MAP

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ብምኽንያት ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ዝሞቱ ስደተይናታት ሓዘኖም ይገልጹ ር.ሊ.ጳ. ልዮን ብምኽንያት ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ዝሞቱ ስደተይናታት ሓዘኖም ይገልጹ  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ብምኽንያት ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ዝሞቱ ስደተይናታት ሓዘኖም ይገልጹ

ኣብ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃብታማት ነዳዲ ዘፍርያ ሃገራትን ንኽኣትዉ ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ዝነበሩ መብዝሕቲኦም ኢትዮጵያውን ዝርከብብዎም ስደተይናታት ዝጸዓነት መርከብ ብዘጋጠማ ሓደጋ ምጥሓል ብዙሓት ስደተይናታት ͍ዳያት ከም ዝኾኑ ዝተሓበሩ ር.ሊ.ጳ. ልዮም መበል 14 ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ብዘጋጠማ ሓደጋ ምጥሓል መርከብ ዝሞቱ ዘሕደረሎም ዓሚቝ ሓዘን ከም ዝገለጹን፣ ቅዱስነቶም ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ብይብጻሕ ኣብ የመን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽን ኣብ ሓውሲ ደሴት ዓረብ ሓዋርያዊ ወኪል ሊቀ ጳጳሳት ዛክያ ኤል - ቃሲስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ናብ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ከም ዘረከቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፣ "ነቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ብዙሓት ስደተይናታት ንፍቕራዊ ምሕረት ልዑል ኣምላኽ አማሕጽን - ቢሎም - ብተወሳኺ ነቶም ካብቲ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ዝተረፉን ንሰራሕተይናታት ህጹጽ ረድኤትን ንኹሎም በዚ ዝወረደ መዓት ዝተሃስዩን "መለኮታዊ ሓይሊ፡ ምጽንናዕን ተስፋን ክረኽቡ ጸሎቶም ምዃኑ ከም ዘረጋገጹ ኣፍሊጡ።

መንገዲ ሞት

እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ከባቢ ኣካል ናይቲ ንነዊሕ እዋን "መንገዲ ሞት" ተባሂሉ ዝፍለጥ - ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ሓደገይና መንገዲ ስደት ምዃኑ ጉዳይ ስደተይናታት ዝከታተል ኣህጉራዊ ውድብ (IOM) ክሕብር እንከሎ፣ ወሽመጥ ዓደን ናብ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ኣብ ናይ ወጻኢ ጉልበት ዝምርኮሳ ሃብታማት ንግስነታት ወሽመጥ ዓረብን ዝኸዳ ኣስገርቲ ጀላቡ ቀንዲ መስቀላዊ መገዲ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እዚ መስመር’ዚ፡ ብፍላይ ካብ ሶማልያን ኢትዮጵያን ዝመጹ ስደተይናታት ብብዝሒ ዝጓዕዝሉ ምዃኑ ይንገር። እቲ ዕለት 3 ነሓሰ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዞባ ኣብያን ዝውረደ ሓደጋ ምጥሓል መርከብ ብሰንኪ ጽንኩር ኩነታት ኣየር ዘጋጠመ ኮይኑ፣ ብዙሓት ከም ዝሞቱን ገሊኦም እውን ደሃዮም ገና ከም ዘይተረኽበን እቲ ኣብ የመን ዓሰርተ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ገና መዕለቢ ዘይረኸበ ውሽጣዊ ውግእ ነቶም ብወሽመጥ ዓደን ዝጓዓዙ ስደተይናታት ኣብ ሓደጋ ዘእትው ምዃኑ እውን ይንገር።

͍ዳያት

እቶም ኣብዚ ዳሕረዋይ መዓት ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም መብዛሕቲኦም ናብ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ የመን ገጾም ዝጓዓዙ ዝነበሩ ኢትዮጵያን ከም ዝኾኑ ክሕበር እንከሎ፣ ብመሰረት ጸብጻብ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተይናታት (IOM) 157 ሰባት ኣብታ ጃልባ ከምዝነበሩ ይእመን። ክሳብ ሕጂ 76 ሰባት ከም ዝሞቱ ዝተረጋገጸ ኮይኑ፡ 32 ድማ ከም ዝደሓኑን፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ከም ዘይተረኽበ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ኣብ ዓመት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተይናታት ይሞቱ

ኣሽሓት ሰባት ዓመት ዓመት ነቲ ሓደገይና “ምብራቓዊ መንገዲ ባሕሪ” ከም ዝፍትኑን እዚ መስመር እዚ ንዘይስሩዕ ስደት ጥራይ ዘይኰነስ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንዘካይዱ ናይ ገበን ጉጅለታት ዘቃልዕ  ሓደገይና ከም ዝኾነን፣ ኣብ የመን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተይናታት ኣብቲ ጉዕዞ ግህሰትን ምዝመዛን ከምዘጋጥሞም ኣህጉራዊ ውድብ ስደተይናታት (IOM) እንከመልክት፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ኣብ መንጎ ጅቡቲን የመንን ኣብ ዝርከብ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ብውሕዱ 558 ሰባት ከምዝሞቱ የረጋግጽ።

05 Aug 2025, 16:39