ር.ሊጳ. ንኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ኣፍሪቃ ስራሕኩም 'ጽዑቕ ተመክሮ ፍቕሪ እግዚኣብሄር የዕቢ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ቅዱስ ኣቦና ኣብ ከባቢኹም ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ንኹሉ ሰብ ዝጭበጥ ምልክት ተስፋ ኮይነን ከም ዝቕጽላ ርግጸይና እየ” እንክብሉ ናብ ኣቦ መንበር ዓውደ ሕብረት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን (SECAM) ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ በሱንጉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብረ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለግራም ኣስዒቦም፡ "ኣብ 'ክርስቶስ ምንጪ ተስፋ፡ ዕርቅን ሰላምን' ብዝብል ኣርእስቱ ተመሪሕኩም እትገብርዎ ዘተ፡ ኣብ ልብታት ነቲ ርግጸይና ተስፋ ድሕነት ብክርስቶስ ዘበራብር ጽዑቕ ተመክሮ ፍቕሪ ኣምላኽ ምድንፋዕ ኣገዳስነቱ ከጉልሕ፡ ብፍላይ ድማ ኣብቶም ብፍሉይ ምፍልላይን ውልትውናን ዝተበታተኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ሓድነት ከተስፍሑ ዘነቓቕሓኩም ከም ዝኸውን እምነተይ እዩ - ቢሎም - በዚ መንገዲ እዚ ኣብ ከባቢኹም ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ንኹሎም ሰባት ዝጭበጥ ምልክታት ተስፋ ኮይነን ከም ዝቕጽላ ርግጸይና እየ" ምስ በሉ፣ ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም ናይ ዓውደ ሕብረት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን (SECAM) ናይ መጻኢ መደባቱ ኣብ ኣማላድነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣደ ተስፋ ኣወኪፎም፣ ከም መብጽዓ ሕብረት ብጎይታ ሓዋርያዊ ቡራኬይ አመሓላልፍ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።