ር. ሊ. ጳ. ንፈረሰይናታት ኮሎምቡስ ምልክት ተስፋ ክዀኑ ተማሕጸንዎም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዋሽንግተን ንመበል 143 ጥቕላሊ ጉባኤ ማሕበሮም እተጋብኡ ማሕበር ፈረሰይናታት ኮሎምቡስ መልእኽቲ ኣመሓላለፉሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘመሓላልርፍዎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፣ ንዅሎም እቶም ተጋባእቲ ብኣካል ኰነ ብመስመር ኢንተርነት እተሳተፉ ሰላምታ ኣቕረቡሎም፣ ንኣገዳስነት እቲ ኣብ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ ዝግበር ጉባኤ ማሕበሮም ድማ ኣፍልጦ ሃቡሉ። ኣስዒቦም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምጥቃስ ተስፋ "ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዜምጽእ ዘይፍለጥ እኳ እንተ ዀነ፣ ባህግን ትጽቢትን ጽቡቕ ነገራት ኢዩ" ክብሉ ውን ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣባላት ማሕበር ፈረሰይናታት ኮሎምቡስ ንነሲ ወከፍ ወለዶ ክርስትያና ንወንጌል ብቓልን ብተግባርን ክእውጁ ከም ዝተጽውዑ ብምዝኽኻር "ኢየሱስ ክርስቶስ ምንጪ ተስፋና ኢዩ" ብምባል ውን ኣመልከቱሎም። ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ምልክት ተስፋ ምዃን ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ሰባት ኣገዳሲ ምዃኑ ውን ኣጕልሑ።
ኣብ ኣስኣሰር መስራቲኦም ምስዓብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብነት ናይቲ መስራቲ ማሕበር ፈረሰይናታት ኮሎምቡስ ዝዀነ ብፁዕ ማይክል ማክጊቭኒ ጠቐሱ። እዚ ናይ ግብረ - ሰናይ ተልእኾ ዘለዎ ማሕበር በቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ጉባኤታት ኮሎምበስ ዝዓዩ ዘሎ ናይ ግብረ ሰናይ ዕዮ ከም ዝቕጽሉ ዘለዉ ውን ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ እቲ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ዘካይድዎ ዘለዉ ጠቕላሊ ጉባኤ "ኣወጅቲ ተስፋ" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ፣ ነቲ ማሕበር ፈረሰይናታት ኮሎምቡስ ኣብ ቍምስናታቶምን ማሕበረሰቦምን ስድራቤቶምን ንኽገልግሉ እተጸውዑሉ ግደ ዘዘኻኽር ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ እዚ ማሕበር ንሰብኡት ጸሎትን፣ ኣገልገልቲ ሥነ መዕበያን ከምኡ ውን ዝተፈላለየ ኣገልግሎታትን ንምህናጽ ዝገበሮ ጻዕሪ ከምኡውን ንጥኑሳት ደቂ ኣንስትዮን፣ ቈልዑን ድኻታትን ከምኡውን ነቶም ብውግእ እተጐድኡ ንመሳኪ ሰባት ኣብ ምግልጋል ዝገበሮ ጻዕሪ ድማ ዘለዎም ምስጋና ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "በዘን ሓጸርቲ ቃላት ኣቢለ ንዕዮ እዚ ላዕለዋይ ጠቕላሊ ጉባኤ ጽቡቕ ትምኒተይ እገልጽ" ብምባል መልእኽቶም ዛዘሙ። ንዅሎም ተሳተፍቲ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ብምክፋል ድማ ተፋነውዎም።