ር. ሊ. ጳ. ኣብ ኣልባኖ፦ ብድኻታት ኣቢልና ንክርስቶስ ሓንጐፋይ ኢልና ንቀበሎ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዕለት 13 ነሓሰ ናብቲ ኣብ ካስትል ጋንዶልፎ ዝርከብ ካስተል ሮማኒ ድሕሪ ምኻዶም፣ ኣብ ቤተ መቅደስ ቅድስቲ ማርያም ዘሮቶንዳ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ብሓባር ኰይኖም ካልኣይ መዓልቲ ውን መሥዋዕተ ቅዳሴ የዕርጉ ምህላዎም ንዝረኸብዎ ውህበት ብምሕሳብ ናብቲ ክርስቶስ ድሮ ዝሰሮ ብዛዕባ "ዝዓበየ ውህበት" ማለት ብዛዕባ ሞት ኣተኲሮም ኣስተንተኑ። እዛ ትማሊ ዝጸምበልዋ ሰንበት ነዚ ዓወት እዚ እተዘኻኽር ምዃና ድማ ገለጹ።
ብፍርህን ብጭንቀትን ናብ ቤተ-ክርስትያን ክንመጽእ ንኽእል እኳ እንተ ዀንና፣ ብሓባር ተጋቢእና ቃል ክርስቶስን ኣካሉ ዝኾነት ቤተክርስቲያን ምስ ረኸብና ግና "ብኡብኡ ንበይንና ኣይንኸውንን ኢና" ብምባል ውን ኣፍልጦ ሃቡሉ።
ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ እቲ ጥንታዊ ቤተ መቕደስን ብዛዕባ እቲ "ሮቶንዳ" ዝብል ስያሜኡን ብምስትንታን፣ ክብሪ ቅርጺ ዘለዎ ዘመልክት ከም ምዃኑ፣ እዚ ቕርጺ እዚ "ናብ ማሕጸን ኣምላኽ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም" ዝብል መልእኽቲ ከም ዝመሓላልፈልና ኣመልኪቶም ድማ ኣስተምሃሩ። ብወጻኢ ካብ ማዕዶ ክንዕዘቦ እንከሎና "ቤተ-ክርስትያን ውን ልክዕ ከም ኵሉ ሰብኣዊ ክዉንነትና ኣሸጋሪ ኩውንነት ኮይንኩ ክረኣየና ይኽእል ኢዩ።" እንተዀነ ግን እታ ብዘይ ቅድመ ዅነት እተፍቅረና ፍቕሪ ኣምላኽ ምስ ረኸብና፣ ኣብ ውሽጥና ኣምላኽ ባዕሉ ይግለጽ፣ ኵሉ ቓልስናን ድኽነትናን ድኽመትናን ድማ ይጠፍእ ክብሉ መስከሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣስዒቦም ቅድስቲ ድንግል ማርያም "ምልክትን መርኣያን ኣደ ኣምላኽ" ከም ምዃና ውን ገለጹ። ቤተ-ክርስትያን ብእኣ ኣቢላ ንዓለም ብሓይሊ ዘይኰነስ ብወፈያኣ እተሐድሳ ኣደ ትኸውን።
ሰላም ምጽንናዕ ኣይኰነን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስብከቶም ናብ መልእኽቲ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ብምምላስ "ዓለም ንሰላም ምስ ምጽንናዕን ለውሃትን፣ ብህድኣት ንኸነደናግሮ እያ እተሰልጥነና" ብምባል ውን ኣጕልሑ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስድራ ቤታትን ፈተውትን ኪፈላለዩ ስለ ዚኽእሉ 'ኣብ ምድሪ ሓዊ ክኽዑ' ኸም ዝመጸ እተዛረበ። ገሊኦም ሰባት ነቲ ኣብ ሕይወት ኼጋጥመና ዚኽእል ብድሆታት ዕሽሽ ብምባል ካብ ሓደጋ ኽንርሕቕ ሰላምን ህድኣትን ንምርካብ ከኣ ክንሰርሕ ይነግሩና ይዀኑ ክብሉ ውን ኣመልከቱ።
ይኹን እምበር ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሰብኣውነታት ወሰደ ከምኡ ውን በዚ ኸምዚ ድማ ብዛዕባ ጥምቀት ተዛረበ፣ እዚ "ጥምቀት እዚ መስቀል ኢዩ፣ ማለት ፍቕሪ ኣብ እትደልዮ ሓደጋ ምሉእ ብምሉእ ምጥሓል" ማለት እዩ ዝነበረ። ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅዱስ ቍርባን ብምቕባል ድማ ንጕዕዞ ዚኸውን ምግብን ብርታዐን ንረክብ ኢና። በዚ ኸምዚ ኣብ ክንዲ ንገዛእ ርእስና ንኻልኦት ክንነብር ዝገበርናዮ ውሳነ ይግለጸልና፣ ናብ ዓለም ናይ ፍቕሪ ሓቂ ክንክዑ ድማ ንዝቐርበልና ጻውዒት ድማ ንቕበል።
እዛ ፍቕሪ እዚኣ "ትሕት እትብልን እተገልግልን ንዘይምግዳስ ብጥንቃቐ ምላሽ እትህብን" ከምኡውን "ከም ኣጽዋር ብዙሕ ዋጋ ዘይትሓትት" ሰናይ ዝኾነ ሓዊ ኮይና ናብ ግጉይ ምርዳእን ስደትን ክትመርሕ ትኽእል እያ። ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ንዅሎም ደቂ ሰባት "እቲ ሃልሃልታ ኣብ ውሽጥና ኻብ ምንዳድ ዚዓቢ ሰላም የልቦን" ክብሉ ውን ኣተባብዑ።
ሓድነት ምህላው ጥራይ
ነዚ ሓዊ ሕያውነትን ደግነትን ኣብ ግምት ብምእታው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ንኻልኦት ንምግልጋል ቈራጽነት ብምግባር ስለ እቲ ዅሎም እቶም ኣብ ሰበኻ ኣልባኖ ዝርከቡ ምእመናን ዝለዎም ምስጋና ገለጹ። ኣብ መንጎ እቶም ዜገልግሉን እቶም ዝግልገሉን ፍልልይ ከይገብሩ ድማ ተማሕጸንዎም ። "ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንኻልኦት ውህበት እዩ" ከምኡውን ኵላትና ኣባላት "ቤተ-ክርስትያን ድኻታት" ኢና ክብሉ ድማ ኣመልከቱ።
ብሓቂ ኣካል ክርስቶስ ክንከውን እንኽእል ብሓደ ተኣኪብና ኣብ መንጎ እተፈላለየ ፖለቲካውን ማሕበራውን ስምዒታውን ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት ኣብ ዚግበር ርክብ ብምትኳር ጥራይ ኢና። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ "እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኸዓዎ ሓዊ፣ ነቲ እቶም ኣብ ህይወቶም ድኽነት ክርስቶስ ዘለዎም ደቂ ሰባት ዘዳኽሞም ዘሎ ኣቐዲምካ ብምስዓር ናይ ቅድስመ ኩነት ምፍርድታትን ፍርህታት ከምኡውን ናይ ሓሶት መጠንቀቕታታትን ኬጥፍእ ኢዩ መጸ።"
ኵሉ ሰብ ንክርስቶስ ካብ ኣብያተ - ክርስትያንን ኣባይትን ህይወትን ወጻኢ ኸይገድፎ ውን ተማሕጸኑ። ኣብ ክንዳኡስ ኣብ ድኻታት ንኽርስቶስ ክቕበልዎ ተማሕጸንዎም። ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ምስ ድኽነትና ማለት ዝኸፈልና ኸፊልና ምጽንናዕን ድሕንነትን ክንስዕብ ከለና ብእንፈርሆን እንኽሕዶን ድኽነት፣ ሰላም ክንገብር ንኽእል ኢና" በሉ።