MAP

ር. ሊ. ጳ.፦ ጐይታ ሰናይ ክንገብር ይዕድመና ኣሎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምምርሖም፣ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ "ኣብ ዓለም ሓሶት ዝመርጹ ስለ ዘለዉ፣ ንሓቂ ምምስካር ዋጋ ኣለዎ" ብምባል ኣዘኻኸሩ። 'ንክፍኣት ሕነ ብምፍዳይ ከይምንምልስ' ድማ ተማሕጽኑ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቶም "ብእተፈላለየ ዅነታትን መገድታትን" ክንመስሎም እንኽእል ሰማእታት "ብፍቕሪ ንሓቂ እሙናት" ክንከውን ድማ ተማሕጸኑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር  ኣብ ዝለገስዎ ፣ ከምቲ ጐይታ ባዕሉ ከም  

 ዝበሎ "ምልክት ግርጭት" ደኣ እምበር "ዓራት ጽጌረዳ " ስለ ዘይኰነ፣ እቶም ንተልእኾ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪስዕቡ ዝመርጹ ሰባት ኬጓንፎም ይኽእል እዚ ኢዩ ክብሉ መስከሩ። ቅዱስነቶም ኣብቲ ኣብ ኣልባኖ ዝርከብ ቤተ-መቕደስ ቅድስተ ማርያም ዘሮቶንዳ ናይ ዕለተ ሰንበት መሥዋዕተ ቅዳሴ ድሕሪ ምዕራግ፣ ኣብቲ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዝርከብ ፒያዛ ደላ ሊበርታ ተኣኪቦም ዝነበሩ 2,500 ዝዀኑ ነጋድያን ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ኣካፈልዎም። 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ኣስተንትኖኦም እቲ "መልእኽቲ ፍቕርን ፍትሕን" ጐይታ ብኸመይ ከም 'ዝነጽግን' ከምኡውን በዚ ምኽንያት እዚ "ከም ዚጽረፍ ከም ዝዕንቀፍን ከም ዚጽረፍን ከም ዝዕመጽን ከም ዝስቀልን" ውን ገለጹ።

ብዙሓት ቀዳሞት ክርስትያን እውን ተመሳሳሊ ተመክሮ ኣሕሊፎም ኢዮም - "ናይ ገዛእ ርእሶም ድሩትነት እናሃለዎም ክነሱ፣ በቲ ናይ ጐይታ መልእኽቲ ፍቕሪ ብዝበለጸ ክመላለሱ ዝጽዕሩ ሰላማውያን ማሕበረሰባት ኢዮም ዝነበሩ። እንተዀነ ግን ስደትን መከራን ይወርዶም ነበረ" በሉ።

ንጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ቅርዓት ፍሪደም እተኣከቡ ምእመናን
ንጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ቅርዓት ፍሪደም እተኣከቡ ምእመናን   (@Vatican Media)

ሰናይ ብምግባር ምጽናዕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓገዙ ተስፋ ከይንቈርጽን ምስ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ተሰማሚዕና ኽንነብርን ዘይኰነስ ነቶም መከራ ዜምጽኡልና እውን ከይተረፈ ሰናይ ክንገብር ከም ዝዕድመና ገለጹልና። ወሲኾም ድማ "ንክፍኣት ሕነ ብምፍዳይ ዘይኰነስ ብፍቕሪ ንሓቂ እሙናት ብምዃን ኽንቅጽል" ከም እተጸዋእና ድማ ገለጹ።

ምስ ወንጌላዊ ጸዋዕታና ተሰማሚዕና ምንባር

ክርስቲያን ሰማእታት በቲ ኣብ ሓቂ ዝነበሮም እሙንነት "ምእንቲ ሓቂ ዝኾነ እምነቶም ደሞም ብምፍሳስ” ድማ ንሓቂ እሙናት ምዃኖም ኣርእዮም ኢዮም፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ንሕናውን ኣብ እተፈላለየ ዅነታትን መገድታትን እውን ከይተረፈ ኣብነቶም ክንስዕብ ንኽእል ኢና" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንነጋድያንን ምእመናንን ሰላምታ እንከቕርቡ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንነጋድያንን ምእመናንን ሰላምታ እንከቕርቡ   (@Vatican Media)

ንኣብነት ንፉዓት ወለዲ ንደቆም ብጽቡቕ ስርዓታት ኪምህርዎም እንተ ደልዮም ኪኸፍልዎ ዘለዎም ዋጋ እስከ ንርአ ። ኣብ መወዳእታ "ኣይፋል" ኪብሉን ንደቆም ኪእርምዎምን እዮም፣ እዚ ኸኣ ኬሳቕዮም እዩ።

ንሓደ "ተመሃሮኡ ብግቡእ ሥርዓት ከሰልጥን ዝደሊ መምህር " ወይ ከኣ ንሓደ "ተልእኾኡ ብቕንዕና ክፍጽም ዝደሊ ክኢላ፣ መራሒ ሃይማኖት ወይ ፖለቲከኛ" ወይ ከኣ "ሓላፍነታቱ ብመሰረት ትምህርትታት ወንጌል ብቐጻሊ ክስዕብ ዝጽዕር ሰብ" እውን ተመሳሳሊ ነገር ኢዩ ዘጋጥሞ ክብሉ ውን ኣስተምሃሩ።

ምእመናን ንጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ካስተል ጋንደልፎ እተረኽቡ
ምእመናን ንጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ካስተል ጋንደልፎ እተረኽቡ   (@VATICAN MEDIA)

እሙናትን ተባዓትን መሰኻኽር ክርስቶስ ምዃን

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ንወዳ እሙናትን ተባዓትን መሰኻኽር ክትከውን ነቶም ሎሚ ምእንቲ እምነት ዚሳቐዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከኣ ክትድግፎም" ምእንቲ ኽትሕግዘና ኵሉ ምእመን ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንግስቲ ሰማእታት ኪጽሊ ኣተባብዕዎም።

18 Aug 2025, 16:05