MAP

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ወንጌል መልሲ ናይቲ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ዝወረዶም በደል እዩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ወንጌል መልሲ ናይቲ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ዝወረዶም በደል እዩ 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ወንጌል መልሲ ናይቲ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ዝወረዶም በደል እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናይቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሊማ ዝካየድ ዘሎ ማሕበራዊ ቅነ 2025 ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ኣብነት ናይቶም ኣብ ፔሩ ዝነብሩ ብዙሓት ቅዱሳን ክጥምቱ ዓዲሞም: "ነፍሲ ወከፍ ማሕበራዊ ተግባር ቤተ ክርስቲያን ሕመረትን ሸቶን ምእንቲ ነቲ ህልው ኩነት ሸለል ከይበልና፣ ብዛዕባ ግቡእን ናይ መወዳእታን ኣንፈት ኣገልግሎትና ወትሩ ነቒሕና ክንስጉም፣" ብስራት ወንጌል ክርስቶስ ክኸውን ኣለዎ፣ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ካብ ዕለት 14 - 16 ነሓሰ ኣብ ሃገረ ፐሩ ርእሰ ከተማ ሊማ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ማሕበራዊ ቅነ 2025 ተጋባእያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ኣብነት ዓበይቲ ቅዱሳን ፔሩ ክስዕቡ ከም እተላበዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እቲ ብናይታ ሃገር ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ዝተወደበ ሃገራዊ ናይ ርክብን ዘተን ምትእስሳርን ቦታ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዝተሓላለኸ ማሕበረ - ፖለቲካዊ ክውንነት ንምፍታሕ ዝሕግዙ መልስታትን ውጥናትን ንምምዕባልን ነቲ ናይ 2026 ዓ.ም. ኣብታ ሃገር ዝካየድ ህዝባዊ ምርጫታት ኣብ ግምት ዘእተወን ምዃኑ ኣዘኻኪሮም፣ "እቲ ብብዙሕ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ባህላውን ብድሆታት ዝልለይ እዋን" ናይ ቅድስቲ ሮዛ ዘሊማ፡ ቅዱስ ማርቲን ደ ፖረስ ፡ ቅዱስ ዮሃንስ ማሲያስን ቅዱስ ቶሪብየስ ደ ሞግሮቨኺን ኣብነት ክስዕቡ ከም እተላበዉ ኣፍሊጡ።

ምስክርነት ቅዱሳን

ር.ሊ.ጳ. ፕረቮስት ንባዕሎም ከም ልኡኽ ወንጌል ዝነብርሉ ዝነበረ መሬታት ፔሩ፡ ወትሩ "ብፍሉይ ውጥን ሓልዮት እግዚኣብሔር ዝተሰነየ፡ ብፍላይ ካቶሊካዊ እምነትና ብዝምልከት፡ ወትሩ ነቶም ክንክንን ኣገልግሎትን ኣዚዩ ዘድልዮም ሰባት ቀዳምነት ብምሃብ ዝንበር ምዃኑ ዘርኢ እዩ - ቢሎም - ኣብ ፔሩ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ብቓልን ሕይወትን ብሰቂለ ህልናዊ መንፈስን ብፍቕሪ ንድኻታትን ዝተነብረ ብዙሕ ቅድስና ብርቱዕን ፍረ ዘለዎን ህላወ ወንጌልን ተመዝጊቡ እዩ። ስለዚ ኣብ ዓቕለሲያውን ማሕበራውን ዕዮና ንምስጓም ኣብ ሎሚ ህያው ክንገብሮ ኣሎና፣

ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘጋጠሞም ቃንዛ በደልን ምግላልን ኵሎም ዝተጠመቑ ከም ቤተ ክርስቲያን፣ ንሳ ድማ ካብ መዓሙቕ ወንጌል ንምልክታት ዘመንና መልሲ ክትህቡን ነዚ ንምትግባር ድማ ናይ ሎሚ ቅዱሳን ምስክርነት ማለት ከም ጨናፍር ወይኒ ኣብ ጎይታ ዝተሰረቱ ሰባት ብህጹጽ የድልየና

ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ክርስቶስ ማእከልን ሸቶን

እቶም ቅዱሳን "ሕሉፍ ናይቲ ብስልማት ዝተመልአ ህንጻታት ምስልታት ኣይኮኑን፣ እንታይ ደኣ "ዝሓሸ መጻኢ ንምህናጽ ካብ እግዚኣብሔር ካብ ዝቐረበ ጻውዒት ዝተወልዱ እያቶም። ስለዚ ናይ ነፍሲ ወከፍ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበራዊ ተግባር ሕመረትን ሸቶን ብስራት ወንጌል ክርስቶስ ክኸውን ኣለዎ፣ ምእንቲ ነቲ ቀረባ ሸለል ከይበልና፣ ብዛዕባ ግቡእን ናይ መወዳእታን ኣንፈት ኣገልግሎትና ወትሩ ነቒሕና ክንቅጽል። ንክርስቶስ ብምሉኡነቱ እንተዘየቕረብናዮ ኩሉ ግዜ ኣዝዩ ውሑድ ዝህቡ ኢና ንኸውን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካብ ወንጌል ዘሐድስ ሓይልታት

ነዚ ብዝምልከት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብምኽንያት ቅድስና ቅዱስ ዮሓንስ ማስያስ ኣብ 1975 ዓ.ም. "ዘብርህ" ቃላት የቕርቡ፣ "ንኹሉ ሰብ ኣብ ዝስዋእ ፍቅርን ልግስን ኣዋሃሂዱ፣ ንሙሉእ ሰብኣውነት ኣገልገለ። እዚ ኩሉ ድማ ንሰባት ስለ ዘፍቀረ፣ ምስሊ ኣምላኽ ኣብኦም ስለ ዝረኣየ። ንኹሎም እቶም ሎሚ ኣብ መንጎ ድኻታትን ዝተገለሉን ዝሰርሑ ነዚ ከነዘኻኽሮም ንደሊ . . .  

ካብ ወንጌል ክንርሕቕ የብልናን፣ ሕጊ ልግሲ እውን ክንጥሕስ ብዓመጽ ዝዓበየ ፍትሒ ክንደሊ የብልናን። ወንጌል ንሰባት ካብ ውሽጦም ብምቕያር፡ ብዝኾነ ኣድላዪ መንገዲ መሓውራት ክቕይሩ ዝደፍእ፡ ዝያዳ ፍትሓዊ፡ ዝያዳ ሰብኣዊ ንምግባር ዝድርኽ ናይ ምሕዳስ ሓይልታት ንምልዕዓል እኹል ዓቕሚ ኣለዎ!

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ወንጌል ናብ ወሰናስን ህልውናን ከተማታትን

ብፍላይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መልእኽቶም ነቲ ብትውልዲ ስጳይናዊ ኮይኑ ግን ከኣ "ብሰንኪ ናይ ተልእኾ ወንጌል ንጥፈታቱን ሰፊሕ ጉስነታዊ ኣገልግሎቱን ወዲ ፐሩ ምዃኑ ርዱእ ዝኾነ" ናይ ቅዱስ ቶሪብዮ ደ ሞግሮቨኾ ኤጲስቆጶሳዊ ኣገልግሎቱ ይዝክሩ። ኣብ እዋን ኤጲስቆጶሳዊ ኣገልግሎቱ ሚእቲ ሰበኻታት መስሪቱ፣ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካ ዓውደ ጉባኤ፣ ክልተ ዞባዊ ባይቶታትን ዓሰርተ ክልተ ናይ ሃገረ ስብከት ሲኖዶስን ከም ዝጸወዐን፣ እዚ ኩሉ "መዓልታዊ ዝበለጸ ዓቕሙን ሓይሉን ነቶም ዝተጠጠኑን ኣብተን ቅድመይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ 'ወሰናስን ከተማታትን ህልውናን' ቢሎም ዝገልጽዎ መልክዓ ምድራዊ ወይ ባህላዊ ዞባታት ዝነብሩን ዘወፈየ" እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ቶሪብዮ "ናይ ሓቀይና ሲኖዳውነትን ናይቲ ንወሰናስን ዝቐርብ ወንጌልን ኤጲስቆጶሳዊ መንበር ምልክት ኮነ - ቢሎም - ከምኡ'ውን መሬታት ፔሩ ኣብቲ ክሳብ ሎሚ ዘገርመና ኣብ "ውዕዉዕ ኒሕ" ናይ ሓደ ሓዋርያዊ ተግባር ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብ ህድኣት ዝዓሰሎ ርጉእ ገጹን ምሱጥን ውፉይነቱን ብንጹር ዝረአ ናይ ጽዑቕን ዓሚቕን ጸሎት ፍረ እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ጥሜት "ሰማያዊ እንጌራ"

ቅዱስነቶም ንተሳተፍቲ ማሕበራዊ ቅነ 2025 ዓ.ም. ሊማ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ "ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ክልተ ፍቅሪ ዘይኮነስ ሓደን ሓደን ዓይነት ፍቕሪ እዩ፣ ንዋታዊ እንጌራን እንጌራ ቃልን ክንህብ ዝድርኸና" እዚ እውን ብግዲኡ ነቲ ቤተ - ክርስትያን ጥራይ ብትእዛዝን ፍቓድን ክርስቶስ ክትህቦ እትኽእል ከምኡውን ዋላ ሓደ ሰብኣዊ ትካል ካብ ቅኑዕ ድራኸ ተበጊሱ ክህቦ ዘይከኣሎ ጥምየት እንጌራ ሰማይ ክህልወና ብምግባር ክትካእ ይከኣል . . .

ሓዋርያ ኣህዛብ፣ “እንተ ዘይተጸልኣናስ፡ ብጊዜኡ ክንዓጽድ ኢና እሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ” እንክብል ዝዛረበን ቃላት ኣይንረሰዕ!

እንክብሉ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

15 Aug 2025, 15:03