MAP

JAPAN-US-NUCLEAR-HISTORY-WWII JAPAN-US-NUCLEAR-HISTORY-WWII  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ.፦ ዝኽሪ ሂሮሺማ ሰላም ንምስዓብ ከም ጻውዒት ኰይኑ የገልግለና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መበል 80 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ኣብ ሂሮሺማ እተፈጸመ ደብዳብ ኣቶሚክ ቦምብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንመላእ ሰብኣዊ ስድራቤትና ነባሪ ሰላም ንምውሓስ ዝገበረሮ ቘራጽነት ከሐድሶ ተማሕጺኖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ብፁዕ ኣቡነ ኣሌክሲስ ሺራማ ብዓል ሂሮሺማ ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ፣ ከምኡውን ብብጹዕ ሊቀ-ጳጳሳት ፍራንሲስኮ ኢስካላንቲ ሞሊና ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ኣብ ሂሮሺማ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘንበብዎ መልእኽቲ መልእኽቲ ሰላም ኣመሓላሊፎም።

ካብቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ካብ 150,000 ክሳዕ 246,000 ዝዀኑ ሰባት እተቐትሉሉ፣ ኣብ ከተማታት ሂሮሺማን ናጋሳክን ዝነበረ ሓይልታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኑክልየሳዊ ቦምብ ካብ ዝፍንዉ መበል 80 ዓመታት ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "እዘን ክልተ ኸተማታት ብዛዕባ እቲ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘስዓቦ ዓሚቝ ራዕዲ ህያው መዘኻኸሪ ዀይነን ኢየን" በሉ።

ነቶም ብዘሕለፍዎ ታሪኽ "ድሕንነት ዘለዋ ዓለም ንምህናጽን፣ ሰላም ዝሰፈኖ ሃዋህው ንምምሕያሽን፣ ንዅላትና እዋናዊ ጻውዒት ዝቐረቡ ሂባኩሻ  " ዝበሃሉ ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ዘለዎም ኣኽብሮት ውን ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቶም ቕድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘቕረብዎ ጻውዒት ደጊሞም ኣቃልሑ - "ውግእ ወትሩ ስዕረት ሰብኣውነት ኢዩ!" ብምባል ሓቀይና ሰላም "ብፍላይ ነቶም ብቓላት ክግለጽ ዘይከኣል ዕንወት ከውርድ ዝኽእል ኣጽዋር ብትብዓት ዝመልኦ ውሳኔ ኣጽዋሮም ከራግፉ" ከም ዝሓትት ድማ ገለጹ ።

"ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ብሓባር ንደቅሰብ የጕህዮም፣ ነቲ ኽንሕልዎ ጻውዒት ዝቐርበልና ውህደት ተፈጥሮ ድማ ዘሕስር ኢዩ" በሉ።

ኣብ ሓባራዊ ጥፍኣት እተመስረተ ናይ ድሕንነት ሕልሚ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምጥቃስ ቅድስ ኣቦና፣ ሂሮሺማን ናጋሳክን "ዓለምለኻዊ ውጥረትን ግጭታትን እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን" ከም ምልክት ሰላም ናይ ምዝካር ክእለት ከም ዘለዎ ገይሮም ከም ዝርእይዎ ገለጹ፣ ከምዚ ድማ በሉ - "ነቲ ኣብ ሓባራዊ ጥፍኣት እተመስረተ ድሕንነት ክንነጽጎ ኣተባብዕ ኣሎኹ" ክብሉ ተላበዉ።

ኣብ ክንድኡስ ቀጺሉ "ኣብ ፍትሕን ሓድነትን ሓባራዊ ጥቕምን እተመስረተ ዓለምለኻዊ ስነ-ምግባር ከነማዕብል ኣሎና" በሉ።

ጻውዒት ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም እዚ ዝኽሪ እዚ ይብሉ፣ "ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብን ንመላር ሰብኣዊ ስድራቤትናን ነባሪ ሰላም ንምስዓብ ዘለዎም ቘራጽነት ንምሕዳስ ከም ጻውዒት" ኰይኑ ከገልግል ከም ዝኽእል ምሕጽንታኦምን ጸሎቶምን ገለጹ።

06 Aug 2025, 15:39