ር.ሊ.ጳ. ኣገልገልቲ መንበረ ታቦት ንምእመናን ናብ ቅዱስ ምስጢር መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ምምራሕ ይሕግዙ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከም ኣካል ዓመት ኢዮቤል ምስ ካህናቶምን ጳጳሳቶምን ናብ ሮማ ንግደት ዘካይዱ ዘለዉ ካብ ፈረንሳ ዝመጹ ኣስታት 360 ኣገልገልቲ መንበረ ታቦት ኣብ ሃገር ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፣ ብቅዱስ ኣፍንደገ ንምሕላፍ ዝገብርዎ ንግደት ናብ እግዚኣብሔር ገጾም ክምለሱን ብእምነትን ፍቕርን ክዓብዩን ዝያዳ እሙናት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ንኽኮኑ ዕድል ከም ዝጽግዎም ገሊጾም፣ ነቶም ፈረንሳውያን ካቶሊካውያን መንእሰያት ኣገልገልቲ መንበረ ታቦት ናይ ብሕቲ ግዜ ወሲዶም ብልቦም ምስ ኢየሱስ ክራኸቡን ዝያዳ ከፍቅርዎን ዓዲሞም፣ "ኢየሱስ ኣካል ህይወትኩም ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ውሽጥኹም ንምብራህ፡ ዝበለጸን እሙንን ዓርክኹም ካብ ምዃን ሓሊፉ፣ ካልእ ዝምነዮ ነገር የለን፣ ህይወት ምስ ኢየሱስ ትጽብቕን ትሕጐስን፣ ተስፋ ናይቲ እንነብሮ ዘሎና ዓመተ ኢዮቤል ሕመረት ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ኣብ ዓለም ዘሎ ብዙሕ ጸገማት ንክርስትያን ነቲ ካብ መንፈሳዊ ሓይላት ሓደ ዝኾነ ዘድልየና ተስፋ ዘዘኻኽር ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ ኣብ ማእከል ዓለማዊ ጉዳያት፡ ከምኡ’ውን ብሰንኪ ክሳራ ወይ ጭንቀት ዝመጽእ ውልቃዊ ቃንዛ፡ ናብቲ ናይ ምድሓን ሓይሊ ዘለዎን ስለ ዘፍቅረና ኩሉ ግዜ ቀረባና ዝኾነ ኢየሱስ ክጥምቱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም መንእሰያት ዓዲሞም፣ “ኢየሱስ ከም ዘፍቅረናን ከም ዘድሕነናን ርግጸይና መርትዖ፣ ኣብ መስቀል ሕይወቱ ምእንታና ምሃቡ እዩ፣ ብሓቂ ክንዛረብ እንተዳ ኮይንና ምእንቲ እቶም እተፍቅሮም ህይወትካ ካብ ምሃብ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦን“ ምስ በሉ፣ ተስፋ ኣብ ምሉእ ህይወትና ወትሩ ከሰንየና ምዃኑን፡ ኣብቲ ብርግጽ ክለዓል ዝኽእል ህቦብላታትን ጸገማትን መልሕቕና ይኸውን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ እምነት ካቶሊክ እቲ ኣዝዩ ባህ ዘብል ነገር፣ እግዚኣብሔር ባዕሉ “ስለ ፍጡራቱ ክሳቐን ክመውትን ፍቓደይ ኮነ፣ እግዚኣብሔር ምእንታና ክሳብ ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ክሳብ ምሃብ ኣፍቀረና!” ዝብል ርግጸይናነት እዩ። ሰብኣውነት ካብቲ ኣዝዩ ዘፍቅረና እግዚኣብሔር ዝፈርሖ ነገር የብሉን፣ ብቐጻሊ ዘይጠፍእ ሕይወት የቕርበልና። ቤተ ክርስቲያን ዝኽሪ ናይቲ ኢየሱስ ንኸድሕነና ዝፈጸሞ መስዋእቲ ብቕዱስ ቁርባን መዓልታዊ ብጽባቐ ቅዳሴን ከም እተመሓላልፍ ኣዘኻኺሮም፣ እዚ ድማ ኣገልገልቲ መሰውኢ ነቲ ካህን ነዚ ዓቢይ ምስጢር እዚ ኣብ ምብዓል ይሕግዝዎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
“ክቡራት ኣገልገልቲ መንበረ ታቦት፡ ጽምብል ስርዓተ ቅዳሴ ሎሚ የድሕነና! ሎሚ ንዓለም የድሕን! ኣብ ሕይወት ክርስትያንን ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያንን እቲ ዝዓበየ ኣገዳሲ ፍጻመ እዩ፡ ምኽንያቱ ምስቲ እግዚኣብሄር ብፍቕሪ፡ ደጋጊሙ፡ ገዛእ ርእሱ ዝህበና ምርኻብ እዩ . . . መስዋዕተ ቅዳሴ ካብ ግዴታ ተበጊስና ዘይኮንና ካብ ፍቅርን ካብ ናይ ገዛእ ርእስና ድልየት እግዚኣብሔር ሕይወትን ተበጊስና ኢና እንሳተፍ ምስ በሉ፣ ንኹሎም ንፈረንሳውያን ኣገልገልቲ መንበረ ታቦት ንሰበኻታቶም ብዝገበርዎ ልግሲ ኣመስጊኖም፣ ወትሩ “ዕብየትን ቅድስናን ናይቲ ዝብዓል ኣብ ኣእምሮኦም ክሕዙ” ተማሕጺኖም።
“ኣተሓሳስባኹም፡ ስቕታኹም፡ ክብሪ ኣገልግሎትኩም፡ ጽባቐ ሊጡርጊያን ስርዓትን ግርማ ምንቅስቓስ ኣገልግሎትኩም፡ ንምእመናን ናብቲ ዓብይ ቅዱስ ምስጢር ይመርሖም፣ “ኣብ ፈረንሳይ ዘሎ ዋሕዲ ካህናት ንቤተ ክርስቲያንን ዓቢ ጸገም እዩ፣ ስለዚ መንእሰያት ጸዋዕታ ክህነት ወይ ገዳማዊ ሕይወት ከስተውዕሉ ድማ ምዒዶም፣ ኣገልገልቲ መንበረ ታቦት ኣብ ቅዳሴ ካብ ምግልጋል ዝመጽእ ሓበንን ሓጎስን ክምስክሩን ንዓለም ምልክት ተስፋ ኣብ ምቕራብ ክጸንዑን ተላብዮም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።