ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ጳጳሳት ኣማዞን ንክርስቶስ ብንጹር ከበስርዎ ይላበዉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"እቲ ኩሉ ነገር ዳግማይ ኣብኡ ዝተጠርነፈሉ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ነበርቲ ኣማዞን ብንጹርን ብዘይተኣደነ ተወፋይነትን ኣብ ፍቕሪ ክእወጅ ኣድላዪ እዩ፡ ምእንቲ፡ ብሓቂ ህዝቢ ኣምላኽን ኣካል ክርስቶስን ክንከውን እንኽእለሉ እንኮ መገዲ እንጌራ ብስራት ወንጌልን ሰማያዊ መግቢ ቅዱስ ቁርባንን ክንህቦም ውፉያት ክንከውን ኣሎና” ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ንጉባኤ ጳጳሳት ኣማዞን ብይብጻሕ ናይቲ ጉባኤ ጳጳጳሳት ዞባ ኣማዞን ኣቦ መንበር ካርዲናል ፐድሮ ሪካርዶ ባሬቶ ኻሜኖ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ጉባኤ ጳጳሳት ዞባ ኣማዞን ካብ ዕለት 17 ክሳብ ዕለት 20 ነሓሰ ኣብ ኮሎምብያ ርእሰ ከተማ ቦጎታ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ጳጳሳት ኣማዞን ከም እተነበን፣ ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ "ኣብ ስራሕ ጉስነት ናይቲ ዞባ ዝተኣሳሰሩ ሰለስተ ሸነኻት ኣብ ግምት ብምእታው: ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ወንጌል ንኹሉ ምዋጅ (ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ውሳኔ ናብ ኣይዛብ , 1)፣ ፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ናይቶም ኣብኡ ዝነብሩ ህዝብታት፣ ከምኡ'ውን ሓልዮት ናይ ሓባር ቤትናን" ዝብል ሰለስተ ለበዋታት የቕርቡ።
ስም ክርቶስ ናይ ምስባኽ ሓይሊ
ኣብዚ ተልእኾ እዚ በቲ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን እተረጋገጸ ርግጸይናነት ጸኒዕናን ተደሪኽናን ኣብ ዝኾነ ስም ክርስቶስ ኣብ ዝስበኸሉ ስፍራ ኩሉ ምጕዳል ፍትሒ ኣመና ኸም ዚንኪ ርግጸይናታት ክንከውን ንኽእል ኢና፣ ምኽንያቱ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገለጾ፣ “ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ንሓድሕድና ክንተሓቛቖፍ እንተኺኢልና፡ ኵሉ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዝወርድ ምዝመዛ ኪጠፍእ እዩ” ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ እቲ ዘላቒ ዝኾነ ሰረተ እምነት ነታ እግዚኣብሔር ኣብቲ ከም ትጉሃት መገብቲ መጠን ብሕድሪ ዝሃበና "ናይ ሓባር ቤትና" ናይ ምክንኻን መሰልን ግዴታን ንጹር ምዃኑ ተመልኪቱ ከም ዘሎ ድማ ኣዘኻኺሮም፣ ነዚ ኣገዳስነት - "ዋላ ሓደ ሰብ ነቲ ብዛዕባ ሰናይን ጽባቐን ፈጣሪ ዝዛረብ ተፈጥሮ ሓላፍነት ብምጉዳል ምእንቲ ክጠፍእ ዘይኮነስ ንኣምላኽ ንኽንውድሶን ድሕነት ነፍስና ንኽንረክብን እተዋህበና እዩ ነዚ ሸቶ ንኽንወቅዕ ከም ጊልያ ወይ ከም ኣምላኺ ተፈጥሮ ምዃን ኣይግባእን” እንክብሉ ደጊሞም ብምዝኽካር፣ ስለዚ ተፈጥሮ ንኣምላኽ ናይ ምውዳስን ድሕነት ነፍስና ናይ ምርካብን ሸቶና ንኽንወቅዕ ክሕግዘና ኢዩ ተዋሂቡና፣ ነዚ ኣይነርዕ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዝዓበየ ሰናይ ቤተ ክርስቲያን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣስዒቦም ንጳጳሳት ዞባ ኣማዞን ንምእመናን ናይቲ ፍቱው ዞባ ኣማዞን ዝዓበየ ሰናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምድንፋዕ ንዝገበርዎ ጻዕሪ ኣመስጊኖም። ብዛዕባ ምስማዕን ተሳትፎ ኩሉ ጸዋዕታታት ቤተ ክርስቲያንን ብዝምልከት ካብ ሲኖዳውነት ዝረኸብናዮ ትምህርቲ ኣብ ግምት ብምእታው፣ "ንሓደ 'ጳጳሳዊ ኣካል' ዝምጥን ሓድነትን ምትሕብባርን መሰረት ብምግባር - ንጳጳሳት ሃገረ ስብከትን ዓቃቤ ሓዋርያዊ መንበርትን ተልእኾኦም ኣብ ምፍጻም ብጭቡጥን ብውጽኢታውን መንገዲ ዝሕግዙ ኣገባባት ክደልዩ" ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስም ክርስቶስ ኣብ ዝእወጀሉ ቦታ ኢፍትሓውነት እናነከየ ይኸይድ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቀጺሎም፣ ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ክርስቶስ ምእዋጅ ንሕብረተሰባት ብኸመይ ከም ዝፍውስ እንክሕብሩ፣ "ስም ክርስቶስ ኣብ ዝስበኸሉ ቦታ ኢፍትሓነት እናነከየ ከም ዝኸይድ ብታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ፣ ምኽንያቱ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዘረጋግጾ፣ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ብሰብ ዝፍጸም በደልን ምዝመዛን ዝጠፍእ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ንሓድሕድና ክንቅብለ እንተኽኢልና እዩ - ቢሎም - ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ኣብ ልዕሊ ጳጳሳትን ንኩሎም ጉስነታዊ ኣገልግሎቶም ብሓላፍነት ንዝተወሃብዎምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።