MAP

2025.08.17 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መኣዲ ምሳሕ ምስ ድኻታት: ሰብ እቲ ዝጸበቐ ፍጥረት ኣምላኽ እዩ 2025.08.17 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መኣዲ ምሳሕ ምስ ድኻታት: ሰብ እቲ ዝጸበቐ ፍጥረት ኣምላኽ እዩ  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መኣዲ ምሳሕ ምስ ድኻታት: ሰብ እቲ ዝጸበቐ ፍጥረት ኣምላኽ እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 17 ነሓሰ ኣብ ካተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ህንጻ ኣብ ዘሎ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ብካሪታስ ናይ ዝጽዋዕ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ኣልባኖ ምስ ዝድገፉ ድኻታት ምሳሕ ከም እተቋደሱን ቅዱሰንቶም ቅድሚ ምሳሕ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ነፍሲ ወከፍና ብመልክዕ እግዚኣብሔር ዝተፈጠረ ብምዃና ኣብ ኩሉ ሰብ ህላወ እግዚኣብሔር ከነለልይ ንኽእል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣስዒቦ “ሰብኣዊ ፍጥረት ካብ ኩሉ ፍጥረት እቲ ዝጸበቐ እቲ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ እዩ” እዚ ሓቂ እዚ ብዕምቆት ክስትንተን ኩሉ ግዜ ክዝከርን ኣገዳሲ እዩ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ምስ ህላወ ኣምላኽ ክንራኸብ ድማ ንኽእል። ኣዚ ብጨንፈር ካሪታስ ሃገረ ስብከት ኣልባኖ ላዚያለ ዝተዳለወ ናይ ምሳሕ መኣዲ፣ ናይ ሕውነት፡ ምስ እግዚኣብሔር ናይ ምዃንና መግለጽን ተመክሮን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

እንጌራን ውህበት ጎይታን ምክፋል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ልዕሊ ሚእቲ ዝኾኑ - ብሃገረ ስብከት ካሪታስ ኣልባኖ ዝድገፉ ድኻታትን ተቓላዕትን ግዳም ሓደርን ሰባት ብሓባር ምሳሕ ቅድሚ ምክፋሎም፣ “ብሓባር እንጌራ ምክፋል፡ ንኹላትና ኣዝዩ ትርጉም ዘለዎ ምልክት፡ ማለት እቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ንኢየሱስ ክርስቶስ ከነለልየሉ ዘኽእለና መግለጺ ቁርባናዊ ተግባር እዩ - ቢሎም - ኩላትና ኣብ ዙርያ መኣዲ ተኣኪብና ነቲ እግዚኣብሄር ዝሃበና ህያባት ኣብ እንካፈለሉ እዋን ህላወ ክርስቶስ ንምስክር . . . ነቲ መኣዲ ዘዳለዉን ነቲ መግቢ ዘወፈዩን ኩሎም ድማ በረኸት ኣምላኽ ተማሕጺኖም፣ “ጐይታይ፡ ወትሩ ኣብ ፍቕርኻ ተጠርኒፍና ክንነብር ሓግዘና፣ ኩሉ ዕለታዊ እንጌራ ክረክብ ገበርቲ ሰናይ ክንከውን ደግፈና” ዝብል ጸሎት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካርዲናል ባጆ፡ ቅርዓት ‘ስቡሕ ኣንተ’ ንዝተጸገሙ ማዕጸኡ የርህው

ካርዲናል ፋብዮ ባጆ - ዋና ሓላፊ ማእከል ምዕቡል ተቕዋም ስቡሕ ኣንተን ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፍን ኣብ ዘስምዕዎ ሓጺር መደረ፣ ቅርዓት ‘ስብሕ ኣንተ” ማዕጾኡ ንኹሉ ብፍላይ ድማ ንድኻታትን ዝተናዕቁን የርህው . . . እቲ መኣዲ ትእምርቲ ሕውነታዊ ምክፋል እዩ፣ ምቕባል ወንጌል ካብ ንድኻታት ምቕባል እዩ ዝጅምር፣ ብዘይ ማሕበራዊ ፍትሒ ሓቀይና ስነ ምህዳር ክህሉ ኣይክእልን እዩ። እዚ ዓቢ ትምህርቲ ናይቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለገስዎ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዘማእከለ ስቡህ ኣንተ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእክቲ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ ክርስትያናዊ ፍቕሪ ንፍትሒ ምልኣት ይህቦ፣ ናብ ዝጭበጥ ፍቕሪ ይቕይሮ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጳጳስ ቪቫ፡ ጽባቐ ወንጌል ጭቡጥ ምግባር

ኣብቲ ዝቐረበ ናይ ምሳሕ መኣዲ ቅዱስ ኣቦና ቅድሚ ዘስምዕዎ መደረ ናይ ኣልባኖ ጳጳስ ቪንቸንዞ ቪቫ ኣብ ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ፣ “ኣብ ገጽ እቶም ሎሚ ኣብዚ መኣዲ ዝተዓደሙ ድኻታትን ግዳም ሓደርን ኣህዋትናን ኣሓኣትናን ጽባቐ ወንጌል ጭቡጥ ይኸውን - ከም ቤተ ክርስቲያን ኣልባኖ መን ምዃንና ህያው ምስክርነት እውን እዩ - ቢሎም -  ‘ንሕናን ‘ንሳቶምን’ ዝብል ፈላላይ ደረጃ ዘይብሉ፣ ገበርቲ ሰናይን ተጠቀምትን ብሓባር እንጌራ ዝካፈሉ ሰባት ጥራይ እዮም ዘለዉ - ኵሎም ምስ ዛንታታቶምን ቃልሶምን ተስፋታቶምን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መኣዲ ምሳሕ ምስ ድኻታት: ሰብ እቲ ዝጸበቐ ፍጥረት ኣምላኽ እዩ
18 Aug 2025, 15:26