ ፓውሎ ማርቲነሊ፣ “ብጾምን ጸሎትን ኣቢልና ድንግል ማርያም ንግስቲ ሰላም ምስ ወዳ ንሰላም ብፍላይ ኣብታ ኣብ ጥቓኣ ዘላ ቅድስቲ መሬት፡ ከምኡ’ውን ንኹሎም ኣብ ዓለም ብዝካየዱ ዘለዉ ግጭታት ንዝሳቐዩ ሰባት ምጽንናዕን ክተማልደልና ንሓትት” እንክብሉ ኣብቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ለበዋ ምስ መእመናን ናይ ሰበኻኦም ከም ዝሓበሩን፣ ከምኡ እውን ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ቦታታትን ንብረትን ዓቃቢ ኣባ ፍራንቸስኮ ኢልፖ፡ ናብ ፍራንቸስካውያን መነኮሳት ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ፡ “ሰላም ንነዊሕ እዋን እንጽበዮን ብዕምቆት ዝድለ ህያብ ምዃኑን፡ ብፍላይ ኣብታ ብግርጭትን ተስፋን ዝተለለየት ቅድስቲ ሃገር - ቢሎም - ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ጎድኑ ደው ኢሉ ክዕዘብ ጥራይ ዘይኮነስ ሰላም፣ ምኽባር ኣህጉራዊ ሕጊ፣ ድሕነት ሰላማውያን ሰባት፣ ሰብኣዊ ሰራሕተይናታትን ጋዜጠይናታትን ንምድንፋዕ ጣልቃ ክኣቱ ንጸሊ” ከም ምዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ እስያ፡ ኣብ ላሆር ፓኪስታን ፑንጃብ ኣብ እትርከብ ቤተ ክስቲያን ንግስተ መላእክት ቆሞስ ኣባ ካይሳር ፌሮዝ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዘገልግላ ደናግልን ልኡካን ወንጌልን ኣባላት ቁምስናን ዓበይትን ንኣሽቱን ዘሳተፈ መደብ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ከም ዝመርሑን ኣብ ካምቦድያ፣ ኣብታ ብውግእ ሓድሕድ ዝዓነወት ምያንማር ኣብ መንጎ ኣባይቲ ስድራን ኣብ መንጎ እቶም ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ሒደት ጕጅለታት ምእንቲ ሰላም መደብ ጸሎትን ጾምን ከም ኣተኻየደ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ኣረኣእያ ለውጢ የድሊ

ዕድመ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብቤተ ክርስቲያናት ብሰፊሑ ተቐባልነት እኳ እንተረኸበ፡ ብደረጃ ፖለቲካውን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባትን ናይ ኣረኣእያ ለውጢ ገና ህጹጽ ኣድላይነት ኣለዎ። ዓለም በቲ ድሮ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወጻኢታት ኣጽዋር ናብ 2.718 ትሪልዮን ዶላር ብዘብጸሖ “እናተኾላለፈ ብዝካየድ ሳልሳይ ኲናት ዓለም” ተበታቲና ኣላ፣ ንሰለስተ ዓመትን ፈረቓን፡ ሩስያ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ብዝኸፈተቶ ወራር ኤውሮጳ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ባልካን ዝተካየደ ግጭታት፣ ዘይተራእየ ደማዊ ኲናት ተሸሚማ ትርከብ። ብኣንጻሩ ኣብ ወሰን ኣህጉር ኤውሮጳ፡ ኣብ መንጎ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝጸንሐ ደም ምፍሳስን ዘይምርድዳእን ኣብ መወዳእታ ክበጽሕ ዝገበረ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ብምፍጻም ምዕባለታት ተራእዩ እዩ።

ኣብ ቓዛ ድሕሪ እቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ብሓማስ ዝተፈጸመ ኣረሜናዊ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ክፍለ ዘመንና ተራእዩ ዘይፈልጥ ሰብኣዊ መዓት ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይግንጸል ኣሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሩባ ዮርዳኖስ፡ መንግስቲ እስራኤል ዘውጽኦ ዳሕረዋይ መደባት፡ ንነዊሕ ዓመታት ከይተፈትሐ ዝጸንሐ ጉዳያት ሓደጋ ከምዘለዎ የዘኻኽረና።

ኣብ ሊባኖስ እውን ከምኡ፡ ድሕሪ ናይ ዝሓለፈ ቀውዒ ኲናት፡ እቲ ዝጸልመተ ተርእዮታት ዝተዓገተ ይመስል፣ ጎረቤታ ዝኾነት ሃገር ሶርያ ድማ ድሕሪ ውድቀት በሽር ኣል ኣሳድ ኣብ ዓቢ ለውጢ እውን ትሃሉ ብኣገዳስን ስንኩፍን ህሞት ትሓልፍ ኣላ።

ኣብ ኩለን ኣህጉራት ዘይተፈትሐ ግርጭታት

ኣፍሪቃ ሓንቲ ካብተን ዝበዝሐ ግጭታት ዘለወን ኣህጉራት ኮይና ትቕጽል ኣላ። ኣብ ሱዳን፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2023 ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን (RSF) ናይ ስልጣን ምፍሕፋሕ ዘንቀሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓለም ዝኸበደ ቅልውላው ምዝንባል ዘስዕብ ኣንክብል ዝገለጾን 14 ሚልዮን ሰባት ካብ መርበቶም ክወጹ ዘገደደ ምዃኑ የረጋግጽ።

ብጀካ እዚ ኣብዛ ኣህጉር ካልኦት ብዙሕ ውግእ ዝካየደሉ ቦታታት ኣሎ - ካብ ምብራቕ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብኣማኢታት ዝቝጸሩ ዕጡቓት ጕጅለታት ንጸጋታት እታ ሃገር ንምቁጽጻር ንሓያሎ ዓመታት ዘንቀልዎ ደማዊ ዘይምርግጋእ፣ ካብ ሰሜን ሞዛምቢክ ከምኡውን ክሳዕ እተን ጅሃዳዊ ዓመጽ ዘሰፍሓለን ብዙሓት ሃገራት ሳሀል ክሳዕ ኢትዮጵያ ሶማልያ ሊብያ "ብዝተረስዑ" ውግእት ኣብ ስቓይ ይርከባ።

ኣብ ኣህጉር ኤስያ እውን ግጭታት ኣይሰኣኑን እዮም፣ ኣብ ሚያንማር ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ዝቕጽል ዘሎ ኣብ መንጎ ናይታ ሃገር ገዛኢ ወተሃደራዊ ስርዓት ኣንጻር እቶም ሕጂ ሰፊሕ ክፋል እታ ሃገር ዝቆጻጸሩ ዘለዉ ጉጅለታት ዓመጽትን ዝካየድ ኣረሜናዊ ግጭት። ሓውሲ ደሴት ኮርያ ኣብ ስነ - መጐት  ምዕጋት ኑክልየሳዊ ዝተሰረተ ንፋሳት ኲናት ተኸፋፊላን ተበታቲናን ክትቅጽል ከላ፡ ዶብ ፓኪስታንን ኣፍጋኒስታንን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ካብ ትኹረት ዓለም ዝረሓቐ ዝጉተት ግጭት ዝፍጸመሉ ቦታ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፣

ኦቻይና እውን ካብዚ ወጻኢ ኣይኮነትን፣ ኣብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ በብእዋኑ ዝቕልቀል ቀቢላነት ማእከል ዝገበረ ዓመጽ ይቀላቐል፣ ምናልባት ብኽፉት ውግእ ዘይተለለየት ላቲን ኣመሪካ፡ ገና ብገበንን ዓመጻን ዚገዝኣ ሓያሎ ሃገራት ኣለዋ፣ ገለ ካብዘን ሃገራት እታ ኣዚያ ድኻ ዝኾነት ኣብ ሞንጎ ዓቕሚ ብኩራት መንግስትን ማሕበረሰብ ዓለምን ዳርጋ 80 ሚእታዊት መሬታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ገበነይናታት ጕጅለታት ዝርከባ ሃይቲ።

ሰላም ንምብጻሕ ዝኸይድ መንገዲ ይቕሬታ

ክንድዚ ዝኣክል ግርጭታት፡ ብዙሕ ዘይተፈትሐ ጉዳያት፡ ኩሉ በቲ ኣብ በርገሳዊ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ኣብቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ህዝቢ ዘስዕቦ ስቓይ ናይ ሓባር ረቛሒ ዘለዎ እዩ። ዓለም ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘመልከትዎ “ብዘይ ይቕረታ ሰላም ፈጺሙ ኣይክህሉን እዩ” እዚ ድማ ብህጹጽ ናይ ኣረኣእያ ለውጢ ዘድሊ ምዃኑ እዩ ዘረጋግጽ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 20 ነሓሰ ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ “ሓቀይና ይቕረታ ንጣዕሳ ከይተጸበየ፡ ብተወፋይነት እዩ ዝቐርብ” ብምባል፡ “ይቕረ ምባል ማለት ንእከይ ምኽሓድ ማለት ዘይኮነስ፡ ዝያዳ ክፉእ ከየመንጩ ንግብረ ክፍኣት ምኽልካል ማለት እዩ ” እንክብሉ ከም ዘመላኸትዎ።

25 Aug 2025, 09:31