MAP

2025.08.25 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ዳይና መሓመድ ዓብደልሰላም 2025.08.25 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ዳይና መሓመድ ዓብደልሰላም  (@VATICAN MEDIA)

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ዳይና መሓመድ ዓብደልሰላም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ዋና ጸሓፊ ናይ ኣስላም ጉባኤ ሽማግለታትን ናይ ዛይድ ሽልማት ንሰብኣዊ ሕውነትን ዳይና መሓመድ ዓብደልሰላም ዕለት 25 ነሓሰ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰኑይ ዕለት 25 ነሓሰ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ዳይና መሓመድ ዓብደልሰላም ኣብ ቫቲካን ሃዋርያዊ መንበሮም ክሌኣዊ ርክብ ከም ዘካየዱን ድሕሪ እቲ ርክብ ዳይና ዓብደልሰላም እቲ ምስ ቅዱስነቶም ዘካየዶ ርክብ፣ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ከም መጋበርያ ሰላምን ሰብኣዊ ሕውነትን ነዞም ክብርታት እዚኣቶም ንምድንፋዕ ዘለዎ ኣገዳስነት ዘጉልሕ ምንባሩ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ፣ ከምኡ እውን መራሕቲ ሃይማኖት ዝኾነ ይኹን ግጭት ክውገድ ኣብ ዝሓትት ጻውዒት ደው ክብሉን ሰላም ኣብ ምዕባይ ዝገብርዎ ጻዕርን ዕድል እውን ምንባሩ ኣፍሊጡ።

ዳይና ዓብደልሰላም፡ ዋና ጸሓፊ ኮይኑ ዘገልግልሉ ባይቶ ሽማግለታት ኣስላም፡ ኣብ ምድላይ ሰላም ድምጺ መራሕቲ ሃይማኖትን ትካላትን ንምሕያል ዘለዎ ተወፋይነት ደጊሙ ከም ዘረጋገጸን፣ ጉባኤ ሽማግለታት ኣስላም ብዓቢ መምህር ኣብ ምስሪ መንበረ ጥበብ ኣል - ኣዝሃር ሸኽ ኣሕመድ ኣልጣየብ ዝምራሕ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

27 Aug 2025, 17:13