MAP

ር.ሊ.ጳ.፡ ኣብ ዝጸልመተ ህሞት እውን እንተኾነ፡ ንፍቕርን ይቕረ ንምባልን ወትሩ ግዜ ኣሎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 20 ነሓሰ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ፍቕሪ ኢየሱስ ዋላ እኳ እንተተጠለመ ንእከይ ናይ መወዳእታ ቃል ክህልዎ ከምዘይፈቅድን "ዋላ ኩሉ ነገር ኣብ ዘይብጀው ወይ ኣብ ዘይምለስ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣተወ እውን ኣብ ዝመስለሉ እዋን ኩሉ ግዜ ምፍቃር ዝቕጽለሉ መንገዲ ከምዘሎ" ንምእመናን ከም ዘነጸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 "ሎሚ ዋላ ዘይርዱኣትን ዋላ ዝተደርበና ኮይኑ ኣብ ዝስምዓና እዋን፡ ይቕረ ክንብል ክንክእል መታን ጸጋ ንለምን . . .” ዝብል ለበዋ ዕለት 20 ነሓሰ 2025 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ናይ ጎይታ ይቕረ ዝብል ፍቕሪ

‘ክርስቶስ ተስፋና’ ብዝብል ኣርእስቲ ኢዮቤል ዘበግስዎ ተኸታታሊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል፡ ‘ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ስቓይን ሞትን ትንሳኤን ኢየሱስ ኣተኲይሮም፡ ነቲ ናይ ጐይታ ይቕረ ዝብል ፍቕሪ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብፍላይ ድማ ጐይታ ዋላ’ኳ ተጠሊሙ እንተነበረ፡ ክሳብ መወዳእታ ንደቀ መዛሙርቱ ከም ዘፍቀሮምን፣ ብፍሉይ "ዘገርምን ብርሃን ዝህብን ምልክት" ምዃኑ ሓቢሮም፣ ኣብኡ ኢየሱስ ኣብ እዋን ናይ መወዳእታ ድራር ነቲ ክጠልሞ ዝቐረበ ቆሪሱ ዝሃቦ ኣንጌራ ኣስተብሂሎም "እዚ ምልክት ምክፋል ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብኡ ንላዕሊ ዝብል እዩ፡ ተስፋ ንኸይትቖርጽ ናይ መወዳእታ ፈተነ'ዩ፣ ክሳብ መወዳእታ ምፍቃር ዝብል ተግባር ንልቢ ክርስቶስ ንምርዳእ መፍትሕ እዩ። ኣብ ቅድሚ ምንጻግ፡ ተስፋ ምቑራጽ፡ ዋላ'ውን ዘይምምስጋን ዘይቋርጽ ፍቕሪ" እንክብሉ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኢየሱስ ኣይግዛእን እዩ!

"ኢየሱስ ግዜ ይፈልጥ እዩ፡ ግናኸ ኣይግዛእን ብፍቓዱ ግን ይመርጾ። ፍቕሩ በቲ ኣዝዩ መሪር ቁስሊ፡ ማለት ብጥልመት ክሓልፍ ዘለዎ ህሞት ዘለልዮ ንሱ እዩ። ኣብ ክንዲ ዘንሳሕብ፡ ዝኸስስ፡ ንነብሱ ዝከላኸል . . . ኣብ ፍቕሪ ይቕጽል: እግሪ ይሓጽብ፡ እንጌራ ፈቲቱ የቕርብ። እቲ ኣነ ቝራስ እንጌራ ኣጥሊቐ ዝህቦ፡ ንሱ እዩ፡ (ዮሃ 13፡26) ክሳብ ዝብል ዘፍቅር።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 በዚ ተራን ትሑትን ምልክት "ኢየሱስ ንፍቕሩ ንቕድሚትን ናብ መዓሙቑን የብጽሖ፡ ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ሸለል ስለ ዝብሎ ዘይኮነስ፣ ብልክዕ ብንጹር ስለ ዝረኣዮ እዩ . . .

ናይ ሓቂ ይቕረ ምባል ጣዕሳ ኣይጽበይን እዩ፣ የግዳስ ቅድሚ ምቕባሉ እውን ከይተረፈ ብናጻ ህያብ ምዃኑ ዝፈልጥ፣ እቲ ሓደ ብኽፉእ መገዲ እኳ እንተ ጠፍአ ብትሕትና ክብጻሕ ከም ዝኽእል ዝርዳእ እዩ።

ይቕረ ምባል ይገልጽን ተስፋ የቕርብን

እቲ ዘሕዝን ግን ይሁዳ ከም ዘይተረድኦን፡ "ድሕሪ እቲ ቁራስ እንጌራ ምቕባሉ - ይብል ወንጌል - 'ሰይጣን ናብኡ ኣተወ'" . . . "እዚ ክፍሊ ክሳብ ሽዑ ዝተሓብአ ክፍኣት፣ ፍቕሪ ኣዝዩ መከላኸሊ ዘይብሉ ወጅሁ ምስ ኣርኣየ ከም ዝተገልጸ ዘረጋግጽ ኩነት ኣዚዩ የገርመና። ልክዕ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ እቲ ቁራስ እንጌራ ድሕነትና እዩ: ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ኩሉ ነገር - ፍጹም ኩሉ - ክበጽሓና ከም ዝገብር ዘረድኣና እዩ . . . ሕድገት ኩሉ ሓይሉ ዝገልጽን ሓቀይና ገጽ ተስፋ ዘቅርብን ኣብዚ እዩ፣ "ምርሳዕ ማለት ግን ኣይኮነን፤ ድኽመት ኣይኮነን። ነቲ ካልእ ሓራ ናይ ምውጻእ ክእለት እዩ፡ ክሳብ መወዳእታ እናኣፍቀርካ።" "ፍቕሪ ኦየሱስ ንክውንነት ስቓይ ኣይክሕድን እዩ፡ ክፍኣት ግን ናይ መወዳእታ ቃል ክህልዎ ኣይፈቅድን" እንክብሉ ቅድስነቶም ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ወትሩ ፍቕርኻ ክትገልጸሉ እትኽእለሉ መገዲ ኣሎ

እዚ ኢየሱስ ዝፍጽመልና ምስጢር እዩ፡ ንሕና’ውን ሓድሓደ ግዜ ክንሳተፈሉ ዝተጸዋዕና ምስጢር ምዃኑ ቅዱስነቶም ገሊጾም፣ "ክንደይ ዝምድናታት ይበታተን፡ ክንደይ ዛንታታት ይተሓላለኽ፡ ክንደይ ብዙሓት ቃላት ልሳን ከይኮኑ ተንጠልጢሎም ይተርፉ - ቢሎም - እንተኾነ ግን ወንጌል ኩሉ ግዜ ፍቕሪ ክንቅጽለሉ እንኽእል መንገዲ ከምዘሎ የርእየና እዩ፡

“ከምኡ’ውን ኩሉ ነገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣተወ ኣብ ዝመስለሉ እዋን’ውን ኩሉ ግዜ ፍቕሪ ንምቕጻል ዝሕግዝ መንገዲ ከምዘሎ ወንጌል የርእየና . . .”

ይቕረ ምባል ማለት ክፉእ ምኽሓድ ዘይኮነስ ተወሳኺ ክፍኣት ከየመንጩ ንኽፍኣት ምዕጋት ማለት እዩ . . . ዝኾነ ነገር ኣይተፈጸመን ንምባል ዘይኮነስ፡ ቂምታ ንመጻኢ ዝውስን ከይከውን ኩሉ ዝከኣል ምግባር ማለት እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምስ ጎይታ ንፈተና ምቅዋም

"ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ንሕና'ውን መሪርን ከቢድን ለይቲ የጋጥመና . . .  "ናይ ነፍሲ ለይቲ፡ ተስፋ ናይ ምቑራጽ ለይቲ፡ ሓደ ሰብ ዝጎድኣና ወይ ዝጠለመና ዝፈጥሮ ጸላም ለይቲ" የጋጥመና እዩ። ኣብተን ህሞታት ንነብስና ምዕጻው፡ ንነብስና ምክልኻል፡ ነቲ ጽፍዒት መልሲ ሃብ ዝብል ፈተና ዘጋጥመና ምዃኑ ኣስተውዒሎም፣ "ጎይታ ግና "ካልእ ናይ ተስፋ መንገዲ ኩሉ ግዜ ከም ዘሎ የረድኣና። ሓደ ሰብ ሕቖኡ ንዝሃቦ ሰብ ከይተረፈ ቁራስ እንጌራ ምቕራብ ዝከኣል ምዃኑ ይምህረና። ሓደ ሰብ ብናይ ምትእምማን ስቕታ ክምልስ ከም ዝኽእል እውን፣ ከምኡ'ውን ብኽብሪ ንቕድሚት ክንስጉም ከም እንኽእል፡ ፍቕሪ ከይከሓድና" እንክብሉ ኣረጋጊጾም። በዚ ኸኣ ምእመናን ዋላ ዝተደርበዩ ወይ ብጌጋ ዝተረድኡ ኮይኑ ኣብ ዝስምዖም እዋን፣ ንጐይታ ይቕረ ናይ ምባል ክእለት ኣባና ክሕድሶ ክንልምኖ ይግባእ፡ ምኽንያቱ ልክዕ ኣብተን ሰዓታት እዩ ፍቕሪ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ክበጽሕ ዝኽእል - ቢሎም - ከምቲ ኢየሱስ ዝምህረና፣ ፍቕሪ ማለት ነቲ ካልእ ነጻ ምግዳፍ ማለት እዩ - ዋላ ውን ምጥላም - ዋላ እታ ቆሲላን ዝጠፍአትን ናጽነት ካብ ምትላል ጸልማት ተመንጢላ ናብ ብርሃን ሰናይነን ክትምለስ ከም እትኽእል ካብ ምእማን ዘይምቁራጽ ማለት እዩ . . .” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኢየሱስ ነፍሲ ወከፍ ክሕደት ንድሕነት ዕድል ከም ዘቕርብ የርኢ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ይቕረታ ብርሃን "ኣብ ዝዓሞቐ ስብራት ልቢ ምስ ዝዕወት፣ ፈጺሙ ከንቱ ከምዘይኮነ ንርዳእ፣ እቲ ካልእ እንተዘይተቐበሎ፡ ዋላ'ውን ከንቱ እንተመሰለ፡ ይቕሬታ ነቶም ዝህቡ ሓራ ይገብሮም፡ ንቒምታ ይብትን፡ ሰላም ይመልስ፡ ናብ ገዛእ ርእስና ይመልሰና ምስ በሉ፣ ካብዚ ብምብጋስ፣ "ኢየሱስ ነቲ ተራ ምልክት ዝኾነ እንጌራ ብምቕራብ፡ ነፍሲ ወከፍ ክሕደት ንዝዓበየ ፍቕሪ ቦታ ዝህብ፡ ዕድል ድሕነት ክኸውን ከም ዝኽእል የረጋግጸልና" እንክብሉ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 Aug 2025, 17:10