ር. ሊ. ጳ. ናብ ነጋድያን መንእሰያት ሜድጅጎርየ 'በይኑ ዝጕዓዝ የልቦን'
ኣባ ተወልደ መበራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ነጋድያን መንእሰያት ኣብቲ ኣብ ሜድጁጎርየ እተኻየደ መበል 36 ኣህጉራዊ ንግደት፣ ሓቀይና ሰብኣዊ ምትእስሳር ብምድላይ ኣብነት ድንግል ማርያም ክስዕቡ ተማሕጸንዎም።
እቲ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ሜድጁጎርየ ቦዝንያ ከምኡውን ሄርዘጎቪና ኣብ ዝርከብ መካነ ንግደት ቤተክርስቲያን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝካየድ ጽምብል መንእሰያት ካብ 4 ክሳዕ 8 ነሓሰ ተኻይዱ፣ ካብ መላእ ዓለም ንዝመጹ መንእሰያት ከኣ ተሳቲፎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ፍረ ነገር ናይዛ ዓመት እዚኣ ንግደት "ናብ ቤት ጐይታ ንኺድ" (መዝሙር 122፡1) ብውሽጦም ከም እተዛረብዎ ገለጹ።
"ፍቕሪ ጐይታ ኣብኡ እያ እትጽበየና እሞ ናብ ኣምላኽ ዝመርሓና ሃረርታ ናብቲ ከም ቤትና ብሓቂ ዚስምዓና መንበሪኡ ኢዩ" ክብሉ ገለጽዎ።
ኢየሱስ እቲ እንኮ መገዲ ሓቂ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም "መገድና ኸይሰሓትና ኸመይ ጌርና ናብ ቤት ጐይታ ኽንከይድ ንኽእል? " ክብሉ ውን ይሓቱ። መልሲ ናይዚ ድማ ነተን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ "ኣነ መገዲ እየ" (ዮሃንስ 14፡6) ብምባል እተዛረበን ቃላት ጠቐሱ።
"ንሱ የሰንየናን ይመርሓናን፣ ኣብቲ መገዲ የበርትዓናን እዩ" ድማ በሉ። "መንፈሱ ነዒንትና ይኸፍተልና፣ ነቲ ብባዕልና ኽንርድኦ ዘይንኽእል ነገር ንኽንርኢ ድማ ይሕግዘና።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም ኣብ መገዲ ህይወት "ንበይኑ ዝጕዓዝ የልቦን" ክብሉ ውን የስተንትኑ። መገድታትና ወትሩ ምስ ናይ ካልኦት እተኣሳሰረ እዩ። "ንኽንራኸብ ብሓባር ንኽንመላለስ ከምኡውን ሓባራዊ ሸቶ ንኽንረክብ ኢና ተጸውዒና" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ብቅዱስ ኦጐስጢኖስ እተሰናደወ ኣስተንትኖታት ብምጥቃስ ቤት ጐይታ ናይ ርሑቕ ሸቶ ዘይኰነትስ ከም ነግድያን መጠን ነንሓድሕዶም "ንዑናይ ንኺድ! ንዑናይ ንኺድ!"—ዝበሃሃሉ ጕዕዞ ኢዩ። ከምኡ ኺገብሩ ኸለዉ ኸኣ "ንሓድሕዶም ይበራትዑ፣ ከም ሓደ ሃልሃልታ ሓዊ እውን ይዀኑ። እቲ ካብቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ሓዊ እተወልደ ሃልሃልታ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ መገዲ ድማ የብርሃ።"
ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም "ንበይኑ ዝጕዓዝ የልቦን። ንሓድሕድና ንተባባዕ ኢና። ንሓድሕድና ንነቓነቕ ኢና። ሃልሃልታ ሓዊ ልብና ሓድነት ስለ ዘለዎ ኣብ ቅድሜና ዜብርህ ዓብዪ ሓዊ ይኸውን። ንስኻትኩም ፍቑራት መንእሰያት እውን በይንኹም እትጕአዙ ነጋድያን ኣይኰንኩምን። እዛ እትጕዓዙላ ናብ ጐይታ እተብጽሕ መገዲ እዚኣ ብሓድነት እንመላለሳ እያ። እዚ ድማ ጽባቕር ናይታ ኣብ ቤተ-ክርስትያን እትንበር ሃይማኖት ኢዩ።"
ከም ምስሊ ድንግል ማርያም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መልእኽቶም ብምቕጻል፣ በቲ መዓልታዊ ዜጋጥመና ነገራት ኣቢልና "ናብ ቤት ጐይታ ኣብ እንገብሮ ጕዕዞ፣ ብሓባር ክንከይድ ንኽእል ኢና" በሉ ። እንተዀነ ግን ኣብዛ ብሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን ኤለክትሮኒካዊ ተክኖሎጅን እናዓበየት እትኸይድ ዘላ ዓለም ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ኸምዚ ዝስዕብ ሓያል መዘኻኸሪ ኣቕረቡሎም -
"ዝዀነ ይኹን ቀመር ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ንሓቀይና ሕቝፊን ገጽን ምርኻብን ከም ዘይትክኦ ኣይትረስዑ— ምስ ኣምላኽ ምስ የዕሩኽትና ወይ ምስ ስድራቤትና ዘራኽበና ኣይኮነን።"
"ብዛዕባ ማርያም እሞ ሕሰቡ" ክብሉ ውን ይምሕጸኑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘዘኻኸርዎ ቅድስቲ ድንግል ማርያም እውን ንኤልሳቤጥ ጓል ሓትኖኣ ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ጕዕዞ ተጓዕዛ ኢያ። እዚ ቐሊል እኳ እንተዘይነበረ "ንሳ ግን ከይዳቶ ኢያ፣ እቲ ምርኻበን ድማ ሓጐስ ኣምጸኣላ። ዮሓንስ መጥምቕ እቲ ህያው ጐይታ ኣብ ማህጸን ማርያም ከም ዘሎ ፈሊጡ፣ ንሱ ውን ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ ክንሱ ብሓጐስ ተሰራሲሩ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መልእኾትም ብምቕጻል ኣብነት ማርያም ብምስዓብ ንመንእሰያት ኣብ ሓቀይና ምሕዝነት ርክባቶም ከደልድሉ ኣተባብዕዎም -
"ብሓንሳእ ተሐጐሱ ምስቶም ዚበኽዩ ኸኣ ብኸዩ ኣይትፍርሁ" ክብሉ ውን ተማሕጸንዎም።
ቋንቋ እምነትን ፍቕርን
ኣብዛ እተፈላለየ ባህላውን ልማዳውን ፍልልይ ዘለዋ ዓለም ክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መልእኽቶም፣ ነቶም መንእሰያት ብትብዓት ጻውዒት ኣቕረቡሎም። ምኽንያቱ "ካብ ዝዀነ ይኹን ዕንቅፋት ዚብርትዕ ቋንቋ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ቋንቋ ድማ እቲ ብፍቕሪ ኣምላኽ ዚምገብ እምነት እዩ" በሉ።
ነቶም ኣብቲ ንግደት እተሳተፉ መንእሰያት ድማ "ኵሎም ኣባላት እታ ምስጢራዊት ኣካል ጐይታ ዝኾነት ቤተ-ክርስትያን" ምዃኖም ኣዘኻኸርዎም። ስለዚ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ድማ ጻውዒት ኣቕረቡሎም -
"ተፋለጡ ነንሓድሕድኩም ተፋለጡ፣ ኣጆኹም ተፋለጡ። ንሓድሕድና እናተደጋገፍናን እናተበራታዕናን ናብ ቤት ጐይታ ኽንበጽሕ ኢና" ክብሉ ውን መልእኽቶም ዛዘሙ።