ር. ሊ. ጳ. ልዮን ፦ እቲ ማርያም ዝዘመረቶ መዝሙር "ተዓብዮ ነፍስየ" ንተስፋና የደልድሎ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ሎሚ ዕለት 15 ነሓሰ 2025 ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስቲያን ቅዱስ ቶማስ ብዓል ቪላኖቫ፣ ንክብረ በዓል ፍልሰት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴና ንምጽንባል ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፣ ነዚ መዘኻኸሪ ኣካፊሎም ።
እታ “ተዓብዮ ነፍስየ ለእግዚአብሔር” እትበሃል መዝሙር እኖና ቅድስቲ ድግል ማርያም ንተስፋ ትሑታትን ጽሙኣትን እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ተደልድል እያ" በሉ።
ቅዱስ ኣቦና ሎሚ ሰንበት እኳ እንተ ዘይኰነ "ነቲ ንታሪኽ ዝቐየረ ምስጢረ ፋሲካ ኢየሱስ ብኻልእ መገዲ ነኽብሮ ኣሎና" ብምባል ድማ ስብከቶም ፈለሙ።
ቀጺሎም ድማ ቅዱስነቶም፣ "ኣብ ማርያም ብዓልቲ ናዝሬት ናይ ገዛእ ርእስና ታሪኽ፣ ማለት ታሪኽ እታ ኣብ ሓባራዊ ህይወት ደቅሰብ እተጠምቀት ቤተ-ክርስትያን ኣፍልጦ እንህበሉ ኢዩ። ኣምላኽ ህይወትን ሓርነትን፣ ካብኣ ስጋና ብምውሳድ ንሞት ስዒርዎ እዩ" ድማ በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እዚ ሎሚ እነስተንትኖ ዘሎና ክብረ በዓል፣ ኣምላኽ ንሞት ብኸመይ ከም ዝስዕሮ እኳ እንተ ኣስተንተንና፣ ንሕና ኣብ ዘብሉ ግን ፈጺሙ ኣይኮነን ክብሉ ኣዘኻኸሩ። "ንሱ መንግስቲ እዩ፣” ድሕሪ ቢሎም “እቲ ናትና ግና፣ ነቲ ንኹሉ ክቕይር ዝኽእል ፍቕሩ “ሕራይ” ምባልና ኢዩ ዝነበረ" ክብሉ ውን ኣስተንተኑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ኣብ መስቀል ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ንሓይሊ ሞት ክቕንጥጥ ዝኽእል "ሕራይ" ዚብል ቃል ከይተሰከፈ ተዛረቦ፣ እዚ ሞት እዚ ኣብ ኩሉ እቲ ኣእዳውና ኣብ ዝሰቕለሉ ዘበለ ኩሉ ዚዝርጋሕን፣ ልብና ብፍርህን ጥርጣረን ዝተኣስረሉን ኢዩ ዝርከብ። ኣብ መስቀል እምንቶ ይሰፍን፣ እታ ብሕጂ እትርአ ፍቕሪ ኸምኡ እያ፣ ይቕረ ምባል እውን ተዓዊቱ እዩ በሉ።
እቲ 'ሕራይ' ክሳዕ ሕጂ ብህያው ኢዩ ዘሎ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንእተሳተፉ ምእመናን፣ ማርያም ምስ ወዳ ኣብ ጥቓ መስቀል ከም ዝነበረት ውን ኣዘኻኸርዎም።
"ኣብዚ ግዜና ንኢየሱስ 'ሕራይ' ክንብል ከለና ዘይንሃድም እንተ ዄንና፣ ከም ማርያም ኢና እንኸውን።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ "እዚ 'ሕራይ' እዚ እወ "ሕጂ እውን እንተ ዀነ ኣብቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሰማእታት ኣብቶም መሰኻኽር እምነትን ፍትሕን ለውሃትን ሰላምን ዝኾኑ ንሞት ዝቃወምዎ ዘለዉ ደቂ ሰባት ኣሎ። ስለዚ እዛ መዓልቲ ሓጐስ እዚኣ፣ ብኸመይን ንመንን ከም እንነብርን እትመርጽን መዓልቲ ትዀነና ኣላ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስብከቶም ነቲ ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ወንጌሉ፣ ማርያም ኣብቲ "ወሳኒ ዝኾነ ህሞት" ብዛዕባ ናብ ኤልሳቤጥ ዝገብረቶ ምብጻሕ ዝገልጽ ዛንታ ብኸመይ ከም ዝመስከረልና ዘከሩ።
ማʵኒፊከት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ስብከቶም ብምቕጻል "ነታ መዓልቲ እቲኣ ምዝካር ባህ ዜብል እዩ" በሉ።
ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ኵሉ ታሪኽ ሰብ ይኹን ታሪኽ ኣደ ኣምላኽ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ሓጺር ምዃኑን ከም ዜብቅዕን" እኳ እንተ ኣስተንተኑ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ግና "ዋላ ሓደ እኳ ኣይጠፍእን ኢዪ። ህይወት ኣብ ዘብቅዓሉ እቲ ፍሉይነቱ ብዝያዳ እዩ ዚበርህ"።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ እታ “ተዓብዮ ነፍሰየ ለእግዚኣብሔር” ዝበለት ድንግል ማርያም ንዅሉ መዓልትታታ ብርሃን ከም ዝነርሃላን፣ እታ መኻን ዝነበረት ኤልሳቤጥ በቲ ዘፍረየቶ ዘገርም ፍረ ድማ ንማርያም ኣብቲ ፍረ ከርሣ ከም ዘረጋግጸላ ገለጸላ ከመይሲ "ንፍረ ናይታ ቤተ-ክርስትያንን ነቲ ኣምላኽ ዘሐድሶ ቃል ሓንጐፋይ ኢላ ክቕትበሎ ኸላ ድማ ንዅሎም ደቅሰብ ዘጠቓልል 'ሕራይ' ዝብል ፍረ ከም ዝረኸበት ኢዩ ዝነገረና።"
ኣምላኽ ንተስፋ ቝርጸትና ይሰብሮ
ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ክብረ በዓል ዓርቢ ስቕለት እንከስተንትኑ ድማ ትንሳኤ ሎሚ እውን ከይተረፈ ናብ ዓለምና ከም ዝኣቱ ኣጕልሑ።
"ናይ ሞት ቃላትን ምርጫታትን ይሰፍን ይኸውን፣ ህይወት ኣምላኽ ግን ብጭቡጥ ተመክሮታት ኣሕዋትናን፣ ሓድሽ ናይ ሓድነትን ፍቕርን ተግባራት ኣቢላ ንተስፋ ቝርጸትና ትሳገሮ ኢያ" ከምኡውን "ናይ መወዳእታ ኩነትና ቕድሚ ምፍጻሙ፣ ትንሳኤ ኣብ ነፍስን ስጋን ማለት ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ናብራናን ውን ይቕየሮ ኢዩ።"
ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስብከቶም ብምቕጻል፣ "እቲ ድንግል ማርያም ዝዘመረቶ መዝሙር ተዓብዮ ነፍየ ለእግዚአብሔር ንተስፋ ትሑታትን ጽሙኣትን እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እተደልድል እያ" በሉ።
ቃል ኣምላኽ ብቐጻሊ ብሩህ ኢዩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም ሓደ ዘይከኣል ዝመስል ነገር እኳ እንተሎ፣ ቃል ኣምላኽ ከም ዚበርህ መረጋገጺ ተዋህቦም።
"ንእከይ ብጽቡቕን ክሳብ ሞትን ምስ እንቃለሶን ማእሰር ሕድነት ምስ ዚውለድ 'ንኣምላኽ ዘይከአሎ ኸም ዘየልቦ' ንርኢ ኢና" በሉ። (Lk 1፡37)
ር. ሊ. ጳ. ልዮን ንድኻታትን ስዱዳትን ክርስትያናት ይዝክሩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ርእሰ-ምትእምማን ምስ ዝሰፍሕን ሕልና ምስ ዝድንዝዝን እንክብሉ ውን ኣጠንቀቑ። "ነታ ኣረጊት ዓለም ክትሓልፍ ኣብክነኢ ምሕዳግ፣ ገለ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ንድኻታትን ንትሑታትን ብምንዓቕ፣ ካብ ሃብታማትን ሓያላትን ሓገዝ እናደለዩ ይነብሩ።"
ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ ቤተ-ክርስትያን ኣብቶም ተነቀፍቲ ኣባላታ ውን ኸም እትነብርን ብተዓብዮ ነፍስየ ለእግዚአብሔር ዝብል ዝማሬ ከም እትሕደስን ኣፍልጦ ሃቡሉ።
"ኣብዚ ግዜና እውን ከይተረፈ ድኻታትን ዝስደዱ ዘለዉ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብን፣ ኣብ ግጭታት ዓለምና ናይ ለውሃትን ይቕረታን መሰኻኽር ከምኡውን ኣብዛ ዝዓነወት ዓለም ገበርቲ ሰላምን ሰራሕቲ ድልድልን ከምኡ ውን ሓጐስ ናይ ቤተ-ክርስትያን ኢዮም" ብምባል ኣረጋገጹ።
ብምስክሮም ንተሓደስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ መብዛሕትአን ከምታ ብዕድመ ዝደፍአት ኤልሳቤጥን እታ መንእሰይ ዝነበረት ድግል ማርያምን "ናይ ፋሲካ ኣንስቲ፣ ሃዋርያት ትንሳኤ" ዝነብራ ኣንስቲ ምዃነን ብምዝኽኻር እምበኣር "ብምስክርነቶም ንተሓደስ!" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንምእመናን ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ "ኣብዛ ህይወት እዚኣ 'ህይወት ክንመርጽ' ከሎና "ኣብታ ናብ ሰማይ ማለት ናብታ ዝፈለሰት ማርያም እወን ነቲ ናይ መወዳእታ ጽሕፍቶና ክንርኢ ቅኑዕ ኢዩ" ብምባል ውን ኣጕልሑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም፣ "ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ እተገለለ በይናዊ ፍጻመ ኸም ዘይኰነ ዝሕብር ምልክት ኰይኑ እዩ ተዋሂቡና" ውን በሉ።
ናይ ማርያም፦ ዜደንቕ ሕብረት ጸጋን ናጽነትን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘስተንተንዎ እቲ ናይ ማርያም ዜደንቕ ሕብረት ጸጋን ናጽነትን ናይ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ህይወት ህዝቢ ኣምላኽ ክንውከልን ክንተብዕን ክንሳተፍን ዝምሕጸነና እዩ፣ ብፍላይ ከኣ "እቲ ሓያል ንዓይ ዓበይቲ ነገራት ገይሩለይ እዩ" (ሉቃ 1፡49) ዝበለቶ ኢዩ።
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ "ነፍሲ ወከፍና ነዚ ሓጐስ እዚ ንፈልጦን ብሓድሽ መዝሙር ዝንገረና ኢዩ ። ህይወት ንምምራጽ ኣይንፍራህ!" ክብሉ ውን ተላበዉ።
ዋላ እውን "ሓደገኛን ዘይጥበባውን ኪመስል ይኽእል እዩ። ብዙሓት ሰባት ሕሹዅሹዅ ክብሉ ኢዮም - "ስለምንታይ ኢዮም ዝጭነቑ? ሕደግዎም። ብዛዕባ ድሕነት ርእስኹም ሕሰቡ" በልዎም። ከምዚ ዝኣመሰለ ርእይቶታት "ድምጺ ሞት" እዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ ንሕናስ 'ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኢና።' "ኣብዚ ግዜና ንነፍስናን ንስጋናን እትድርኸና ድማ ፍቕሩ እያ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ ከም ውልቀ- ሰባትን ከም ቤተ-ክርስትያንን መጠን ንግላዊ ህይወትና ምንባር ምስ እነብቅዕ፣ ህይወት ይዝርጋሕን ህይወት ከም እትዕወትን ብምጕላሕ ስብከቶም ዛዘሙ።