MAP

2025.05.22 cardinale Estanislao Esteban Karlic, arcivescovo emerito di Paraná 2025.05.22 cardinale Estanislao Esteban Karlic, arcivescovo emerito di Paraná 

ር. ሊ. ጳ. ልዮን ነቶም መፍቀሬ ቤተክርስትያን ዝነበሩ ካርዲናል ካርሊክ ከም እሙን ጓሳ ይዝክሩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣርጀንቲናዊ ካርዲናል ብፁዕ ኣቡነ ኢስታኒስላኦ ኢስተባን ካርሊክ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሕዘን መልእኽቲ፣ ብዛዕባ እቲ ንኣምላኽን ንቤተ-ክርስትያንን ኣብ ምግልጋል ዘሕለፍዎ ህይወት ብምዝካር "ብርሃን ወንጌል ናብ እተፈላለየ መዳያት ህይወትን ባህልታትን ከም ዘብጽሑ" ከምኡውን ኣብ ህንጸት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣበርክቶ ኸም ዝገበሩን ገለጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 8 ነሓሰ ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣርጀንቲናዊ ብፁዕ ካርዲናል ኢስታኒስላኦ ኢስተባን ካርሊክ ናብ ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ኣርጀንቲና ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ራውል ማርቲን ብዓል ፓራና ናይ ቴለግራም መልኽቲ ብምልኣኽ ሓዘኖም ገለጹ። እቶም ናብ ዘልዓለማዊ ሕይወት ዝሓለፉ ካርዲናል፣ ነዚ ሰበኻ እዝን ንምእመናን ሰበኻ ቆርዶባን ከም ካህንን ጳጳስን ኰይኑ ዘገልገሉ ኢዮም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም "ንዅሎም እቶም ክፍሊ ናይቲ ፍቑር ማሕበረሰብ ዝዀኑ" ከምኡውን ነቶም "ነዞም ለጋስን ቅኑዕን ጓሳ" ዝሰኣንዎም ሰባት ዘለዎ ጥብቅ ቅርበት ገለጹ።

ንብርሃን ወንጌል ናብ ህይወትን ባህልታትን ሰባት ምምጻእ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መልእኽቶም ብምቕጻል "ንሓያሎ ዓመታት ብተኣማንነት ህይወቶም ንኣምላኽን ንቤተ ክርስትያንን ኣብ ምግልጋል ዘወፍዩ ኢዮም" ብምባል፣ "ንብርሃን ወንጌል ናብ እተፈላለየ መዳያት ናብራን ባህልን ዘበጽሑ ሓዋርያ ኢዮም" ክብሉ መስከሩሎም። ብፁዕ ካርዲናል ካርሊክ ኣብ መበል 99 ዓመቶም ናብ ሰማያዊ ቤት ኣቦ ተሳገሩ። ንጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሃገረ ኣርጀንቲና ከአ ንኽልተ ተኸታታሊ ዙር መርሕዎ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናብ ላቲን ኣመሪካ ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ ድማ ንቅዱስነቶም ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐበልዎም።

ንኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን ብልግሲ ምግልጋል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መልእኽቶም ኣስዒቦም "ገለ ኻብቲ ኣብ ኣከባቢያውን ሃገራውን ኣህጉራውን ደረጃታት ዝነበሮም ብዙሕ ሓላፍነታትን ናይ ጕስነት ተበግሶታትን፣ ከምኡ ውን ኣብ ህንጸት  ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ብምትሕብባር ገዛእ ርእሶም ዘወፈዩ ኣብ ኣገልግሎት ኣድማሳዊ ቤተ-ክርስትያን ብልግሲ ዝተወፈዩ ኣቦ ነበሩ" ክብሉ ውን መስከሩሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ መልእኽቶም "ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይጽምሉ ኣኽሊል ኽብሪ ምእንቲ ኽህቦም" ምእንቲ እታ ናብ ዘልዓለማውይነት ዝተሳገረት ነፍሶም ብምጽላይ "ስለ እታ ናይ እምነት ህይወቶምን ንቤተ-ክርስትያን ዝነብሮም ዓሚቝ ፍቕርን" ንኣምላኽ ኣመስገኑ።

11 Aug 2025, 16:55