MAP

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ናይ ኢየሩሳሌም ፓትሪያርካት ጻውዒት ምንቲ ሰላም ኣብ ቓዛ ይሓብሩ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ናይ ኢየሩሳሌም ፓትሪያርካት ጻውዒት ምንቲ ሰላም ኣብ ቓዛ ይሓብሩ  (MAHMOUD ISSA)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ናይ ኢየሩሳሌም ፓትሪያርካት ጻውዒት ምንቲ ሰላም ኣብ ቓዛ ይሓብሩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ክብልን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ከባቢ ብናጽነት ክውሕዝን ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢየሩሳሌም ፓትሪያርክን ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክን ኣብ ዘቕረብዎ ሓባራዊ ጻውዒት እሓብር ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 26 ነሓሰ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላን ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶድክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ተዎፍሎስ ሳልሳይን ኣብ ቓዛ ሰላም ክረጋገጽ ዘቕረብዎ ናይ ሓባር ጻውዒት፣ “ኮነ ኢልካን ብግዴታን ጃምላዊ ምምዝባል ሰላማውያን ሰባት” ምኽንያታዊ ክግበር ዘኽእል ምንም ዓይነት መርትዖ የሎን ከም ዝበሉን ክዝከር እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 27 ነሓሰ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርቶስ፣ ድምጾም ምስቲ ናይቶም ክልተ ፓትሪያርካት እሓብር ቢሎም፣ “ሎሚ ነቶም ዝምልከቶም ወገናት ይኹን ንማሕበረሰብ ዓለም ሓያል ጻውዒት አሐድስ፣ ነቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ብዙሕ ራዕድን ዕንወትን ሞትን ዘስዓብ” ዘሎ ግጭት መወዳእታ ክግበረሉን፥ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ቓዛ ብውሑስ መንገዲ ክኣቱን ሓለዋ ሰላማውያን ሰባት ክግበርን፣ ከምኡ እውን ኩሎም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ሓራ ክወጹ፡ ቀዋሚ ተኹሲ ደው ምባል ክህሉን፡ ብፍላይ ድማ ሰላማውያን ሰባት ናይ ምክልኻል ግዴታን ሓባራዊ መቕጻዕትን ህዝብታት ብግዴታ ከመዘበሉን ብዘይ ኣፈላላይ ሓይሊ ምጥቃምን ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ነታ እተባረኸት ድንግል ማርያም ሰላም ክወርድ ምእንታና ክትጽሊ ብምሕታት ዘቕረብዎ ምሕንጽንታ እንክዛዝሙ፣

"ንማርያም ንግስቲ ሰላም ምንጪ ምጽንናዕን ተስፋን ኣማላድነታ ንለምን፣ ኣማላድነታ ኣብ ቅድስቲ መሬትን ንዅላትና ኣኽቢርና እንርእዮ ዕርቅን ሰላምን የሀልው” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓባራዊ ጻውዒት ሰላም

ዑደት ዓመጽ ክውዳእን ናይ ሓባር ረብሓ ድማ ቀዳምነት ክወሃቦምን ንሓትት፣ "ኣብ ዞባታትን ኣብ ህይወት ሰባትን ዝወረደ ክግመት ዘይከኣል ዕንወት ይኣክል . . . ሰላማውያን ሰባት ከም እሱራትን ጅሆን ኣብ መዓታዊ ኩነታት ክነብሩ ምግባር ምኽንያታዊ ዝገብሮ መርትዖ የሎን። ሕጂ ብኹሉ ወገን ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ ዝፍወሱሉ እዋን እዩ" ዝብል ሓሳብ ዝተሰመረሉ ከም ዝኾነን፣ ፓትርያርክ ካርዲናል ፒዛባላን ፓትሪያርክ ተዎፍሎስ ሳልሳይን “ምእንቲ ቓዛን ንብዘላ ቅድስቲ መሬት ብመገዲ ፍትሕን ሕይወትን ክንመላለስ” ልብታት ክቕየሩ ንጽልይ . . . ከም ዝበሉን፣ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላን ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢየሩሳሌም ፓትርያርክ ቴዎፍሎስ ሳልሳይን፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ድሕሪ እቲ እስራኤል ኣብ ከተማ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊ ቤተክርስትያን ቅድስቲ ስድራቤት ዝፈጸመቶ፣ ሰለስተ ሰባት ንሞት ዝዳረገን ካልኦት ሓያሎ ድማ ዘቑሰለን መጥቃዕቲ ኣብ ቓዛ ዑደት ኣካይዶም ከም ዝነበሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ክልቲኦም መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ መግለጺ፣ ሰበኻ ካቶሊክን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያ ቅዱስ ፖርፊርዮስን ዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ኲናት እስራኤልን ሓማስን ካብ ዝጅምር ኣማኢት ሰላማውያን ሰባት ከምዘዕቆቡ ኣዘኻኺሮም፣ “ንሕብረተሰብና ጥራይ ዘይኮነስ ንመላእ ህዝብና ኣብ ባይታ እንታይ ከም ዝኸውን ብልክዕ ኣይንፈልጥን ኢና - ቢሎም - “እቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ጥራይ ኢና ክንደግሞ እንኽእል፡ ኣብ ምርኮ፡ ምምዝባል ፍልስጤማውያን ወይ ሕነ ምፍዳይ ዝተመርኮሰ መጻኢ ክህሉ ኣይክእልን እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ናይ ኢየሩሳሌም ፓትሪያርካት ጻውዒት ምንቲ ሰላም ኣብ ቓዛ ይሓብሩ
27 Aug 2025, 17:16