ር. ሊ. ጳ.፡- ኣርእስቲ ንመዓልቲ ሰላም 2026 'ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን' ዝብል ዝብል ክኸውን መሪ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምልኡእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘውጽኦ መገለጺ፣ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንመዓልቲ ሰላም 2026 ዓ.ም. ክኸውን ዝመረጽዎ ርእሰ ነገር ዝርዝር ሓበሬታ ዝሓዘ መብርሒ ሎሚ ሰሉስ ዕለት 25 ነሓሰ ኣመሓላሊፉ።
"ሰላም ምስ ኵላትኩም ይኹን - ናብ 'ኣልቦ ኣጽዋርን ኣጽዋር ዘራግፍን' ሰላም" ዝብል ርእሰ ነገር ኣርእስቲ ናይቲ ብዕለት 1 ጥሪ 2026 ኣብ በዓለ ቅድስቲ ማርያም ኣደ ኣምላኽ ዝኸብር መዓልቲ ንኣድማሳዊ ሰላም ናይ ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ክኸውን ኢዩ።
ኣብቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝወጸ ፍረ ነገር ከም ዘመልክቶ "ደቅሰብ ነቲ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ዓመጽን ውግእን ክነጽግዎ ከምኡውን ኣብ ፍቕርን ፍትሕን እተመስረተ ሓቀኛ ሰላም ክቕበሉ ጻውዒት ዘቕርበሎም ውን ኢዩ" ይብል።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዕለት 8 ግንቦት 2025፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኰይኖም ካብ እተመርጸሉ ምሸት ኣትሒዞም፣ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ነቲ ንዓለም ተስፋ ዝህባ ዓይነት ሰላም ንምልላይ "ዐልቦ ኣጽዋርን ኣጽዋር ምርጋፍን" ብዚብል ፍሉይ ሓረግ ሰላም ክሰፍን ተማሕሒኖም ኢዮም።
"እዚ ሰላም እዚ ኣብ ፍርህን ራዕድን ወይ ኣብ ኣጽዋር እተመስረተ ዘይኰነስ፣ ኣልቦ ኣጽዋር ክኸውን ኣለዎ" ብምባል እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ የመላኽት። ግጭታት ክፍታትሕ ልቢ ክኸፍት ከምኡውን ሓባራዊ ምትእምማንን ድንጋጸን ከምኡውን ተስፋ ዘሕድርን ኣጽዋር ዘራግፍን ክኸውን ኣለዎ።"
"ሰላም ምጽዋዕ እኹል ኣይኰነን" ይብሉ ቅዱስነቶም ። "ዚርአ ይኹን ወይ ስርዓታዊ ብዘየገድስ ንዅሉ ዓይነት ዓመጻ ብዝነጽግ መገዲ ህይወት ከነንጸባርቕ ኣሎና።"
እቲ ላዕለዋይ ቤትጽሕፍት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ሃይማኖታዊ ምትእስሳርና ወይ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎና ግደ ብዘየገድስ ኵሎም ደቅሰባት ሰላም ክደልዩ ኣድማሳዊ ጻውዒት ከም ዝቐርበሎም ዝሕብር ኢዩ ዝንበረ።
"ሰላምታ ናይቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ‘ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን’" (Jn 20 19) ዝብል ኮይኑ፣ ንዅሎም ኣመንትን ዘይኣመንትን፣ ፖለቲካውያን መራሕትን ዜጋታትን፣ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪሃንጹን ሰብኣውን ሰላማውን መጻኢ ንኸውሕሱ ብሓባር ኪዓዩን ጻውዒት ዘቕርበሎም እዩ።"
ናይ መጀመርታ መደረታት ር. ሊ. ጳ. ዝሓዘት ሓዳስ መጽሓፍ
ኣብ ርእሲ እዚውን ቤት ማሕተም ቫቲካን (LEV) ናይ መጀመርታ ሓፈሻዊ መደረታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ጠሚራ እተወፊ ሓዳስ መጽሓፍ ኣሕቲሙ ይርከብ ኣሎ።
እዛ "ሰላም ይኹን! መልእኽቲ ንቤተክርስትያንን ንዓለምን” ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓም ካብ ዕለት 27 ነሓሰ ጀሚራ ብቋንቋታት እንግሊዝን ጣልያንን እስጳንኛን ተዘርጊሓ ኣብ ከብሕታት ቤተ መጻሕፍቲ ክትርከብ ኢያ።
ቻርለስ-ማሪ ክርስቲያን ደ ቸርጌ ዚበሃል ፈረንሳዊ ፈላሲ ነዛ “ኣልቦ ኣጽዋርን ኣጽዋር ዘራግፍን” ዝብል ድርብ ስም ዘለዋ መግለጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተጠቕሙላ ሓረግ፣ ንመጀመርታ ግዜ ከም ዝጸሓፋ ብምግላጽ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ የመላኽት።
እዞም ኣበ ምኔት ናይቲ ኣብ ቲበሪን ዝርከብ ገዳመ ቅድስቲ ማርያም ዘደብረ አትላስ ዝኾኑ መነኮስ ብ1996 ምስቶም ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ዝርከብ ገዳመ ሲታውያን ዝነበሩ ሽዱሽተ ፈለስቲ ብጾቶም ሰማእትነት ተቐቢሎም ከም ዝተቐትሉ ውን ዝፍለት ኢዩ።
ከምቲ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝመልክት፣ ብፁዕ ካርዲናል ሮበርት ፕሪቮስት ብዕልት 8 ግንቦት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኰይኖም እተመርጹሉ ዕለት ድማ ዕለተ ዝኽሪ ሰማዕትነት ናይዞም ሰማእታት ኣልጀርያ ኢዩ ዝንበረ።
እቲ ዝተመሓላለፈ ግዜጣዊ መግለጺ ድማ ንትሕዝቶ እታ መጽሓፍ ኣሕጽር ገይሩ ክገልጽ እንኮሎ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ገለ ኻብቲ ቐዳምነት ዚህብዎ ነገራት ከም ዘመሓላለፈ የመልክት፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ "ልዕልና ኣምላኽ ሕብረት ቤተ-ክርስትያን ከምኡውን ሰላም ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ" ኪጥቀስ ይኽእል እዩ።
ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምጥቃስ ድማ ከምዚ ይብል - "እቲ ድሮ ንኽዕረቕ ዘቕረቡልና ማእለያ ዘይብሉ ምሕጽንታታት ኣብ ፖለቲካ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘተኰረ ኢዩ ዝንበረ።"