ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንሓንቲ ኣደ፦ ንዅሉ ስግኣት ምእንቲ ኽትገጥሚ ንማርያም ሕድሪ ምባል
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ብባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ እትሕተም ወርሓዊት ፒያዛ ሳን ፒየትሮ እተሰምየት መጽሔት ኣቢኩ ዝበጸሖም ሕቶ ዝሓዘ መልእኽቲ ላውራ ዝሃብዎ መልሲ ኣብቲ ናይዚ ወርሒ ሕታም እቲ መጽሔት ንንባብ ከም ዝበቐዔ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንኹሉ ዘይርጉጽነትና ኣብ ምግጣም ምስ ማርያን ምዃን
እዛ በዓልቲ ሓዳርን ኣደን ብዛዕባ ጸገማት ብኸመይ ምግጣም የድሊ ዝብል ንቕዱስነቶም ዘቕረበቶ ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምልሽ፣ ብንጹር ነቶም ዘጋጥምዋ ጸገማት እንታይነቶምን መንነቶም ከተለልይን ውልቃዊ ተመኩሮኣ ከተካፍልን ተላብዮም፣ ላውራ ካብ በዓል ቤታን ካብተን ኣብ ክርስትያናዊ እምነት ዝዓብያ ዘለዋ ሰለስተ ኣዋልድ ደቃን እትረኽቦ ዓቢ ፍቕሪ ዘይጎደላ ክነሳ፡ ነቲ ስልጣን ዝሕዝ ዝመስል ፈተናታት ብኸመይ ገጢማ ከም እትስዕሮ ንቕዱስነቶም ሕቶ ተቕርብ።
እዚ እምነት እዚ ጽንዓት ይጎድሎ ድዩ ቢላ እውን ትሓትት። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 “ንእምነት ዘሎኪ ውዕውዕነትን ኣብ ልብኺ ዘሎ ሓቅን ንዓኽን ንስድራኽን በረኸት እዩ። [ . . . ] መወከሲኺ ማርያም እንተኾይና ንኹሉ ዘይርጉጽነት ክትገጥሞ ትኽእሊ ኢኺ። [ . . . ] ውጥን ክርስትያናዊ ፍቕሪ ምክፋል ንመንፈሳዊ ምዕባለን ምስ ጸጋን ፍቓድን ኣምላኽ ንምትሕብባርን መሰረታዊ እዩ።”
ናይ ወርሒ ነሓሰ እቲ መጽሔት ኣብ ዘተ፡ ዕረፍቲ፡ ሰላም፡ ሓድነት ዝተኮረ እዩ
እቲ ወርሓዊ መጽሔት ብዛዕባ እቲ ካብ 12 – 13 መስከረም ኣብ ሮማ ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዘሎ ኣኼባ ሕውነት ዝምልከት ፍሉይ መደብ እውን የጠቓልል - እዚ ድማ ንርክብን ምቅርራብን ብዘተ ንምክፋልን ዝሕግዝ ኣጋጣሚ እዩ። ብተወሳኺ እቲ መጽሔት ኣብዚ ናይ ወርሒ ነሓሰ ሕታም ካብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 13 ክሳብ ልዮን መበል 14 ዝቕጽል ዘሎ ማእከላይ ሓሳብ ሰላምን ምስ ሕውነት ዘለዎ ዓሚቝ ምትእስሳርን ዝትንትን ጽሑፍ ዘጠቓለለ ኮይኑ፣ ናይቲ መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ኣባ ኤንዞ ፎርቱናቶ “ዕረፍቲ፡ ሕውነትን ሰላምን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘዳለዎ ሓተታ፡ ትርጉም ወቕቲ ሓጋይ ከም ግዜ ዕረፍቲ የስተንትኑ።
ምልክት ናይቲ ዳሕረዋይ ሕታም ፒያዛ ሳን ፒየትሮ ነቲ ኣብ ዙርያ ኢየሱስ ዝተኣከበ ናይ መጀመርታ ማሕበረሰብ ከም ኣብነት የቕርብ፣ በዚ ኸኣ ምስሊ ናይታ መንደቕ ዘይኮነስ ድልድል ክትሃንጽ ዝተጸውዐት ቤተክርስትያን ምዃኑ ብዕምቆት የስተንትኑ።