MAP

Floods in Pakistan	Floods in Pakistan   (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. ምእንቲ እቶም ኣብ ፓኪስታንን ነፓልን ህንዲን ግዳያት ምዕልቕላቕ ማይ ዝዀኑ ጸልዮም

ደድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዘቕረብዎ ጸሎት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ኣብ ፓኪስታንን ነፓልን ከምኡውን ህንዲ ካሽሚር ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ፣ ንልዕሊ 300 ሰባት ድሕሪ ምቕታሉ ነቶም ግዳያትን ስድራቤቶምን ዘኪሮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዝርከብ ቅርዓት ፍሪደም (ፒያዛ ደላ ሊበርታ) ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ድሕሪ ምዕራጐም ምስቶም ብብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ እተጐድኡ ኣብ ፓኪስታንን ህንዲን ከምኡውን ነፓል ዝረጐድኡ ሰባት ዘለዎም ቅርበት ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ቃል ምሕጽንታ "ምእንቲ እቶም ግዳያትን ስድራቤቶምን ከምኡውን ምእንቲ ዅሎም እቶም ብሰንኪ እዚ መዓት እዚ ዝሳቐዩ ዘለዉ" ጸለዩሎም። ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ፓኪስታን ህንዲ እትርከብ ካሽሚር ከምኡውን ነፓል ንኽልተ መዓልቲ ብርቱዕ ዝናም ብምዝናቡ ምዕልቕላቕ ማይ ኣጋጢሙ ንልዕሊ 300 ሰባት ድማ ግዳያት ገይርዎም ኣሎ።

ምእልቕላቕ ማይ ዘስዓቦ ሃደጋ
ምእልቕላቕ ማይ ዘስዓቦ ሃደጋ   (AKHTAR SOOMRO)

ኣብ ፓኪስታን ናይ ድሕነት ጕጅለታት ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣትሒዞም ኣብቲ ምዕልቕላቕ ማይ ዘጋጠሞ ቦታታት ንዝርከቡ ዘለዉ ልዕሊ 3,500 በጻሕቲ ኣጋይሽ ንምድሓን ይሰርሑ ከም ዘለዉ ሰበ - ስልጣን ጸብጻብ ሂቦም ኣለዉ። ኣብ ዞባ ኑነር ዝነበራ ልዕሊ ዓሰርተ ኣቝሻት በቲ ምዕልቕላቕ ማይ ብምዕናወርን ምህማም ምድርን ምዕናው መገድታትን ስለዘጋተመ ከኣ ሰራሕተኛታት ናብቲ ማሕበረሰብ ንኸይበጽሑ ተዓጊቶም ኣለዉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ ኣብ ዓለም ሰላም ንኺህሉ ዝገብርዎ ዘለዉ ቐጻሊ ጻውዒት ብምድግጋም ውን ውግእ ደው ንምባልን ሰላም ንምድንፋዕን ዝግበር ጻዕርታት ፍረ ኪፈሪ ኸም ዝደልዪን ከምኡውን "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ውዕላት ሓባራዊ ረብሓ ህዝብታት ወትሩ ቐዳምነት ኪወሃቦ ኸም ዘለዎ" ውን ገለጹ።

ምልክታት ተስፋ

ኣብዚ መፋርቕ ኽረምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እተፈላለየ ባህላውን ወንጌላውን ተበግሶታት ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ኣብቲ ሰባት ንምርግጋእ ዚውደቡሉ ቦታታት ከም ከም ዘሎ ውን ገለጹ ። "ንወንጌል ዘሎና ፍቕሪ ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ንዝርከቡ ጕጅለታት ኰነ ማሕበራት ብኸመይ ከም ዘነቓቕሖም ምርኣይ" ክሳዕ ክንደይ ዘተባብዕ ተስፋ ምዃኑ ውን ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ ኣብነት ናይቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ሪቺዮን ኢጣልያ እተገብረ ተልእኾ መንእሰያት ጠቒሶም፣ ንዅሎም እቶም ኣብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመታት ንምድንፋዕን ንምስታፍን ዝሓገዙ ድማ ምስጋናኦም ገለጹ።

18 Aug 2025, 16:14