ር. ሊ. ጳ. ሊዮ ነቲ ኣብ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን እተካየደ ውዕል ሰላም ኣሞገስዎ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ውግእ ከም "መፍትሔ ናይ ዘይምርድዳእና" ጌርካ ክውሰድ የብሉን ክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ደድሕሪ ናይ ዕለተ ሰንብእት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር፣ ናብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን መራሕትን ህጹጽ ጻውዒት ኣቕረቡ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መራሕቲ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ሓላፍነት ክስከሙን ከምኡውን ናብ ሰላም ንምብጻሕ ብንጥፈት ክዓዩን ጻውዒት ኣቕረበሎም፣ ምእንቲ እዚ ሸቶ እዚ ኸኣ ምእምናን ካብ ምጽላይ ከቋርጹ ተማሕጸኑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘቕረብዎ ቃል ምሕጽንታ "ኵሉ ውግኣት መደምደምታ ምንቲ ክግበረሉ ብቐጻሊ ንጸሊ" በሉ። እቲ ሂሮሺማን ናጋሳክን ብኣቶሚካዊ ቦምባ እተደብደቡሉ ዝኽሪ መበል 80 ዓመት፣ ንውግእ ከም ምፍትሔ ግጭታት ጌርካ ምውሳድ ብጽኑዕ ምንጻግ ኣድላዪ ምዃኑ ዓለምለኻዊ ምንቕቓሕ ከም ዘለዓዓለ ውን ኣመልከቱ። "እቶም ስልጣን ዘለዎም ኣካላት ዝገብርዎ ውሳነታቶም ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ዘምጽኦ ሳዕቤን ፈጺሞም ክዝንግዕዎ የብሎምን" በሉ። "ንድሌት እቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ወይ ነቲ ሰላም ንምርካብ ዘለዎም ኣድማሳዊ ግዴታን ዕሽሽ ክብልዎ የብሎምን።"
ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ፦ ኣብ ጐደና ሰላም
ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣርመንያ ኒኮል ፓሺንያን ንርእሰ ብሔር ሃገረ ኣዘርባጃን ኢልሃም ኣሊቭን ብዕለት 8 ነሓሰ ዝፈረምዎ ስምምዕ ምልክት ተስፋ ምዃኑ ሓበሩ። እቲ ሓባራዊ ኣዋጆም ዓቢ ስጕምቲ ንቕድሚት ከም ዝገስግስን ከምኡውን "ኵላትና ኣብ ደቡባዊ ካውከሰስ ርጉእን ነባርን ሰላም ንኺህሉ ኣበርክቶ ኽንገብሩ ተስፋ ንገብር" ክብሉ ውን ኣሞገስዎም።
ኣብ ሃይቲ ዘጋጠመ ሓዘን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገረ ሃይቲ ዝቕጽል ዘሎ ቕልውላው ብምትኳር በቲ "ብተስፋ ቍርጸት ተዋሕጡ ዝርከብ ዘሎ" ህዝቢ ዘሕልፎ ዘሎ ስቃይ ብምግላጽ ዝተሰምዖም ዓሚቝ ጓሂ ገለጹ። ነቲ ኣብታ ሃገር ኣስፋሕፊሑ ዘሎ "ኵሉ ዓይነት ዓመጻን፣ ንግዳዊ ዝውውር ደቂ ሰባትን፣ ብኣስገዳስ ዝፍጸም ዘሎ ምፍንቓላትን ከምኡውን ጭውያን" ኰነንዎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ ከምዚ በሉ - "ንዅሎም ሓላፍነት ዘለዎም ጕጅለታትን፣ ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባትን ብቕልጡፍ ክፈትሕዎም ልባዊ ምሕጽንታ አቕርበሎም ኣሎኹ። ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ድማ "ንህዝቢ ሃይቲ ብሰላም ንኽነብሩ ዘኽእሎም ማሕበራውን ትካላውን ኵነታት" ኣብ ምፍጣር ክሕግዝ ጭቡጥ ደገፍ ክህብ ጻውዒት ኣቕረቡ።