ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብሃንደበታዊ ሞት ምስራዊ ነጋዲት ተስፋ ሓዘኖም ገሊጾም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሰንበት ንግሆ ዕለት 2 ነሓሰ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ናይ መንእሰያት ኢዮቤል ክትሳተፍ ብናይ ታርሱስ ጳጳስን ንናይ ግሪክ መለካዊት ፓትሪያርክ ዘኣንጽዮክያ ኣብ ምስርን ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ተራዳኢ ጳጳስ ዣን ማሪ ቻሚ ተመሪሑ ናብ ሮማ ናይ ንዝኣተወ ጉጅለ ምስራውያን መንእሰያት ተቐቢሎም፣ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም፣ ከም ዘጸናንዑን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ "ልባዊ ጸሎቶም" ኣረጋጊጾም፡ "ጎይታ ንኣባላት ስድራቤት ፓስካለ፡ ፈተውታን ንኹሎም በዚ ዘጋጠመ ሞት ዝሓዝኑን ከጸናንዕ” ተማሕጺኖም፣ ነቲ ዝስምዓና ሓዘን፡ ከምኡ’ውን ኣዝዩ ሃንደበትን ዘጋጠመ ሞት፡ እቲ ኣብ ትንሳኤ ክርስቶስ ዘሎና ተስፋ ነቲ ፓስካል ኣብ ክርስቶስ እትረኽቦ ሓድሽ ህይወት ንኽንዝክር ተስፋ ይህበና ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ስለዚ ኣብ መንጎ እዚ ስቓይ እዚ ዅላትኩም ብሞት ብጸይትኹም ሓዘን ከም ዝስምዓኩምን እንተ ወሓደ ንኽትጽልዩ እምነት ንኸተሐድሱ ከምኡውን ንኣምላኽ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ሓብትና ንምምሕጻን ከም ቤተ - ክርስትያን መጠን እምነትናን ንምሕዳስናን ጽንዓትን ተስፋን ከም ዝስምዓኩም ርግጸይና እየ። ስለዚ ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ምዃንና መጠን ብሓደ ተኣኪብና፣ ጐይታ ምሳና ኪኸውን ምሳኻትኩም ኪኸውን ኣብዚ ዓመት ተስፋ ኢዮቤል እተሕልፍወን መዓልትታት ኵላትኩም ድማ ብፍቕርን ብጸጋ ኣምላኽን ዑቕባ ኽትረኽቡ ንልምን።”
ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ሓዋርያዊ ቡራኬ ቅድሚ ምሃቦም፡ በቲ ደረት ኣልቦ ፍቕርን ምሕረትን ንዘይተሕፍር ተስፋ እግዚኣብሔር ምጽንናዕ ክረኽቡ ኣተባቢዖም፣
“ኣብ ትንሳኤ ዘሎና ተስፋ፣ እዩ እቲ ናይ መወዳእታ ምንጪ ተስፋና፣ ብዛዕባ ናይ ኢዮቤል ዓመት ተስፋ ድማ ንዛረብ፣ ተስፋና ኣብቲ ዝተንስኤ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንኹላትና ድማ እምነትና ከነሐድስ ይጽውዓና፣ ንኹላትና ንሓድሕድና ኣዕሩኽ፣ ኣሕዋትን ኣሓትን ክንከውን ይጽውዓና፣ ንሓድሕድና ክንደጋገፍ፣ ንስኻትኩም’ውን መሰኻኽር ናይ መልእኽቲ ወንጌል ክትኮኑ ሓደራ”
ቢሎም ዝለገስዎ መጸናንዒ ቃል ከም ዝዛዘሙ ሓቢሩ።