ር. ሊ. ጳ. ቅዳሴ መንእሰያት፦ ጐይታ ብለውሃት መስኰት ነፍስኹም ይዅሕኵሕ ኣሎ
ኣባ ተወልደ መብርህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክስቶስ ተስፋና ክንዲ ዝኾነ፣ ኣብ ምሉእ ህይወትና ምስኡ ንዘልዓለማውነት ነስተማቕር፣ ንሱ ድማ ከብርሃልኩም ኢዩ. . . ክብሉ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓልፈ ሰንበት ንግሆ፣ ኣብቲ ካብ ከተማ ሮማ ውጽእ ኢልካ ዝርከብ ሰጣሕ ጐልጐል ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዓመት እልልታ መንእሰያት ነዚ ቃል ምሕጽንታ ለጊሶም።
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ነዚ ኣፍልጦ ብምሃብ ፣ ዋላ እውን ነቲ እነዕርግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴን ነቲ መደባት ኢዮቤል መንእሰያት ብቐጥታ እንተ ዘይጠቐስዎ፣ ብዛዕባ እቲ ምስቲ "ንህይወትና ዚቕይርን፣ ፍቕርናን ባህግታትናን ሓሳባትናን ዜብርህን" ዝተንስአ ጐይታ እተራኸበሉ ኣጋጣሚ ምንባሩ ኽንሓስቡ ዓደምዎም።
ጐይታ መስኰት ነፍስና ይዅሕኵሕ ኣሎ
እታ ኻብ መጽሓፈ መክብብ እተወስደት ናይ መጀመርታ ንባብ ብምምልካት፣ ልክዕ ከምቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቲ እቲ ዓቕምና ድሩት ምዃኑን ንሓጺር እዋን ዚሓልፍ ኵሉ ነገራትን ንኽንርድኦ ኸም እትዕድመና ውን ገለጹ።
"ኵሉ ነገር ኣቕሊልካ ዝርአን ዘይንቀሳቐስን ዘይኰነስ፣ ብፍቕሪ ተበጊስካ ብቐጻሊ ዝሕደስ ህላወ ንኽንረክብ ኢና ተፈጢርና። ስለዚ ኸኣ ኢና ዝዀነ ይኹን እተፈጥረ ዘበለ ክውንነት ክህበና ዘይክእል፣ በዚ ኸምዚ ድማ ኢና ኣብ ህይወትና 'ዝያዳ' ንኹሉ ነገር ብቐጻሊ እንምነ፣ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዝዀነ ይኹን መስተ ኼዕግበና ዘይክእል እኳ ደአ ዓሚቝን ሃልሃል ዝብልን ጽምኢ እዩ ዚስምዓና።"
"ነዚ ፈሊጥና እምበአር ነቲ ሕሱር ዋጋ ዘለዎ ብምቕዳሕ ክንዓግብ ብምጽዓር ንልብና ኣይነተዓሻሽዎ" በሉ። ኣብ ክንዳኡስ "ነዚ ነገራት እዚ ኣስተውዒልና ንስምዓዮም" በሉ።
ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም "ነዚ ጽምኢ እዚ ልክዕ ከምቶም ኣብ ጫፍ እግሮም ደው ኢሎም ብመስኮት ከም ዝመጣጠሩ ቘልዑ ኮይና፣ ንኣምላኽ ምእንቲ ኽንጥምት ከም ዘኽእለና ናብ ሓደ መደያይቦ ዝኾነና ድኳ ንቐይሮ። ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቲ ዚጽበየናን፣ ኣብ መስኰት ነፍስና ኮይኑ ብህድኣት ዚዅሕኵሕ ዘሎ ኣምላኽ ክንናኸብ ኢና" ክብሉ ብምሳሌ ኣስተንተኑ።
ጥበብ ቅዱስ ኦገስጢኖስ
ቅዱስ ኣቦና ስብከቶም ብምቕጻል "ብፍላይ ኣብ ግዜ ንእስነትካ ልብኻ ኸተስፍሕን፣ ንጐይታ ናብኡ ንኽኣቱ ኽትፈቕደሉን፣ ነዚ ዕዮ እዚ ድማ ንዘልዓለማውነት ከም ምስትምቓር ክትቅበሎ፣ እዚ ብሓቂ ባህ ዜብል እዩ" በሉ።
ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ብዛዕባ እቲ ንኣምላኽ ንምርካብ ዝገብሮ ጽዑቕ ጻዕሪ እንክሓስብ 'ተስፋና ደኣ እንታይ እዩ?' ክብል ይሓትት።
ምንጪ ተስፋና ምድሪ እንተ ዀይና ወይ እቲ ካብኣ ዝመጽ ጽብቕ ነገር እንተ ዀይኑ ብምሕታት ድማ፣ እዚ ነገራት እዚ ዘይኮነስ 'እቲ ነዞም ነገራት ዝገበሮም ኢዩ ተስፋኻ' ብምባል ድማ ተማጐተ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘዘኻኸርዎ ቅዱስ ኦገስቲኖስ ብዛዕባ ጕዕዞኡ እናሓሰበ "ንስኻ [ጐይታ] ኣብ ውሽጠይ ኔርካ ፣ ኣነ ግና ኣብ ደገ እየ ነይረ ፣ ኣብኡ ኸኣ እየ ዘናድየካ ዝነበርኩ [...] ንስኻ ግና ትጽውዓንን፣ ትጭድትን ነበርካ፣ ነቲ ዕድታተይ ድማ ኣፍረስካዮ" ከም ዝበለ ነቶም መንእሰያት ጥቐሱሎም።
ልክዕ ከምቲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ትርጕም ህይወት ንምርካብ ዝገበሮ ዝነበረ ጻዕሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እውን ሓድሓደ ግዜ ነቶም መንእሰያት ተመሳሳሊ ሕቶታት ከም ዘስተንትኑ ኣፍልጦ ሃቡሉ።
ኣብ ላዕሊ ዘሎ ነገራት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ብምባል ኣስተንትኖኦም ቀጸሉ - "ኣብ ልብና ሓንቲ ሃልሃል እትብል ሕቶ ኣላ፣ ዕሽሽ ክንብሎ ዘይንኽእል ሓቂ የድልየና ኢዩ፣ እዚ ድማ 'ሓቀይና ሓጐስ እንታይ ኢዩ?' ኢልና ንርእስና ከም እንሓትት ይገብረና። ሓቀይና ትርጕም ህይወት እንታይ እዩ? ትርጕም ኣልቦን ዜሰልኪን ሚዛናውን ካብ ምዃን ሓራ ኼውጽኣና ዚኽእል ከ እንታይ እዩ?"
ኣብዚ ቐረባ መዓልትታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቶም መንእሰያት ብዙሕ ባህ ዘብል ተመክሮታት ከም ዘሕለፉ ዘከሩ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ኽትርድእዎ ትኽእሉ ኢኹም " ብምባል ውን ገለጹ ።
ኣብ ክንዳኡስ ምሉእ ምዃን ምስቲ ብሓጐስ እንቕበሎን እነካፍሎን ነገራት ከም ዚተሓሓዝ ኣዘኻኸሩ። ምዕዳግን ምሕሻሽን ምብላዕን ምስታይን ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ኣዒንትና ኣልዒልና ናብ ላዕሊ ኽንጥምት ናብቲ 'ኣብ ላዕሊ ዘሎ' ክንሓስብ ኣሎና" ውን በሉ።
ኢየሱስ ተስፋና እዩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም "ፍቑራት መንእሰያት ኢየሱስ ተስፋና እዩ" በሉ።
ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ናይ 2000 ዓመት ኢዮቤል ኣብዚ ቦታ እዚ ንዝተረኽቡ መንእሰያት ከም ዝበልዎም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ውን "ኣብ ህይወትኩም ዓቢ ነገር ንምግባር ባህጊ ዘሕድሩልኩም [...] ንምምሕልላፍ... ገዛእ ርእስኹምን ማሕበረሰባኹምን ንምምሕያሽ ንዓለም ከኣ ዝያዳ ሰብኣውን ሕውነታውን ንምግባር ኢዩ።"
ስለዚ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስብከቶም "ነቶም ድሕሪ ሓጺር እዋን ቅድስናኦም ዝእወጅ ብፁዓን ፔርጆርጆ ፍራሳቲን፣ ብፁዕ ካርሎ ኣኩቲስን ዝገደፍዎ ኣብነት ብምስዓብ ብጸሎት፣ ብስግደት ቅዱስ ቍርባን ብተደጋጋሚ ብምንዛዝ ከምኡውን ብልግሲ ልውሃትን ብምዅስኳስ ወትሩ ኣብ ዕርክነቱ ንጽናዕ" ክብሉ ውን ተማሕጸንዎም።
ስለዚ ድማ "ኣብ ዝሃሉኹምሉ ዘበለ ኩሉ ናብ ዓብዪ ቍምነገርን ናብ ቅድስናን ተመላለሱ ። ብሕሱር ነገር ድማ ኣይትመዘኑ። ሽዑ ብርሃን ወንጌል ኣባኹምን ኣብ ከባቢኹምን መዓልቲ መዓልቲ ኺዓቢ ኸሎ ኽትርእዩ ኢኹም።"
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም መንእሰያት ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብሕድሪ ድሕሪ ምውፋይ፣ ነናብ ዓዶም ኪምለሱ ኸለዉ "ብሓጐስ ኣስኣሰር መድሓኒ ኺመላለሱ ውዕዉዕ ስምዒቶምን ምስክርነቶምን እምነቶምን ከኣ ንዝረኸብኩምዎ ዘበለ ከብጽሑ" ጸለዩሎም።