MAP

ር.ሊ.ጳ. ምስ መንእሰያት ካቶሊካውያን ኣሜሪካ ክራኸቡ እዮም ር.ሊ.ጳ. ምስ መንእሰያት ካቶሊካውያን ኣሜሪካ ክራኸቡ እዮም  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ምስ መንእሰያት ካቶሊካውያን ኣሜሪካ ክራኸቡ እዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ መንእሰያት ካቶሊካዊያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ ዝሳተፉ 15 ሽሕ መንእሰያት ንፈለማ እዋን ብኽሱት ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ናይ 45 ደቓይቕ ርክብ ከካይዱ እዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መላእ ኣመሪካ ካብ ዝርከቡ ካቶሊካዊ ምንቅስቓሳት መንእሰያት ዝተዋጽኡ ካብ 14 - 18 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ን45 ደቓይቕ ዝወስድ ቀጥታዊ ዘተ ከካይዱ ትጽቢት ይግበር።

እዚ መደብ እዚ ቅዱስ ኣቦና ንፈለማ ግዜ ብስነ ኣሃዛዊ ክሱት ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ምስ መንእሰያት ኣባላት ሃገራዊ ካቶሊካዊ ጉባኤ መንእሰያት (NCYC) ዕለት 21 ሕዳር 2025 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብኣቆጻጽራ ምብራቓዎ ሰዓት 10፡15 ቅድሚ ቀትሪ ክራኸቡ እዮም።

ብቐጥታ ምስ መንእሰያት ካቶሊካውያን ብዛዕባ ጽምዶ እምነት

2025 ዓ.ም. ሃገራዊ ፈደረሽን ኣገልግሎት መንእሰያት ካቶሊካውያን (NCYC) ካብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተዋጽኡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካቶሊካውያን መንእሰያት፣ መራሕቲ ናይ ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ኣብ ቤተ ክርስቲያን፣ ካህናትን ወለንተይናታትን ኣብ ኢንዲያናፖሊስ ንሰለስተ መዓልታት ዝነወሐ ጸሎት፣ መደብ ስነ መዕበያ፣ ሓባራውነት ክነብሩን ጽምብል ክካየዱን እዮም።

ቅዱስ ኣቦና ብቀጥታ ምስቶም ተጋባእያን መንእሰያት ክዋስኡ ከም ዝኾኑን፣ እቲ መደብ እውን ብቐጥታ ብዘለኣለማዊ ቃል እተሰምየ መርበባዊ መደብር ቴሌቪዥን - EWTN ከም ዝመሓላላፍን እቲ ቀጥታዊ ዘተ፡ ቤተ ክርስቲያን ንመንእሰያት ኣብ ድምጾምን ተመኩሮኦምን ተስፋኦምን ዘለዋ ሓልዮትን ግዳሰን ዝያዳ ዘንጸባርቕ ከም ዝኸውን ትጽቢት ይግበር።

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ካቶሊካውያን መንእሰያት ዘለዎም ቅርበት

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ምስ ሃገራዊ ካቶሊካዊ ጉባኤ መንእሰያት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብሓባር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እዚ ፍጻመ እዚ ኣብቲ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ቅነ ኢዮቤል ብስነ ኣሃዝ እተራቀ መራኸቢ ብዙሓን ጸለውቲ ልኡካነ ወንጌል መንእሰያትን ከምኡ እውን ቅነ ኢዮቤል መንእሰያት ነጋድያን ተስፋ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየዱ መደባት ብኣካል ቅዱሰንቶም ዘካየድዎ ርክብ ዝተመርኮሰ ከም ዝኾነ ኣመላኺቱ፣ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ፊላደልፍያ ሊቀ ጳጳሳት ኔልሰን ፔረዝ፣ ከም ኤጲስቆጵሳዊ ኣማኻርን ኣባል ኣካያዲ ስድራሕ ሃገራዊ ፈደረሽን ኣገልግሎት መንእሰያት ካቶሊካውያን (NFCYM)፡ በቲ ፍጻመ ዘለዎም ሓጎስ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መገልጺ ሓቢሮም፣ "ቅዱስ ኣቦና ብኸምዚ ኣገባብ ምስ ኣሜሪካውያን መንእሰያት ክራኸቡ ምምራጾም ምስ ካቶሊካውያን መንእሰያት ዘለዎም ቅርበት መግለጺ'ዩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ፈጻሚት ኣካል ጉዳያት ምሕደራ ሃገራዊ ፈደረሽን ኣገልገልቲ መንእሰያት ካቶሊካውያን (NFCYM) ክርስቲና ላማስ "ንቅዱስ ኣቦና ኣብ ጉባኤ ሃገራዊ ፈደረሽን ኣልገልቲ መንእሰያት ካቶሊካውያን (NCYC) ብትሕትና ክንቅበል ቃለ ምዕዳኖም ክንልገስ ዓቢይ ሓጎስ እዩ ዝስምዓና፣ ኣብ መንጎና ህላወኦም መንእሰያት ኣብ ሕመረት ቤተ ክርስቲያን ምዃኖምን ድምጾም ኣገዳሲ ምዃኑን ዓሚቕ መዘኻኸሪ እዩ" ከም ዝበለት ኣፍሊጡ።

16 Aug 2025, 14:37