MAP

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ስግኣት ሓድሕዳዊ ምጥፋእ ንዘተ ቦታ ይሃብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ስግኣት ሓድሕዳዊ ምጥፋእ ንዘተ ቦታ ይሃብ  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ስግኣት ሓድሕዳዊ ምጥፋእ ንዘተ ቦታ ይሃብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 6 ነሓሰ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያንን በጻሕትን ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ዕለተ ረብዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፣ ዕለት 6 ነሓሰ ኣብ ሂሮሺማን ዕለት 9 ነሓሰ ኣብ ናጋሳኪ ዝተፈጸመሉ መጥቓዕቲ ኣቶሚካዊ ቦምባ መበል 80 ዓመት ዝኽሪ ምኽንያት፣ ኣብ ዓለም ፍትሕን ዘተን ሕውነትን ክህሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መበል 80 ዓመት ናይቲ ኣብ ጃፓን እትርከብ ከተማ ሂሮሺማ ኣብ 1945 ዓ.ም. ዕለት 6 ነሓሰ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ዕለት 9 ነሓሰ ኣብ ናጋሳኪን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣቶሚክ ቦምብ ዝሞቱን ዝቘሰሉን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝዘከሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ቅዱስነቶም "ንዅሎም እቶም ኣካላውን ስነ - ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ሳዕቤናት ዝወረዶም ሰባት ጸሎተይ ከረጋግጽ እደሊ ኢየ" ከም ዝበሉ የመላኽት።

"ዕንወት" ውግኣትን ኑክልየሳዊ ኲናትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ዓሚቝ ምክፍፋልን ቀታሊ ዓመጻን ዝረኣየላ ምዃኑ ገሊጾም፣ ነቲ "ኣብ ሓባራዊ ዕንወት እተመርኰሰ" ናይ ሓሶት ድሕንነታት ብፍትሒ ብዘተን  ብሕውነታዊ ምትእምማን ትውክልቲ ኽትካእ ተስፋ እገብር - ቢሎም - እቲ ቦምብ ካብ ዝፍኖ ሰማንያ ዓመታት እኳ እንተ ሓለፈ "እዚ ዘሕዝን ፍጻመታት፣ ውግእ ብፍላይ ከኣ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘምጽኦ ዕንወት እንታይ ምዃኑ ዘዘኻኽር ኣድማሳዊ መጠንቀቕታ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍትሒ፣ ዘተን ሕውነትን ምጥቃም

ቅዱስነቶም ዕለት 5 ነሓሰ ናብ ሂርሺማ ጳጳስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ "ኣብቲ ብሓያል ወጥሪን ደማዊ ግርጭታትን ዝልለ" ኣህጉራዊ ኵነታት፡ ነቲ ስነ መጎት ኑክሊየሳዊ ኣድዋር ምዕጋት ወሳኒ እዩ” ዝብል ዓለም ካብ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ናጻ ክትከውን ዘቕረብዎ ጻውዒት አሐዲሶም "ኣብዚ እዋናዊ ዓለም፡ እቲ ኣብ ስግኣት ሓድሕዳዊ ምጽናት ዝተመርኮሰ ናይ ሓሶት ድሕንነትን ውሕስነትን፡ ንመጋበርያ ፍትሒ፡ ዘተን ንሕውነታዊ ምትእምማንን ቦታ ክህብ ተስፋ እገብር" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 Aug 2025, 15:46