ር. ሊ. ጳ.፦ ንመዓልታዊ ፋስካ ህይወትና እተዳሎና ንኹን
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዘካየድዎ ናይ መጀመርታ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ብዛዕባ ምስጢረ ሕማማትን ሞትን ትንሳኤን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣስተምሃሩ። ኣብ ፈለማ ኣስተምህሮኦም ንዅሎም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን ብዛዕባ እታ "ተራ ዚመስል ግናኸ ኽቡር ምስጢር ክርስትያናዊ ህይወት" ዝሓዘ "ተዳለዉ" ዝብል ቃል ኬስተንትኑ ዓደምዎም።
ፍቕሪ ሃንደበታዊ ድራኸ ኣይኰነትን
ኣብ ወንጌል ማርቆስ ተገሊጹ ከም እንረኽቦ፣ እቶም ዓሰርተው ክልተ ሓዋርያት ንድራር ፋሲካ ኺዳለዉ ኸለዉ ንኢየሱስ "ድራር ፋስጋ ምእንቲ ኽትበልዕ ናበይ ክንከይድ እሞ ኸነዳልወልካ ትደሊ?" ክብሉ ሓተትዎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል፣ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ከም ዝፍጸም ይፈልጡ ምንባሮም ገለጹ፣ ንሳቶምውን ብግዲኦም ካብ ኢየሱስ "ናብ ከተማ ኺዱ እሞ ሓደ ዕትሮ ማይ እተሰከመ ሰብ ክትረኽቡ ኢኹም" ዝብል ምሳልያዊ መልሲ ከም ዝሃቦም ኣስተንተኑ።
ዕትሮ ማይ እተሰከመ ሰብኣይ፣ ሓደ ዝተዳለወ ኽፍሊ ከምኡውን ዘይተፈልጠ ተቐባሊ ኣጋይሽ፣ እዚ ኵሉ ነገር ኣቐዲሙ ተዳልዩ ነበረ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ዅሉ ዘድሊ ምስንዳው ገይሩሎም ነበረ። እዚ ኸኣ ሓቀይና ፍቕሪ ኢዪ፣ "ብኣጋጣሚ ዘይኰነስ ብጥንቃቐ ዚግበር ምርጫ" ምዃኑ ኸም ዚሕብር ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለጹለጹ። ፍቕሪ ምድላው ዝሓትት ኢዩ ድማ በሉ። ጉይታትናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕማማቱ ክጾሮ ዝገበሮ ውሳነ ሓደ ኣብነት ናይቲ ባህ ዘብል ምርጫኡ ኢዩ ዝንበረ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣሲኢቦም፣ እዚ ምንጪ ምጽንናዕ ክኸውን ከም ዘለዎ ውን ኣጕልሑ - "ውህበት ህይወቱ ብሃንደበት ዘይኰነስ ካብ ሃለዋቱ ዝመንጨወ ምዃኑ ምፍላጥ ድማ ኢዩ።"
ኣምላኽ ሓደ ቦታ ኣዳለወልና
እታ ድሮ እተዳለወት ክፍሊ፣ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ወንጌል ብምቕጻል፣ ኣምላኽ መገዲ ኸም ዝጸርገልና እትገልጽ ኢያ። ሓንጐፋይ ኢልና ኽንቅበል ከም ዘሎና ቕድሚ ምፍላጥና፣ ጐይታ ንገዛእ ርእስና ኣፍልጦ እንህበሉን ኣዕሩኹ ኸም ዝዀንና ዀይኑ ዝስምዓናን ቦታ ድሮ ኣዳልዩልና ኣሎ።"
ነፍሲ ወከፍና ነዚ ቦታ እዚ፣ ብፍላይ ንነፍሲ ወከፍ ውልቀ - ሰብ ኣብ ልብና ቦታ ኽንረኽብ ንኽእል ኢና፣ እዚ ቦታ እዚ ኸኣ ንኽንርኣዮን ንኽመልኦን ንፍቕሩ ንኸነስተማቕረሉን ጥራይ ኢዩ ዝጽበ ዘሎ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ኣብ ወንጌል እተጠቕሰ ፋስጋ ዚኸውን ኵሉ ምድላዋት እኳ እንተ ገበረ፣ ነቶም ሃዋርያት እውን እጃሞም ኬበርክቱ ይሓቶም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም እዚ ንመንፈሳዊ ህይወትና ኣገዳሲ ትምህርቲ ክምህረና ከም ዝኽእል ድማ ኣስተንተኑ - "ጸጋ ንናጽነትና ኣየጥፍኦን ኢዩ፣ ኣብ ክንድኡስ የበራብሮ ኢዩ።"
ምድላዋት ማዕረ ሕልሚ ኣይኰነን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ምእመናንን መንፈሳውያን በጻሕትን ነጋድያንን ንሕና እውን "እነዳልዎ ድራር" ከም ዘሎና ኣዘኻኸርዎም። ቅዱስ ቍርባን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና እውን ከነዳልዎ ዘሎና ቦታ ኣሎ። ነዚ ዅሉ ድማ ከም ምስጋና ጌርና ንኽርእዮ ቦታ ኽንገድፈሉ ኣሎና።
ነዚ ንምግባር ከኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዅሉ ሰብ ነቲ ኣብ ህይወቱ ዕንቅፋት ዚዀኖ ነገራት ከወግዶ ተማሕጸኑ ። እንተዀነ ግን ምድላዋት ምስ ሕልሚ ኸይነደናግሮ ወይ ምድላው ክበሃል ከሎ ኣብ ደረጃ ሓሳባት ጥራይ ዝገብር ክኸውን የብሉን፣ እኳ ደአ ነዚ ሓሳብ እዚ ከወግድ ከም ዘለዎ ኣጠንቀቑ። ናይ ሕልሚ ነገራት ኣቓልቦና ዝሰርቕ ክኸውን ከሎ፣ ድልው ምዃን ግን ይመርሓና ኢዩ። ደቀ መዛሙርቱ ዋላ እኳ እንተ ዘይተረድእዎን፣ ሓደ ካብ ደቀ-መዛሙርቱ ኣሕሊፉ ኺህቦ እኳ እንተ ሓሰበ፣ ኢየሱስ ኣብ ብምሉኡ ኣገልግሎቱ "ናይ ሕብረት ድራር" ኬዳልወሎም ከሎ ነዚ ኣብነት ገዲፉልና ኣሎ።
ንሕና እውን 'ፋሲካ ኸነዳሉ' ተጸዊዕና ኢና። ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ንዅሎም እቶም ኣብቲ ኣደባባይ ዝተረኽቡ ምእመናን ዘዘኻኸርዎም፣ እዚ ንመሥዋዕተ ቅዳሴ ዝግበር ምድላው ጥራይ ዘይኰነስ ንመዓልታዊ ህይወትና እውን ምድላው ማለት ኢዩ ። እዚ ኸኣ ቀዳማይ ስጕምቲ ንምውሳድ ወይ ዝያዳ ንምስማዕ ወይ ካልኦት ክሳዕ ዚቕየሩ ዘይምጽባይ፣ ነዚ ኹሉ ድልው ምዃን ማለት ኪኸውን ይኽእል እዩ ።
ነቲ ኣምላኽ ምስኡ ንኽንራኸብ ዘቕርበልና ጻውዒት ክንቅበሎ ምስ ወሰንና ኸኣ በይንና ኣይንኸውንን ኢና ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለጹ። "ናብታ ኽፍሊ እቲኣ ዝመርሓና ምልክታት ኣጋጣሚታት ከምኡውን ቃላት ከም ዘሎና ኽንፈልጥ ኣሎና፣ ኣብኡ ድማ እቲ ብመወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሪ ዘጽንዓናን ወትሩ ቀቅድሜና ዝከይድ ምስጢር ብዘይምቍራጽ እንራኸበሉ ሰፊሕን ድሮ እተዳለወን ቦታ ኢዩ።"