MAP

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዝርከብ ቁሸት ላውዳቶ ሲ’ ክምረቑ እዮም ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዝርከብ ቁሸት ላውዳቶ ሲ’ ክምረቑ እዮም 

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዝርከብ ቁሸት ላውዳቶ ሲ’ ክምረቑ እዮም

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዓስራይ ዓመት ዝኽሪ ጳጳሳዊ ዓዋዲ መልእኽቲ ‘ስቡህ ኣንተ - Laudato si ' ምኽንያት መንፈሳውነትን ትምህርትን ሓልዮትን ፍጥረት ዝራኸበሉ ቦታ ኣብቲ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ህንጻ ኣብ ዘሎ ቅርዓት ዘቖሞ ቁሸት - ስቡህ ኣንተ ክምርቑ ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 5 መስከረም ብኣቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 16 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ታሪኻዊ ንናይ ሓጋይ ዕረፍቲ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዝዓርፍሉ ጳጳሳዊ ሕንጻ፣ ቅሸት ስቡሕ ኣንተ ክምረቑ እዮም፣ እዚ ሓድሽ ንህዝቢ ክፉት ዝኽውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ ሓልዮት ፍጥረት ዝምልከት ዝለገስዎ ለምዘበን 10 ዓመቱ ዘብዕል ዘሎ ዓዋዲ መልእኽቲ ስቡህ ኣንተ ማእከል ዝገበረን ናይታ ዓዋዲት መልእኽቲ ራእይ ዘንጸባርቕ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 2023 ዓ.ም. ንማእከል ላዕለዋይ ቤት ትምህርቲ ስቡህ ኣንተ’ ብሓላፍነት ዝተዋህበ ቁሸት ስብህ ኣንተ - እምነት ምስ ጭቡጥ ሓልዮት ምድርን ንኣዝዮም ተቓላዕትን ንምጥርናፍ ቤተክርስትያን ዘለዋ ተልእኾ ዝጭበጥ ምልክት ዝውክል ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እቲ ማእከል ላዕለዋይ ቤት ትምህርቲ ስቡህ ኣንተ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “እዚ ቦታ እዚ ንመስህብ በጻሕቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኣካል ተረኺብካ፡ እትጽልየሉ፡ እትመሃረሉን ኣብ ሕብረት ምስ እግዚኣብሄር፡ ንሓድሕድን ምስ ፍጥረትን ዝዕበየሉ ቦታ እዩ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመረሉ ኣፍሊጡ።

ብፍጥረት ኣቢልካ ዝግበር ንግደት

ቅዱስ ኣቦና ቅድሚ እቲ ዝፍጽምዎ ናይ ምረቓ ስነ ስርዓት፣ ምስቶ ኣብቲ ቁሸት ስቡህ ኣንተ ዝሰርሑን ተሓባበርትን ስድራ ቤቶምን ምስ ኩሎም፣ ኣብቲ ኣብ ጳጳሳዊ ህንጻ ዝቐውም ሓድሽ ምዕራፍ ኣበርክቶ ምስ ዝገበሩ ምስ መምህራን፡ ተማሃሮ፡ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰባትን ገበርቲ ሰናይን ምስቶም እቶም ብስራሖምን ተወፋይነቶምን ንተልእኾ እታ ቁሸት ህይወት ዝህቡን ምስ ተራኸቡ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሊጡርጊያ ቃል ኣምላኽ ክመርሑን ስነ ስርዓት ቡራኬ ክፍጽሙን ምዃኖም ዜና ቫቲካን የመላኽት።

መዝሙርን ጸሎትን

እቲ ምረቓ ብናይ ጸሎትን መዝሙርን ህሞታት ዝስነይ ኮይ፣ ኣንድርያ ቦቸሊን ወዱ ማቴዎን ኣብቲ ኣኼባ ተጸንቢሮም ቅድሚ ቡራኬ ቅዱስ ኣቦና ናይ ምስጋና መዝሙር ከቕርቡ እዮም። ወከልቲ ኩርያ ሮማና - ናይ ቅዱስነቶም ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ኣባይቲ ጽሕፈት፡ ስበ ስልጣንን ብዙሓት ተሓባበርትን እውን ኣብቲ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ክሓብሩ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 Aug 2025, 16:42