ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዕለት 22 ነሓሰ ንሰላም መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ክኸውን ጻውዒት ኣቕሪቦም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም ምስ ኣብቅዑ ነቶም ኣብቲ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተረኽቡ ነጋድያን ምመናን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ሓሳባቶም ዳግማይ ናብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ብዙሕ ናይ ግጭት ዞባታት ኣቕኒዖም፣ ዕለት 22 ነሓሰ ቅድስት ድንግል ማርያም ንግስተ ሰላም ኣብ ዝዝከረሉ ዕለት፣ ምእመናን ምእንቲ ሰላም ኣብ ጾምን ጸሎትን ክጥርነፉ ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
“ማርያም ኣብዚ ምድሪ ኣደ ምእመናን ኮይና ንግስቲ ሰላም ተባሂላ ትዝከር . . . ዓለምና - ኣብ ቅድስቲ መሬት፣ ኣብ ዩክሬንን ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለምን - ብዝካየዱ ዝተፈላለየ ውግእ ኣብ እትቖስለሉ ዘላ እዋን - ቅዱስነቶም ንኹሎም ምእመናን ምእንቲ እቶም ብሰንኪ ውግእ ዝሳቐስዩ ዘለዉ ሰባት ብምሕሳብ ኵሉ ምእንቲ ሰላም ኣብ ዝፍጸም ጾምን ጸሎትን ክሓብር ዓዲሞም፣ "እግዚኣብሄር ሰላምን ፍትሕን ክህበና፡ ከምኡ'ውን ብሰንኪ ዝቕጽል ዘሎ ዕጥቃዊ ግጭታት ዝሳቐዩ ንብዓት ክሕብስ" ኩላትና ኣብ ጸሎትን ጾምን ጥርኑፋት ንኹን፣ "ህዝብታት መንገዲ ሰላም ምእንቲ ክረኽቡ ማርያም ንግስቲ ሰላም ተማልድ - ቢሎም - ኣብታ መዓልቲ እቲኣ "ንህያብ ሰላም ሓሳብ ኣብ ዝገብር መደብ ጾምን ጸሎትን - ዕጥቂ ዝፈትሕን ዕጥቂ ዝፈተሐን ሰላም - ንመላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ምእንቲ ዩክሬንይን ማእከላይ ምብራቕን ክጽለ ሓደራ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።