ር. ሊ. ጳ.፦ ንክርስቶስ ምእዋጅ ተልእኾ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን እዩ!
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ክብረ በዓል ሰማእትነት ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ፣ ምስ ኣባላት ማሕበር ምእመናንን ካህናትን ንስብከተ ወንጌል ዝኾነ ቤት ትምህርቲ ተልእኾ ወንጌላውነት ቅዱስ እንድርያስ ተራኾቦም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን፣ ንህይወትን ኣገልግሎትን ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ከም ኣብነት ናይ ዘመናውያን ልኡካነ ወንጌል ገይሮም ክቕበልዎ ተማሕጸንዎም ።
ወንጌል ዮሓንስ ከም ዘመልክቶ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ "ነቲ ስጋ ዝለበሰን ኣብ ምንጐና ዝሓደረን ቃል" ከም ዝመስከረ ገለጹ።
ቅዱስነቶም ወሲኾም "ነተን ኣብ ራብዓይ ወንጌል ዚርከባ ቐዳሞት ምዕራፋት ተጠንቂቕና እንተ ኣንቢብናየን፣ ቀንዲ መፍትሕ ነፍሲ ወከፍ ቤት ትምህርቲ ተልእኾ ወንጌላውነት እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ዘስተንተናዮ ንምምስካር፣ ካብ ኣምላኽ ህይወት ንምርኻብ እዩ" በሉ።
ዝረኣናን ዝሰማዕናዮን ምምስካር
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንተልእኾ ቤተ-ክርስትያንን ነፍሲ ወከፍ ክርስትያንን እትገልጽ ናይ መጀመርታ መልእኽቲ ቅዱስ ዮሓንስ ሓዋርያ እውን ዘከሩ - "እቲ ዝረኣናዮ ዀነ ዝሰማዕናዮ ንስኻትኩም እውን ምሳና ሕብረት ምእንቲ ክህልወኩም፣ ንዓኻትኩም እውን ንሰብከልኩም ኣሎና። ሕብረትና ኸኣ ምስ ኣቦን ምስ ወዱ የሱስ ክርስቶስን እዩ" በሉ።
ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ንዅሎም ኣባላት ቤት ትምህርቲ ወንጌላዊ ተልኾ ቅዱስ እንድርያስ፣ ኵሉ ሰብ ንክርስቶስ ምእንቲ ኺፈልጦን ኬፍቅሮን ከም እተጠምቁ ክርስትያናት ኰይኖም ተልእኾኦም ኪቕበሉ ዓደምዎም።
"ኣብዘን መዓልትታት ንገደትኩም እዚኣተን፣” ይብሉ ቅዱስነቶም “ህይወት እቶም ከም ዮሓንስ መጥምቕ እሙናት ሰዓብቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኰይኖም ብቓላትን ብሰናይ ግብርን ዝምስክሩ ዝነበሩ ቅዱሳን ከተስተንትኑ ብፍሉይ መገዲ እዕድመኩም ኣለኹ" በሉ።
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ እታ ጠበቓ ኣመሪካ ዝዀነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፕ ንደቃ ከዕቍቦምን ብሓድሽ ተስፋ ንቕድሚት ክትመርሖምን ጸልዮም።
ቤት ትምህርቲ ወንጌላዊ ተልኾ ቅዱስ እንድርያስ
ቤት ትምህርቲ ወንጌላዊ ተልእኾ ቅዱስ እንድርያስ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳዕ ጽንፊ ምድሪ ኺሰብኩ ዘቕረቦ ጻውዒት ምላሽ ንምሃብን፣ ንምእመናንን ንካህናትን ሓድነት ከም ዚህልዎም ዝገብር ተቕዋም ኢዩ ።
ብመሰረት እቲ ተቕዋም ዝጥቀመሉ ገጽ መርበብ ሓበሬታ ብስም ሓዋርያ ኣንድሪው እዩ ተሰምዩ ዘሎ ፣ ንሱ ኸኣ ንጴጥሮስ ሓዉ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪሰብኽ ከሎ ሰሚዑ ወንጌል ዘበሰሮ እዩ ዝነብረ።
ተልእኾ ቤት ትምህርቲ ወንጌላዊ ተልኾ "ከም ጴጥሮስ ዝኣመሰሉ ካባና ንላዕሊ ንጐይታ ኼፍቅሩን ኬገልግሉን ክሰብኩን ዚኽእሉ ሰባት ብምርካብ ንዝመጸ ኣብነት ቅዱስ እንድርያስ ምስዓብ" እዩ ተመስሪቱ።