MAP

ር. ሊ. ጳ.፦ ልባዊ ጓሂ ናብ ንስሓን ሓጐስ ዝምርሕ ክፉት ኣፍደገ ክኸውን ይኽእል እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንእሙናን በቲ ምሕረተይና ፍቕሩ እተቐበልና ፍቑራት ደቂ ኣምላኽ ምዃንና ክዝክሩ ተማሕጸንዎም፣ በዚ ኸምዚ ድማ ቅኑዕ መንገዲ ንስሓ ሃሰስ ብምባል ወላ እኳ ተነቀፍቲ እንተ ኾና ናብ ድሕነት ከብጽሓና ከም ዝኽእል ገሊጾም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣምላኽ ካብ ምፍቃር ፈጺሙ ኣየቋርጽን እዩ እሞ፣ ንጓሂ ብቕንዕና እንተ ተቐቢልናዮ ናብ ንስሓን ሓጐስን ዘብጽሕ ኣጋጣሚ ኪኸፍተልና ይኽእል እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነዚ ዘጸናንዕ መዘኻኸሪ እዚ ኣቕረቡ። እዚ ዘካየድዎ መደብ ድማ ቅድሚ እቲ ድሕሪ ቐትሪ ንሒደት መዓልትታት ናብ ካስተል ጋንዶልፎ ብምኻድ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ቅድሚ ምውሳዶም ኣብ ቫቲካን ንመወዳእታ ግዜ ዘካየድዎ መደብ ኢዩ ዝንበረ።

ኣብ ከተማ ሮማ ብርቱዕ ሃሩር ስለ ዘሎ ድማ እዚ መደብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ እተሰምየ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኢዩ ተኻየዱ። በዚ ኸምዚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብቲ ኣዳራሽ ኪኣትዉ ዘይክእሉ ምእመና ውን ሰላምታ ኣቕረቡሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ   (@Vatican Media)

ንምዅናን ዘይኰነስ ንኣስተንትኖን ፍቕርና ንምግላጽን

ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ፍረ ነገር ኣመተ ኢዮቤል “ክርስቶስ ተስፋና ኢዩ” ንዝብል ጭርሖ ዝገልጽ ተኸታታሊ ትምህርትታቶም ብምቕጻል፣ ብዛዕባ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ኣሕሊፉ ኸም ዚህቦ ዝገለጸሉ ናይ መወዳእታ ድራር ብምስትንታን፣ ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ውን ብዛዕባ ሕማማትን ሞትን ትንሳኤን ጐይታናን ምድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣተኲሮም ኣስተምሃሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ብፍላይ ነቲ ኢየሱስ ኣብ እዋን ድራር ፋሲካ "ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፣ ሓደ ኻባኻትኩም ኣሕሊፉ ዝህበኒ፣ ምሳይ ውን ኣብ መዓዲ ዝተቐመጠ ኣሎ" ዝበሎ ጥቕሲ ኣመልኪቶም ኣስተንተኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም እዚ "ከቢድ ቃላት" ኢዩ በሉ። "ፍቕሪ ሓቂ ክንዲ ዝኾነት፣ ብዘይ ሓቂ ፍቕሪ ክህሉ ስለ ዘይክእል ምእንቲ ኼርኢ ኢሉ እምበር ኪዅንኖም ኢሉ ኣይኮነን ነዚ ኣይዛረቦም" ውን በሉ።

እንተዀነ ግን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ነገራ ዝዛረበሉ መገዲ ዘገርም ምዃኑ ውን ገለጹ። ድምጹ ዓው ኣየበለን ኣጻብዑ ውን ኣየወጣወጠን ስም ይሁዳ እውን ኣይጠቐሰን።

ኣብ ክንድኡስ ጐይታ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብብሕቱ ከስተንትነሉ ብዝኽእል መገዲ ኢዩ ዝዛረቦ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተዘክሮኦም እንክገልጹ "ልክዕ ከምኡ እዩ ዝነበረ፦ 'ኪጭነቑን ነፍስወከፎም' ብርግጽ ኣነ ኣይኰንኩን' ኪብሉ ጀመሩ" ክብሉ ውን ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ   (@Vatican Media)

ጕዕዞ ድሕነት በቲ ንስሓን ለውጢ ህይወትን ዝገበሩሉ ኢዩ ዝጅምር

እዛ ሕቶ እዚኣ "ኣነ ዶ ይኸውን?" ዝበልዋ —ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ ሓደ ኻብቲ ንርእስና ኽንሓታ እንኽእል ውሳጣዊት ሕቶ ክትከውን ከም ዚኽእል ውን ኣመልከቱ።

"እዛ ሕቶ ነቶም ንጹሓት እትምልከት ጕዳይ ዘይኰነትስ፣ እቲ ተነቃፊ ምዃኑ ዚፈልጥ ወደ መዝሙር ደኣ እምበር፣ ኣውያት ናይቲ በዳሊ ዘይኰነስ ናይቲ ክጐድእ ዚደሊ ሕሹዅሹዅታ ኢያ" በሉ።

እንተዀነ ግን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ "ጕዕዞ ድሕነት በዚ ፍልጠት እዚ ኢዩ ዝጅምር" ብምባል፣ እዚ ምርዳእ እዚ ከጕህየና ከም ዘይብሉ ሓሳባቶም ኣካፈሉ። "ኢየሱስ ምእንቲ ኼዋርደና ኢሉ ኣይኰነን ነዚ ሕቶ ዘቕርበልና። ኬድሕነና ስለ ዝደለየ እዩ ሓቂ ዚዛረብ ዘሎ።"

ለውጢ እትገብረሉ ስፍራ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም ምእንቲ ክድሕኑ "ሓደ ሰብ ኣብቲ ጕዳይ ከም እተኻፈለ ዀይኑ ኺስምዖ፣ ኵሉ እዚ ነገራት እናሃለወ ኽነሱ እኳ ፍቑር ከም ምዃኑ ምእንቲ ኺስምዖን ከምኡ ውን እቲ እከይ ክውንነት ምኳን ኺስምዖን መወዳእታ ግን ከም ዘይኮነ ምእንቲ ክርዳእን" እዚ ዚብል ስምዒት ኪስምዖን ስለዘለዎ ኢዩ።

እቶም ዓሚቝ ፍቕሪ ብሓቂ ዝተረደ’ኡ ጥራይ እውን ነቲ ናይ ጥልመት ቍስሊ ክቕበልዎ ከም ዝኽእሉ ኣዘኻኸረና።

"እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዝተደምዖም ድማ ጓሂ ደኣ እምበር ቍጥዓ ኣይነበረን። ኣይሓረቁን ግን ከአ ሓዚኖም እዮም። እዚ ስቓይ እዚ ኣብቲ ጕዳይ ካብ ምክፋል ዝምንጭ ኢዩ ዝነበረ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ብልክዕ እዚ ሓዘን እዚ ብቕንዕና እንተ ተቐቢልናዮ ናብ ንስሓ ዝመርሓራ መንገዲ ይኸውን ኢዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ   (@Vatican Media)

ዳግም ንምውላድ ዘሎ ስቓይ

ወንጌል ንእከይ ክንነጽጎ ዘይኰነስ እንደገና ንኽንውለድ ዜሳቒ ኣጋጣሚ ኸም ዝዀነና ኣፍልጦ ኽንህበሉ ኸም ዚምህረና ውን ገለጹ።

"ድሕርዚ ኢየሱስ ዘጨንቐናን ከም እንሓስብ ዝገብረናን ሓንቲ ሓረግ ወሲኹ ከምዚ በለ - 'ግናኸ እቲ ወዲ ሰብ ኣሕሊፉ ዝህብ ሰብኣይ ወይለኡ። እቲ ሰብ እቲ እንተ ዘይውለድ ምሓሾ ነይሩ (ማር 14፡21)" በሉ።

"እምብኣር ከስ እዚ መርገም ኣይኰነን። ብቋንቋ ግሪኽ እታ 'ወይለኻ' እትብል ቃል ከም ድጕዓ ወይ 'ወይለኡ' እትብል ቃል ካብ ልቢ ዝመነጨን ዓሚቝን ድንጋጸ እተለዓዕለት ቃል እያ እትመስል"።

"ምፍራድ ልማድና ኢዩ። ኣብ ክንዳኡስ ኣምላኽ ንመከራና ይቕበሎ እዩ" ክብሉ ውን ኣስመሩሉ።

ንርእስና ካብ ድሕነት ክተልግስ ኣይንፍቀድ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ጐይታ ንእከይ ምስ ረኣየ ሕነ ኸም ዘይፈዲ ዘይኮነስ የግዳስ ከም ዚሓዝን ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ከምዚ ብምባል ውን ገለጹ - "'ከቶ እንተ ዘይውለድ ምሓሾ' ወይልኡ ዝበሎ ኵነኔ ከም ዘይኰነ በዚ ምኽንያት እዚ ክግንዘቦ ዝኽእል ሓቂ ኢዩ - ነታ ዝፈጠረትና ፍቕሪ እንተ ነጺግናያ—ብኽሕደት ንገዛእ ርእስና እንተ ድኣ ጠሊምናያ—ብሓቂ ንትርጕም ናይቲ ናብ ዓለም እተፈጠርናሉ ሓቂ ከነጥፍኦ ንኽእል ኢና።  ንርእስና ድማ ካብ ምድሓን ነልግሳ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ   (@Vatican Media)

ብርሃን ኣብ ጸልማት ክበርህ ይጅምር

እንተዀነ ግን ኣብቲ ጸልማት ዝወረሶ እዋን እውን ከይተረፈ እቲ ብርሃን ከም ዘይጠፍእ የግዳስ "ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ክበርህ ይጅምር" ብምባል እቲ ቅዱስ ኣቦና ኣስተንትኖኦም ቀጸሉ።

ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ድሩትነትና እንተ ፈሊጥና ብስቓይ ክርስቶስ እንተ ተተንኪፍና ኣብ መወዳእታ እንደገና ኽንውለድ ንኽእል ኢና" ብምባል መረጋገጹ፣ ከመይሲ "እምነት ካብ ተክእሎታት ሓጢኣት ኣየናግፈናን ኢያ፣ የግዳስ ወትሩ ካብኡ ክንወጽእ ዘኽእለና መንገዲ ኢያ እተቕርበልና፣ እዚ ድማ ምሕረት ኢዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ዝዀነ ይኹን ዕርክነት ካብ ሓደጋ ጥልመት ናጻ ኸም ዘይኰነ "ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና" ስለዚ ኢየሱስ በቲ ተነቃፊ ምዃንና ኸም ዘይጽየፍና ውን ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስተምህሮኦም ብምቕጻል፣ ኮይኑ ግና ከምዚ ብምባል ሓሳባቶም ደገሙ - "እንተዀነ ግን ምስ ሰዓብቱ ኣብ መኣዲ ኮፍ ይብል፣ ምስቶም ዝኸድዕዎ እውን ከይተረፈ እንጌራ ምቍራስ ኣይገደፈን።"

ቅዱስ ኣቦ ወሲኾም "ስቕ ዚብል ሓይሊ ኣምላኽ እዩ፣ ንሱ በይኑ ኸም ዚተርፍ እናፈለጠ ኽነሱ፣ መኣዲ ፍቕሪ ካብ ምስራዕ ግን ዓዲ ኣይወዓለን" ብምባል ውን ኣጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ   (@Vatican Media)

ደድሕሪ ድሕነት ምስዓብ

ብድሕርዚ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመና ከምዚ ዝስዕብ ክብሉ ጻውዒት ኣቕረበሎም።

"ፍቑራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሎሚ እውን 'ኣነ ዶ ይኸውን?' ኢልና ብቕንዕና ንርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና።" ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም እተኸሰስና ዀይኑ ስለ እተሰምዓና ዘይኰነስ ኣብ ልብና ንሓቂ ዚኸውን ቦታ ብምኽፋት እዩ ክብሉ ውን ተማሕጸኑ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ድሕነት ዚጅምር፣ ንሕና ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና ትውክልቲ እነፍርሶ ንሕና ኽንከውን ከም እንኽእል ምስ እንፈልጥ፣ ግናኸ ንሕና እውን ክነቃንዖን ክንቍጠብን ከነሐድሶን ከም እንኽእል ብምፍላጥ እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ   (@Vatican Media)

ንኣምላኽ ከዲዕናዮ እኳ እንተ ዀንና በቲ ንደቁ ዘለዎ ፍቕሪ ኽንቅየር ንኽእል ኢና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም እዚ ዓብዪ ተስፋ ኸም ዚህበና ኣጕልሑ።

"ዋላ እኳ እንተ ቀደቕና፣ ኣምላኽ ፈጺሙ ኸም ዘይጐድኣና ፈሊጥና እዚ ተስፋ እዚ ከም ዘሎና ንሕሰብ። ዋላ እውን ከዲዕናዮ እንተ ዀንና ካብ ምፍቃርና ፈጺሙ ኣየቋርጽን እዩ ። በዛ ትሕትን ቍስልትን ወትሩ እምንትን ዝዀነት ፍቕሪ እንተ ተተንኪፍና ኸኣ ብሓቂ ዳግም ክንውለድ ንኽእል ኢና።"

እዚ ኸኣ "ከም ከዳዓት ዘይኰነስ ከምቶም ወትሩ ዝፍቀሩ ውሉድ" ንኽንነብር ከም ዜኽእለና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምስትንታን ትምህርቶም ደምደሙ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ   (@Vatican Media)
13 Aug 2025, 16:18