ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ክርስትያን ብዛዕባ መከራ ደቂ ሰባት ሓባራዊ ምስክርነት ክህቡ ይላበዉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ ሰሙን ኣብ ርእሰ ከተማ ሽወደን ስቶክሆልም ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ 2025 ኤቍመናዊ ሰሙን ንተጋባእያን ዕለት 22 ነሓሰ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ “ንጉባኤ ኒቅያ ዘነቓቕሐን ንኹላትና ዝመርሓናን ዝቕጽል ዘሎን መንፈስ ቅዱስ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ሕብረትኩም ኣዕሚቑ፡ ነቲ ጐይታ ኣብ መንጎ ሰዓብቱ ኣዝዩ ዝምነዮ ሓድነት ሓድሽ ተስፋ የነቓቕሕ” ኢሎም።
እቲ ንክርስትያን ብሓዳ ጠሚሩ ዝቕጽል እምነት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እታ ቅነ ነቲ መበል 100 ዓመት ዝኽሪ እቲ ኣብ 1925 እተኻየደ ኵላዊ ክርስትያናዊ ዓውደ ኣኼባ ህይወትን ዕዮን ከምኡውን ንመበል 1700 ዓመት እቲ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኣቡናት ኣብ 325 ኣብ ኒቅያ እተኣከቡሉ ናይ መጀመርታ ኤቍመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ከም እተብዕል ዘኪሮም፣ ንመለኮታውነት ኢየሱስ ክርስቶስ ብምርግጋጽ "ኡነተይና ኣምላኽ፣ ካብ ኡነይተይና ኣምላኽ" ከምኡውን ምስ ኣቦ “ሓደ ዓይነት ባህርይ” (homoousios - ብመለኮቱ ምስ ኣቦ ትኽክል ዝኾነ) ከም ዘለዎ ዝገልጽ ኣምር ዘዳለወ ምዃኑ እውን ብምምልካት፣ በዚ መሰረት ድማ "ንክርስትያን ሓድነት ከም ዚህልዎም ዚገብር እምነት ኣዳልዮም እዮም" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ቀደም ምስክርነት እምነት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣስዕብ ኣቢሎም "እቲ ዋዕላ እቲ ኣብ መንጎ ፍልልያት ትብዓት ዝመልኦ ምልክት ሓድነት ኢዩ ዘመልክት ነይሩ፣ እዚ ድማ ሓባራዊ ጸሎተ ሃይማኖት ምክፍፋል/መግምማዕ ክሰግርን ሕብረት ከደንፍዕን ከም ዝኽእል ንዝነበረና እምነት ዘረጋግጽ ናይ መጀመርታ ምስክርነት ኢዩ - ምስ በሉ -
ኣስዕብ ኣቢሎም፣ ነቲ ኣብ 1925 ኣብ ስቶክሆልም ዝተኻየደ ዋዕላ ብፈላሚ ናይቲ ቀዳማይ ኤቍመናዊ ምንቅስቓስ ዝነበረ ናታን ሶደርብሎም ዝተጸውዐ ዋዕላ ተመሳሳሊ ድሌት ህያው ከም ዝገብሮ ኣስተብሂሎም፣ - "ካቶሊካዊት ቤተ - ክርስትያን ኣብቲ ናይ መጀመርታ ኣኼባ እኳ እንተ ዘይዘይወዓለት እቲ ሓድነት ከም ዝህልወና ዝገብረና ነገር ካብቲ ዝኸፋፍለና ኣጸቢቑ ከም ዝዓቢ ኣፍልጦ ብምሃብ ሎሚ ከም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ መጠን ምሳኻትኩም ከም ዘሎና ብትሕትናን ብሓጐስን ከረጋግጸልኩም እኽእል ኢየ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነቲ ኤቍመናዊ መንገዲ ብምሉእ ልባ ተቐቢላቶ ኣላ
ቅዱስ ኣቦና "ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ጀሚራ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብምሉእ ልባ ንኤቍመናዊ መንገዲ ተቐቢላቶ እያ - ቢሎም - Unitatis redintegratio – ሕብረት ክርስቲያን ብዝብል ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝሃቦ ኤቍመናዊ ውሳኔ፣ "ኣብ ናይ ሓባር ጥምቀትናን ኣብ ዓለምና ናይ ሓባር ተልእኾናን ዝተመስረተ ትሑትን ፈቃርን ሕውነት ክንዘራረብ ዝጸወዓና እዩ . . . ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያኑ ዝደልዮ ሓድነት ክርአ ኣለዎ ኢልና ንኣምን፡ ከምዚ ዓይነት ሓድነት ድማ ብቲዮሎጊያዊ ዘተ፡ ብዝተኻእለ መጠን ብሓባራዊ ኣምልኾን ኣብ ቅድሚ ስቓይ ደቂ ሰባት ብሓባራዊ ምስክርነትን ይዓቢ" ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ሰላም ምልክት ህላወ ጎይታ ምሳና እዩ
እዚ ናይ ሓባር ምስክርነት ጻውዒት ኣብቲ ነዚ ኤቍመናዊ ቅነ ዝተመርጸ ቍዉም ሓሳብ፣ “ግዜ ንናይ እግዚኣብሔር ሰላም” ሓያል መግለጺ ዝርከብ ምዃኑ ገሊጾም፣ ካብዚ ንላዕሊ እዋናዊ ክኸውን ዝከኣል ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ "ዓለምና ዓሚቝ በሰላ ግጭት፡ ዘይማዕርነት፡ ምብራስ ከባቢን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምቍራጽ መንፈሳዊ ስምዒትን" ስለዝተሰከመት። ኣብ መንጎ እዚ ብድሆታት እዚ ግን "ሰላም ሰብኣዊ ዓወት ጥራይ ዘይኮነስ ምልክት ህላወ ጎይታ ምሳና ምዃኑ ንዝክር" እንክብሉ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
መብጽዓን ዕማምን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ሰዓብቲ ክርስቶስ ናይ ዕርቂ ኣንጠረይናታት ክኾኑ ተጸዊዖም እዮም: ንምክፍፋል ብትብዓት: ንዘይተገዳስነት ብርህራሄ ክገጥምዎን ኣብቲ መጉዳእቲ ዘለሉ ድማ ፈውሲ ከምጽኡን" ዝተጸውዑ እያቶም - ቢሎም - እዚ ተልእኾ እዚ ብናይ ቀረባ ኤቍመናዊ እምነ ማእዝን እናሓየለ ከምዝኸደ ዘለዎም እምነት ገሊጾም፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጉዕዞ ጸሎትን ብሓባር ምዕያይን ክትቅጽለሉ ምዃና ደጊሞም ከም ዝረጋገጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት።