MAP

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ተስፋ ኣይተሕፍርን እያ! ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ተስፋ ኣይተሕፍርን እያ!  (ANSA)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ተስፋ ኣይተሕፍርን እያ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንተሳተፍቲ ኣብ ከተማ ሪሚኒ ናብ ዝካየድን ዘሎ ዓመታዊ መበል 46 ኣኼባ ምሕዝነት ኣብ መንጎ ህዝብታት፣ ሰላም ብመዓልታዊ እንፍጽሞ ተግባራትና ዝቐውም ምዃኑ ክዝክሩ ዓዲሞም፣ ብስነ ኣሃዝ እተራቐ ሰውራ ድማ ተኸታታሊ ሓደጋታትን ብድሆታትን ከምዘስዕብ የጠንቅቑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኣኼባ ምሕዝነት ኣብ መንጎ ህዝብታት - ዓመታዊ "ዓውደ ኣኼባ ሪሚኒ" ንዝሳተፉ ንሓባራዊ ረብሓ ዝዓዩ ገበርቲ ሰላም፡ ተስፋ ዝመልኡ፡ ክኾኑ ኣብቲ ናይ ቅድቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ዕለት 21 ነሓሰ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ የተባብዑ።

ካብ 1980 ጀሚሩ ዓመት መጸ ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ኢጣልያ ኣብ እትርከብ ከተማ ሪሚኒ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ይካየድ ከም ዘሎን፣ ናይ ሎሚ ዓመት ዓውደ ኣኼባ መርሕ ቃል፣ "ኣብቲ ባዶ ቦታታት ብሓድሽ ሕጡብ ክንሃንጽ ኢና" ዝብል ከም ዝኾነን፣ እዚ ኣኼባ ሪሚኒ ዓመታዊ መደብ ኮይኑ፡ ብዙሓት ካብ ዝተፈላለያ ሃገርት ዝተዋጽኡ ምመናን ዝስሕብ ብናይ ሱታፌን ሓርነትን ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ዝዳሎ ኮይኑ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ውልቀሰባት ብምርኻብ ኣብ መሰረታዊ ጉዳያት ዘተ ዝካየደሉን ብተወሳኺ ንውልቀሰባትን ኣባይቲ ስድራን ህጻናትን ዝኸውን ዝተፈላለየ ንኣሽቱ መድረኻዊ ንጥፈታትን ዘሰናድው እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ተስፋ ኣይተሕፍርን እያ

ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ እቶም ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ርእሲ መኣዝን ዝኾነ፡ ሕሩይን ክቡርን፡ ብእኡ ንዝኣመነ ድማ ዘድሕን'፡ ብሓጎስ ከለልዩ” ብዘተባብዕ ልባዊ ተስፋኦም" ንኣዳለውቲ፡ ወለንተይናታትን ኩሎም ተሳተፍቲ ሰላምታ ኣቕሪቦም፣ ተስፋ ኣይተሕፍርን እያ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ በረኻታት ብተለምዶ "ንጐድኒ ዝሕደጉም ንህይወት ዘይበቕዑን ተገይሮም ዝቑጸሩ" ምዃኖ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ኣስተብሂሎም፣ "ልክዕ ኣብቲ ዝኾነ ነገር ክውለድ ዘይክእል ኣብ ዝመስለሉ ቦታ፡ ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዘዘንትዎ ብቐጻሊ እግዚኣብሔር ዝሓልፈሉ ፍልዩ ስፍራ እዩ” እንክብሉ ከም ዘዘኻኸሩ ኣፍሊጡ።

ሰማእታት ኣልጀርያ

ቅዱስ ኣቦና ነዚ ናይ ሎሚ ዓመት ጉባኤ ምስክርነት ሰማእታት ኣልጀርያ ዝተወፈየ ክኸውን ንዝወሰኑ ኣዳለውቲ ንኢዶም፣ "ኣብኦም (ሰማእታት ኣልጀሪያ) ቤተ ክርስቲያን ምስ ኩሉ ሰብኣውነት ብዓሚቕ ርክብ ኣብ በረኻ ክትነብር ዝተዋህባ ጸዋዕታ ይበርህ - ንሃይማኖታትን ባህልታትን ዝፈላልዮም መናድቕ ዘይምትእምማን - ምንቅስቓስ ስጋዌን ርእሰ - ምሃብን ወዲ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ብምምሳል ይሰዓር" ከም ዝበሉን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓድነት ንኺህሉ ብምሕታት፣ ኣብ ወርሒ ሰነ ንናይ ኢጣሊያ ጳጳሳት ኣብ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ “ኣብ ዘይጎነጻዊ መንገዲ ሕንጸት፡ ኣብ ከባብያዊ ግጭታት ናብ ሽምግልና ዝውሰድ ተበግሶታት፡ ከምኡ’ውን ንፍርሒ ናይቲ ካልእ ናብ ዕድላት ርክብ ዝቕይር ውጥናት እንግዶት ምድንፋዕ” ዝብል ዘስመሩሉ ሓሳብ ኣቃሊሖም፣ ኣብዚ መገዲ እዚ ምትጋህ የድሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰላም ብመዓልታዊ ተግባር ዝስራሕ ናይ ትሕትና መንገዲ እዩ

ኩሉ ግዜ ኣብዚ መንጽር እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነፍሲ ወከፍ ሕብረተሰብ 'ቤት ሰላም' ክኸውን ከፍቅድ ጸዊዖም፡ "ጽልኢ ብዘተ ዝሃድኣሉ፡ ፍትሒ እትለማመደሉ፡ ይቕሬታ ዝሕለወሉ" ክኸውን ኣለዎ፣ "ሰላም መንፈሳዊ ኡጦቢያ ኣይኮነን፤ ብመዓልታዊ ተግባር ዝሕነጽ ትሑት መንገዲ እዩ..." እክብሉ ኣረጋጊጾም፣ ቅዱስነቶም በዚ ስምዒት እዚ "እምነትን ተስፋን ፍቕርን ናብ ዓሚቝ ባህላዊ ምልዋጥ ምእንቲ ክትርጎም" ንኹሎም ሰባት "ንሕዳሴ ክሰምዩን ቅርጺ ክህቡን" ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንሓባራዊ ረብሓን ሰላምን

ቅዱስ ኣቦና "ኣማራጺ ናይቲ ማዕርነትን ዘላቕነትን ዝጎደሎ ዝርአ ዘሎ ኣካይዳ ዕብየት" ዝኾኑ መንገድታት ልምዓት ምድህሳስ ከምዘድሊ ድማ ሓሳብ ኣቕሪቦም፣ "ነቲ ህያው ኣምላኽ ንምግልጋል፡ ነቲ ንፍትሒ፡ ናይ ምርኻብን ምልውዋጥን ናጽነት፡ ተሳትፎ ኩሉ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ - ኣብ መወዳእታ ድማ ንባዕሉ ሰላም - ብኸቢድ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእተወ ናይ መኽሰብ ኣምልኾ ጣኦት ክንነጽጎ ኣሎና" እንክብሉ ብኣጽንዖት ኣተሓሳሲቦም፣ "ገዛእ ርእሱ ካብ ምድረበዳ ዓለም ዘርሕቕ ወይ ድማ ብተዘዋዋሪ ንምጽውዋር ኣበርክቶ ዝገብር እምነት ዝነብር ድሕሪ ደጊም ሓቀይና ወደ መዝሙር ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸውን ኣይክእልን እዩ" እንክብሉ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓደጋታት ቀጻሊ ሰውራ ብስነ ኣሃዝ እተራቐ ምዕባለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሕብረተሰብ እንከስተንትኑ፣ ነቲ ብቕልጡፍ እናማዕበለ ዝኸይድ ዘሎ ብስነ ኣሃዝ እተራቐ ሰውራ ክርሳዕ ከም ዘይከኣል ገሊጾም፣ "እቲ ብቐጻሊ ዝስጉም ዘሎ ብስነ ኣሃዝ እተራቀ ናይ ምዕባለ ሰውራ ኣድልዎን ግጭታትን፥ ከጋድድ ከም ዝኽእል ድማ ኣተሓሳሲቦም፣ ስለዚ እቶም ንመንፈስ ቅዱስ ብምእዛዝ ጊልያዎት ናይ ዘይኮኑ ደቂ ኣምላኽ ምህዞ ኣድላዪ እዩ። ድሕርዚ እቲ ምድረ - በዳ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራን፣እታ ብትንቢት ቅዱሳንን ቅዱሳትን እተነግረላ 'ከተማ ኣምላኽን' ነቲ ዝባደመ ቦታታትና ክትቕይሮ እያ” ምስ በሉ፣ ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ንተጋባእያን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ኣመሓላሊፎም፣ ኣማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኮኾብ ጽባሕ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

22 Aug 2025, 17:15