MAP

2025.08.22 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ.  ልዮን መበል 14 ምስ ርእሰ ብሔር ሪፓብሊካዊት ሲሸልስ 2025.08.22 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ርእሰ ብሔር ሪፓብሊካዊት ሲሸልስ  (@Vatican Media)

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ርእሰ ብሔር ሪፓብሊካዊት ሲሸልስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ናይ ሪፓብሊካዊት ሲሸልስ ርእሰ ብሔር ዋቨል ራምካላዋን ኣብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 22 ነሓሰ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ናይ ረፓብሊካዊት ሲሸልስ ርእሰ ብሔር ዋቨል ራምካላዋን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፣ ርእሰ ብሔር ራምካላዋን ካብ ቅዱስነቶ ምስ ተሰናበቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ምኽትል ዋና ጸሓሪ ርክብ ምስ ሃገራት ኣህጉራዊ ትካላትን የኔታ ሚሮስላው ስታኒዝላው ዋቾቪስኪ ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ጸሓፊ ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡን፣ ኣብዚ ዳሕረዋይ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሪፓብሊካዊት ሲሸልስን ዘሎ ጽቡቕ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ከም እተሰመረሉ ኣፍሊጡ።

Photogallery

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 መበል 14 ምስ ርእሰ ብሔርሪፓብሊካዊት ሲሸልስ
22 Aug 2025, 17:18