ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቫቲካን ንዝሰርሑ ወለዲ መሰል የስፍሑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ሓንቲ ስድራ ቤት ሰራሕተይና ቫቲካን ቆልዓ ምስ ዝውለድ ሓሙሽተ መዓልታት ዝኽፈል ዕረፍቲ፤ ንወለዲ ስንኩላን ህጻናት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ሰለስተ መዓልቲ ዝኽፈል ዕረፍቲ፦ እዚኦም ክልተ ካብቶም ኣብቲ ሶኑይ ዕለት 11 ነሓሰ ዝተሓትመ ናይ ኣዋጅ ሰነድ ዝርከብ ሓድሽ ድንጋገታት ኮይኑ፡ ንሓለዋታትን መሰላትን ሰራሕተይናታት ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዘስፍሕ እዩ።
እቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ቁጠባ ህየንተ ማክሲሚኖ ካባሌሮ ዝተኸተመ ሰነድ ብር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 28 ሓምለ ንካባሌሮ ተቐቢሎም ኣብ ዘዘራረብሉ ርክብ ይኹንታ ዝሃብሉ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብቲ ዕለት 28 ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ካባሌሮ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ዝተፈላለያ ናይ ቅድስቲ መንበር ትካላን ኣባይቲ ጽሕፈት ቤት ምሕደራን ከምኡ እውን ማሕበር ሰራሕተይናታት ወከልቲ ዝሓቑፍ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ቅድስቲ መንበር ዘቕረቦ ሓሳብን ውሳኔታትን ከም ዘቕረቡሎምን ካብቶም ኣብቲ ሓድሽ ናይ ኣዋጅ ሰነድ ዝተኣታተዉ ሓደስቲ ስጉምትታት - እዚ ንገለ ሕጡበ - ጽሑፋት ስድራ ቤት ዘማእከለን ንሕግታት ምሃብ ኣበል ስድራቤትን ዘመሓይሽ - ብቐዳምነት እቲ ብዛዕባ ዕረፍቲ ኣቦነት ዝምልከት ጉዳይ ብፍሉይ ዝጥቀስ ምዃኑ የመላኽት።
እቲ ሰነድ "እቲ ሰራሕተይና ብምኽንያት ውልደት ቆልዓ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ዝኽፈል ዕረፍቲ ክረክብ መሰል ኣለዎ" ዝብልን፣ “እቲ ከም ናይ ስራሕ መዓልታት ዝቑጸር ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ዕረፍቲ፡ እቲ ሕጻን ኣብ ዝተወለደሉ ቀዳማይ ወርሒ ማለት 30 መዓልታት ውሽጢ ዝውሰድ ክኸውን ኣለዎ ቅድሚ ሰላሳ መዓልታት እንተዘይተጠቀመሉ ግና እቲ መሰል ዝኽፈል ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ዕረፍት ይስእን።
ስንኩላን ህጻናት ዘለዎም ኣባይቲ ስድራ
“ኣብ ዝተረጋገጸ ጽንኩር ኩነታት” ዝርከቡ ቆልዑ ዘለዎም ኣባይቲ ስድራ፡ “እቶም ወለዲ፡ ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዝኽፈል ዕረፍቲ መሰል ኣለዎም፡ እዚ’ውን ብተኸታታሊ ክውሰድ ዝከኣል እዩ፡ እንተኾነ ግን እቲ ቆልዓ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ፍሉያት ትካላት ኣብ ኣባይቲ ሕክምና እንተዘይተዓቚቡ እዩ።”
"ንስንኩላን ኣባላት ስድራቤት ንምክንኻን ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ኽርከብ" ብጀካ እቲ ብቑዕ ብዓል ስልጣን ኣብ ዝፈቕዶ ጕዳያት ዕረፍቲ ምሃብ፣ "እቲ ሰራሕተይና ካልእ ዕዮ ኽፍጽም ኣይክእልን ኢዩ፣ እቲ ናይ ኣዋጅ ሰነድ ሕክምናዊ ገምጋም ስንክልናን ምውሳን ጽንኩርነቱን፣ ብዝምርምር ብሽማግለ ጉዳያት ሕክምና ዝወሃብ ውሳኔ ይኸውን፣ እዚ ድማ ብላዕለዋይ በዓል መዚ ኣመሓደርቲ ጉዳያት ጥዕናን ጽሬትን ኣብ ዝወሃብ ገምጋም ዝምርኮስ እዩ። ውሳኔ ናይቲ ሽማግለ ጉዳያት ሕክምና “ይግባይ ዘይበሃል እዩ።”
ሓደ ሰብ ብሽማግለ ጉዳያት ሕክምና ብኸቢድ ስንኩል ወይ ዓቕሚ ዘይብሉ እዩ ዝብል ኣፍልጦ ዝተዋህቦ ኣባል ስድራቤት፣ ናይ ስድራቤት ኣበል ክረክብ መሰል ኣለዎ። እዚ መሰል እዚ ነቶም ብሽማግለ ጉዳያት ሕክምና ኣዝዮም ስንኩላን ወይ ዓቕሚ ከም ዘይብሎም ኣፍልጦ ንዝረኸቡ ቀጥታዊ፣ ዘይቀጥታዊ ወይ ብህይወት ዝተረፉ ናይ ቫቲካን ጡረታ ዘለዎም ሰባት እውን ዝዝርጋሕ እዩ።”
ናይ ስድራቤት ኣበል
ብዛዕባ ኣበል ስድራቤት ብዝምልከት፡ ተጠቀምቲ “ሕጋዊ ዝኾኑ ወይ ሕጋውነት ዝተዋህቦም ቆልዑ ወይ ምስ እዚ ዝመተመዓራረዩ፡ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ውላድ” ዘለዎም ኣባይቲ ስድራ ከም ዝጠቓለሉ እቲ ናይ ኣዋጅ ሰነድ የነጽር፤ ተማሃሮ እንተ ዀይኖም፡ “ክሳብ ዝለዓለ ማለት 20 ዓመት ኣብ ከም ተመሃራይ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ” ወይ “ብምሉእ ንውሓት ብቕድስቲ መንበር ተፈላጥነት ናይ ዘለዎ መንበረ ጥበብ ተማሃራይ ንዝኾነ ክሳብ 26 ዓመት ዘጠቓልል እዩ፡ ናይ መንበረ ጥበብ ተማሃራይ ምዃኑ መረጋገጺ ክህሉ ግድን ምዃኑ እቲ ሓድሽ ናይ ኣዋጅ ሰነድ የመላኽት።