ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ 'ኩላትና ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓቀይና ሓጎስን ፍስሓን ንረክብ!’
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ነቲ ኵላትና ኣብ የሱስ ክርስቶስ እንረኽቦ ሓቀይና ሓጎስን ፍስሓን ኪረኽቡ ዘድልዮም መንእሰያት ኣሰንዮዎም" ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንመንእሰያት እተወፈየ ቅነ ኢዮቤል ኣብ ሮማ ቶር ቨርጋታ ንዝካየድ ጸሎት ዋዜማ መንእሰያት ህያው ዝገብሩ ስነጥበባውያን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ምሳኻትኩም ከም "ስድራቤት" ክራኸብን፣ ኩሉ እቲ ሎሚ ኣብ ሮማ ንዘለናን ነጋድያንን እተቕርብዎ ጽባቐን ስነ ጥበብን ሙዚቃን ተውህቦምኹም ኣፍልጦ ብምሃብ እዩ . . . "ንዓይ ኣብዚ ተልእኾ፡ ኣብዚ ኣገልግሎት፡ ከም ጳጳስ ሮማ፡ ከም ር.ሊ.ጳ. ክሳተፍ ምኽኣለይ ፍሉይ ዕድል እዩ፡ በረኸት እውን እዩ" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
እግዚኣብሔር ብዝሃበና ህያባት ኣቢልና እምነትና ተመክሮና ንግበሮ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ካብ ብዙሓት ሃገራት ዝመጹ መንእሰያት ዝነብርዎ ዘለዉ ዓሚይቕን ዓቢይን ተሳትፎ ብምዝካር፣ ሓባራዊ እምነትን ኒሕን ሓጐስን ከም ዝጥርንፎም ድማ ሓቢሮም፣ ብተወሳኺ፡ ነቶም ስነ - ጥበባውያን እቲ ፍጻመ ዀነ ኣበርክቶኦም፣ "ነቲ ኣብ ልብና ህልው ዝኾነ" ድምጺ ከም ዝህብ ኣዘኻኸሮም፣ እዚ ድማ "ልዕሊ ዅሉ በቲ ጐይታ ዝሃበና ውህበት ሓጐስን ፍስሓን ፍቕርን እምነትን ንምርካብ ዘሎና ባህጊ" ኢዩ። እዚ ህያባት እዚ ሙዚቃ ትልሂት ከምኡውን ነቲ ዘካፍልዎ ሓያሎ ስነ - ጥበባዊ መግለጺታት ዘጠቓልል ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 "እዚ ብሓቂ ንኹላትናን ንመላእ ቤተ ክርስቲያንን ህያብ እዩ" ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።